ሓጺር ታሪኽ ሂወት ጋዜጠኛ ፕሮ. ኣሮን ብርሃነ [1969-2021] (ጋዜጣዊ መግለጺ)

ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነ ሓደ መስራቲን ጋዜጠኛን ናይ ፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሰቲት ብዝሓደሮ ሕማም ብ 3 ግንቦት 2021 ኣብ ናይ ስደት ሃገር ኣብ ካናዳ ዓሪፉ። ወለዲን ፈተውቲን ጋዜጠኛ ኣሮን ሓጺር ታሪኽ ህይወቱ ዝገልጽ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኦም ኣለዉ፡ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።

Journalist Aron Berhane

Journalist Aron Berhane Source: PEN Eritrea

ነፍሰ-ሄር ኣቶ ኣሮን ብርሃነ ካብቶም ሓምሽተ ኣሕዋቱን ክልተ ኣሓቱን መበል ራብዓይ ኰይኑ፡ ብ 06 ጥቅምቲ 1969 ኣብ ኣስመራ ተወልደ። እቶም ሰለስተ ኣሕዋቱ ኣብ ቃልሲ ንሓርነት ኤርትራ ዝተሰውኡ ኣሮን፡ ኣብ ኣዝዩ ንኡስ ዕድመ - ወዲ 09 ዓመት ኣብ ዝኣኸለሉ’ዩ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 1978 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ፣ ብኡ ንብኡ ኸኣ ናብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ተላእከ። ኣብ 1983፡ ኣብ ሓራ መሬት ኤርትራ፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣንጻር መሃይምነት ዝካየድ ዝነበረ ሰፊሕ ወፍሪ መምህር ኰይኑ ተመደበ።
ድሕሪ 1991 ኣሮን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ መንደፈራ መምህር ኰይኑ ክሳብ’ቲ ንዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝኣተወሉ እዋን ሰርሐ። ኣብ 1996 ናብ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምእታዉ፡ ትምህርቱ እናተኸታተለ መስራትን ዋና ኣሰናዳኢን ፈላሚት ብሕታዊት ጋዜጣ “ሰቲት” ብምዃን፡ ክሳብ’ቲ ኵለን ብሕታውያን ጋዜጣታት ብመንግስቲ ዝተዓጸዋሉ መስከረም 2001 ሰርሐ። ማዕረ-ማዕረኡ ኸኣ፡ ብዓውዲ ጋዜጠኝነት ብቀዳማይ ዲግሪ ተመረቐ።
ኣብ 2001 ናብ ካናዳ ድሕሪ ምምጻእ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ፡ ካብ 2003-2004 ኣባል ክፍሊ ጋዜጠኝነት፣ ካብ 2005-2006 ኣብ ጆርጅ ብራውን ኮሌጅ ኣብ ‘ምትሕብባር ፍሉይ ፕሮጀትታት’ን መምህርን ኰይኑ ሰርሐ።
መምህር-ጋዜጠኛ ኣሮን፡ ናይ ድሕረ-ምረቓ ትምህርቱ ኣብ ካናዳ ርየርሰን ዩኒቨርሲቲ ብምቕጻል፡ ንስደኛታትን ምጥያሶምን ኣብ ዝብል ዓውዲ ናይ ማስተርስ መጽናዕቱ ብዓወት ፈጸመ። ብተወሳኺ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ’ውን፡ ብዓውዲ ፖለቲካዊ ሳይንስን ስነጽሑፍን ብደረጃ ሰርቲፊኬት ኣጽንዐ።
ጋዜጠኛ ኣሮን ሓያለ ኣህጕራዊ ሽልማትን ኣፍልጦን’ውን ዝረኸበ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ 2005-2006 ኣብ ሸሪዳን ኮሌጅ ተሓጋጋዚ ምርምር፣ ካብ 2015 ንነጀው ኣብ ዩኒቨርሲቲ ርየርሰን ከም ተሓጋጋዚ ምርምር፣ ካብ 2016 ኣትሒዙ ኸኣ ኣብ ክፍሊ Liberal Art & Science ኮሌጅ ጆርጅ ብራውን፡ መምህር [ፕሮፈሰር] ኰይኑ ክሰርሕ ጸንሐ። ብተወሳኺ ኣሮን፡ “Life-line Syria” ኣብ ዝተባህለ ንሰብኣዊ ቅልውላውን ስደተኛታትን ሶርያ ዝግደስ ትካል፡ ንሓጺር ግዜ መጽናዕታዊ ስርሓት ኣካይዱ እዩ።
ብተወሳኺ ኣሮን፡ ሓደስቲ መጻእቲ፡ ስደተኛታት፡ ተመዛበልትን ህጹጽ ረዲአት ዘድልዮም ሰባትን ኣብ ምሕጋዝ፡ ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ብወለንታ ክዋሳእ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ብኣህጕራውያን ትካላት ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለም ኣብ ሓደጋ ናይ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ተጸዋዒ ኰይኑ’ውን ጸኒሑ እዩ።
ብዘይካ’ዚ ኣካዳሚያዊ ጕዕዞኡ፡ ካብ 2004 መስራቲ፡ ወናኒ፡ ኣካያዲን ዋና ኣሰናዳእን ትካል ጋዜጣ መፍትሕ ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ኣገልጊሉ። ብመገዲ’ዚ ትካል፡ ተሓቲሙ ይዅን ብመገዲ ኢንተርነት ብዝዝርጋሕ ጽሑፋቱ ኣቢሉ ድማ ኣሮን ንማሕበረሰብ ኤርትራውያን-ካናዳውያን ከተማ ቶሮንቶን ከባቢኣን ይዅን ኣብ መላእ ዓለም ጽልዋኡ ከስርጽ ጽዒቱ። ብኣበርክቶኡ ኣብ 2009 ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ነበር ስቲፈን ሃርፐር፡ ሽልማት ክወስድ ዝበቕዐ፡ ዕውት በዓል ሞያ ከኣ እዩ ነይሩ።
ኣሮን፡ ንስለ መሰል ፕረስን፡ ሰብኣዊ መሰላትን ኣመልኪቱ ዘካየዶ ሰፊሕ ምጕትን ምጥባቕን ሓያለ ሽልማትን ተዋሂብዎ እዩ። ገለ ካብኡ፡
- ጋዜጣ መፍትሕ ‘National Ethic and press Council Canada; “ሃገራዊ ቤትምኽሪ ስነምግባር መድያን ፕረስን ካናዳ” ብዝብል ትካል ንብሉጽ ዓንቀጽን ስእልን ዝወሃብ ሽልማት።
- ሽልማት ሀልማን ግራንት - ሂዩማን ራይትስ ዋች!
- ኣብቲ ዝተኸበረ Donner/CJFE ጋዜጠኛታት ኣብ ሓደጋ ዝብል ኣብ ኮሌጅ ማሰይንን ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶን ብኣባልነት ክርቛሕ እንከሎ፡ PEN Lecturer-in-Residence ዝብል ሽልማት ከኣ ተዋሂብዎ እዩ።
ጋዜጠኛ፡ ኣሕታሚ፡ መስራቲ፡ ዋና ኣሰናዳኢ፡ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላትን ዕውት ሽልማታትን ዝዀነ ኣሮን ብርሃነ ሓው፡ ውሉድ፡ በዓል ሓዳር፡ ኣቦ ሰለስተ ውሉዳትን ኣቦሓጐን እዩ። ንብዙሓት ዝመሃረ፡ ዘተባብዐ፡ ሞራል ዘስነቐ፡ ኣብ ጸበባ ንዘለው ብጾቱ ከይተሓለለ ዝተማጐተ፡ ህርኩት ኣባል ማሕበረኮም ኤርትራውያን ካናዳውያን ኸኣ ነበረ።
ነፍሰ-ሄር ኣሮን ብርሃነ፡ በዓልቲ ቤቱ ምልእተ ምስ ደቖም፡ ፍረወይኒ፡ ሙሴ፡ ኤቨን፡ ከምኡ ድማ ወዲ ጓሉ ኤልናታን ሓዲጉ ካብ'ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና ይርከብ። መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ! ሕሰም ኣይትርከቡ!
ቤተሰብ ኣሮን ብርሃነ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service