ብሰኑይ ኣብ ምርኮ ዝጸንሑ ምስ ስድራቤቶምን ፈተውቶምን ክተሓቛቖፉ ተራእዮም። ነቲ ንኽልተ ዓመት ኣብ ቓዛ ዝጸንሕዎ ምርኮ ናይ ሓጎስ ንብዓት ኣፍሲሶም።
ሰማያውን ጻዕዳን ዝሕብሪ እስራኤል ባንዴራ ተጠምጢሞም፡ ወተሃደራውያን ሄሊኮፕተራት ነቶም ብጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ሒዘን ክምለሳ ከለዋን ኣብ እስራኤል ምስ በጽሓን ፡ ነቶም ብህይወት ዝተረፉ 20 ሰባት ይቕበሉ። እዚ ኣብ ትሕቲ ብኣመሪካ ዝድገፍ ተዂሲ ደው ምባል ስምምዕ ምስተገብረ እዩ ተፈጺሙ።

ማታን ዛንጋወር (የማን) ኣዲኡ አናቭ ዛንጋወር (ጸጋማይ) እናተቐበለቶ ። Source: AFP / Israeli Army
"ፍቱወየ ፡ ፍቕሪ ኣዴኻ ተባረኸለይ ፡ ይባርኸካ"

Eitan Mor (middle) aboard an Israeli military helicopter with his family. Source: AFP / Israeli Army

Bar Kuperstein waves from the window of a bus at Sheba Tel-HaShomer Medical Centre in Ramat Gan, Israel. Source: AFP / Ahmad Gharabli

Ziv (left) and Gali (right) Berman after being handed over in the prisoner-hostage swap. Source: AFP / Israeli Army
ስድራቤት ናይቶም ብጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ሓጎሶም ይገልጹ፡
ኣብቲ ብሰኑይ ኣብ ቴልኣቪቭ ዝርከብ ኣደባባይ ጅሆ: ዜና ምፍታሕ ሱራት ምስ ተሰምዐ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ብሓጐስ ፍንጭሕ በሉ ።
ጓል 34 ዓመት ሸሊ ባር ኒር ፡ "ኣዝዩ ዘሐጕስን ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነን ፡ ኣብ መወዳእታዝኸውን ዘሎ እዩ " በለት ።

Omri Miran (left) was received by a family member. Source: AFP / Israeli Army

Elkana Bohbot greeted upon his arrival at the Sheba Tel-HaShomer Medical Centre. Source: AFP / Ahmad Gharabli
መብዛሕትኦም ቅድሚ ሕጂ ተፈቲሖም እኳ እንተ ነበሩ ፡ ብ7 ጥቅምቲ ካብ እተታሕዙ 47 ሰባት ግና ኣብ ጋዛ እዮም ተታሒዞም ጸኒሖም ። ካብዚኣቶም 20 ጥራይ እዮም ብህይወት ጸኒሖም ።
'ናብ ገዛኹም እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም'
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ፡ ሰባት ኣብ ቴልኣቪቭ ዝርከብ ኣደባባይ ጅሆ ተባሒሉ ኣብ ዝፍለጥ ቦታ ፡ ብተደጋጋሚ ብምውጻእን ምትእኽኻብን ተስፋ ገይሮም ክጽበዩ እዮም ጸኒሖም ።
እቶም ዝተረፉ ሸውዓተ ሰባት ፡ ሰኑይ ከም እተፈትሑ ምስ ሰምዑ ፡ እቲ ኣደባባይ ብሓጐስን ብመዝሙርን ተአልአ ።
እስራኤል ጸኒሓ ን20 ዝኣኽሉ ሰባት ናብቲ ሃገር ከም እተመልሱ ኣረጋገጸት ፣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ""Welcome home". ዝብል ተኸታታሊ ፖስት ተገብረ ።

Avinatan Or greets well-wishers upon arriving at Beilinson Hospital in the Rabin Medical Centre in Petah Tikva, Israel. Source: AFP / Menahem Kahana