SKIP TO MAIN CONTENT

ናይ ፈረንሳ ፕረ ማክሮን ኣብ ትግራይ ግጭት ንኸብቅዕ ዝርርብ ክካየድ ጸዊዑ፡ ኣመሪካ ንትግራይ ዝቐርብ ረዲኤት ትውስኽ።

ፕረሲደንት ማክሮን፡ ኲናት ደው ኢሉ ዝርርብ ክጅመር ጸዊዑ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጥምየት ዘተሓሳስብ ምዃኑ ተገሊጹ።

News
Source: AAP

2 min read

Published


Skip to article content

ናይ ፈረንሳይ ፕሬዝዳንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ሰሜናዊ ዞባ ትግራይ ዘሎ ተጻብኦታት ደው ንምባል ዝርርብ ንኽኽፈት ፀዊዑ ኣሎ ክብል፡ ናይ ኢልዪሲ ቤተ መንግስቲ ቐዳም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዚ መግለጺ 'ዚ ፡ ፕረሲደንት ማክሮን ኣቐዲሙ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ምስ ሱዳናዊ ዓብደላ ሓምዶክን ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ እዩ ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻውንቲ ንህይወቶም ዘስግእ ጕድለት መግቢ ዝሳቐዩላ ዘለዉ ትግራይ ሰብኣዊ ረዲኤት ንምቕራብ ኩሉ ቀይድታት ክልዓሉ ይግባእ ክብል ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህጻናት ጸዊዑ ኣሎ።

ብዘይካ'ዚ  ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ጥምየት እናሓየለ ብምምፅኡ ልዕሊ 149 ሚልዮን ዶላር ዝኸውን ተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዝ ትህብ ኣላ: እዚ ድማ ካብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ዓለምለኸ ምዕባለ (USAID) ልዕሊ 105 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ዝሓወሰ እዩ ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እታ ዝዓበየት ለጋሲ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ትግራይ ኮይና እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣስታት 637 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሂባ ኣላ ።

USAID ዝገበሮ ምወላ: ንኣስታት ክልተ ወርሒ ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ንምምጋብ ዘኽእል ልዕሊ 172,000 ሜትሪክ ቶን ስርናይን ብጫ እተሰንጠቐ ብርስንን ዘይቲ ኣሕምልትን እዩ ። እዚ መግቢ ኣዝዩ ህይወት ንምድሓን ኣድላዩ እዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ንኽበጽሕ ክፈቅድ ኣለዎ ። ክብል እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ እዚ ዘጨንቕ ኩነታት እውን እንተ ኰነ ፡ ካብ ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት ፡ ኣስታት 5.2 ሚልዮን ፡ ወይ ዳርጋ 90 ሚእታዊት ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም ነይሩ እዩ ። USAID ኣብ ትግራይ ድሮ ጥሜት የጋጥም ከም ዘሎ ይኣምን ፡ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ድማ ኣብ ሓደጋ የእቱ ኣሎ ይብል። ሰብኣዊ ሓገዛት ብዙሕ ምምሕያሽ እንተ ዘይገይሩሉን እቶም ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ወገናት ፖለቲካዊ ፍታሕ እንተ ዘይገይሩን ፡ እቲ ድሮ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ኵነታት እናኸፍአ እዩ ክኸይድ ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now