ብጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ'ሞ ዝተፈትሑ እስራኤላውያን ምስ ፈተውቲ ምትሕቑቛፍን ምድንፋቕን ብስእሊ፡

ብሰኑይ ኣብ ቴልኣቪቭ ዝርከብ ኣደባባይ ጅሆ ፡ ነቶም ኣብ ምርኮ ዝጸንሑ ንምቕባል ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ብሓጐስ ፍንጭሕ ክብሉተራእዮም።

Hostages Israel Gaza.jpg

ኣሎን ኦሄል (ጸጋማይ)፡ ኢቫታር ዳዊትን (ማእከላይ) ማታን ዛንጋወርን ገለ ካብቶም ናብ እስራኤል ብህይወት እተመልሱ 20 ኣብ ምርኮ ዝጸንሑ ። Source: AFP / Supplied

ብሰኑይ ኣብ ምርኮ ዝጸንሑ ምስ ስድራቤቶምን ፈተውቶምን ክተሓቛቖፉ ተራእዮም። ነቲ ንኽልተ ዓመት ኣብ ቓዛ ዝጸንሕዎ ምርኮ ናይ ሓጎስ ንብዓት ኣፍሲሶም።

ሰማያውን ጻዕዳን ዝሕብሪ እስራኤል ባንዴራ ተጠምጢሞም፡ ወተሃደራውያን ሄሊኮፕተራት ነቶም ብጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ሒዘን ክምለሳ ከለዋን ኣብ እስራኤል ምስ በጽሓን ፡ ነቶም ብህይወት ዝተረፉ 20 ሰባት ይቕበሉ። እዚ ኣብ ትሕቲ ብኣመሪካ ዝድገፍ ተዂሲ ደው ምባል ስምምዕ ምስተገብረ እዩ ተፈጺሙ።

ISRAEL-PALESTINIAN-CONFLICT-GAZA-HOSTAGES
ማታን ዛንጋወር (የማን) ኣዲኡ አናቭ ዛንጋወር (ጸጋማይ) እናተቐበለቶ ። Source: AFP / Israeli Army

አናቭ ዛንጋወርክ ነቲ ብፍሽኽታ ዝመልአ ወዳ ማታን ኣብ ሓንቲ ቪድዮ እናሓቘፈቶ ፡ "ህይወተይ ፡ ንስኻ ኢኻ ሂወተይ ፡ ንስኻ ጅግና ኢኻ" ብምባል በኸየት ።

"ፍቱወየ ፡ ፍቕሪ ኣዴኻ ተባረኸለይ ፡ ይባርኸካ"

ISRAEL-PALESTINIAN-CONFLICT-GAZA-HOSTAGES
Eitan Mor (middle) aboard an Israeli military helicopter with his family. Source: AFP / Israeli Army

ኣቦኡ ን ዔታን ሞር ፡እፎይታ ተሰሚዕዎ ንሱን ኣደ እቲ ጐበዝን ኣጥቢቖምእናሓቖፍዎ ፡ ።

ISRAEL-PALESTINIAN-CONFLICT-GAZA-HOSTAGES
Bar Kuperstein waves from the window of a bus at Sheba Tel-HaShomer Medical Centre in Ramat Gan, Israel. Source: AFP / Ahmad Gharabli

ከም ባር ኩፐርሽታይን ዮሰፍ ሃይማም ኦሃና ዝኣመሰሉ መንእሰያት ድማ ካብ መሳዅቲ ናይ "ቲ ኣብ ጥቓ ቴልኣቪቭ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ሸባ ኣብተን ዘጓዓዕዛኦም ዝነበራ መኻይን ኮይኖም ኢዶም እናወዛወዙ ፡ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሓያሎ ሰባት ድማ ባንዴራታት እስራኤል ሓፍ ኣቢሎም እናንበልበሉ ።

ISRAEL-PALESTINIAN-CONFLICT-GAZA-HOSTAGES
Ziv (left) and Gali (right) Berman after being handed over in the prisoner-hostage swap. Source: AFP / Israeli Army

ናጻ ዝወጹ እስራኤላውያን-ጀርመናውያን ማናቱ ጋሊን ዚቭ በርማን ፍሽኽታ ኣሰንዮም ነታ ዓባይ ዓባይቶኦም ዊጥ እናበሉ፡ ብጫን ሰማያውን ማልያ ናይታ ትፈትዋ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ማካቢ ቴልኣቪቭ ተኸዲኖም ይረኣዩ ።

ስድራቤት ናይቶም ብጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ሓጎሶም ይገልጹ፡

ኣብቲ ብሰኑይ ኣብ ቴልኣቪቭ ዝርከብ ኣደባባይ ጅሆ: ዜና ምፍታሕ ሱራት ምስ ተሰምዐ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ብሓጐስ ፍንጭሕ በሉ ።

ጓል 34 ዓመት ሸሊ ባር ኒር ፡ "ኣዝዩ ዘሐጕስን ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነን ፡ ኣብ መወዳእታዝኸውን ዘሎ እዩ " በለት ።

ISRAEL-PALESTINIAN-CONFLICT-GAZA-HOSTAGES
Omri Miran (left) was received by a family member. Source: AFP / Israeli Army

ISRAEL-PALESTINIAN-CONFLICT-GAZA-HOSTAGES
Elkana Bohbot greeted upon his arrival at the Sheba Tel-HaShomer Medical Centre. Source: AFP / Ahmad Gharabli

ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 እተፈነወ መጥቃዕቲ ፡ ሓማስን ሰራዊቱን 251 ጅሆ ሒዞም ናብ ጋዛ ኣተዉ ።

መብዛሕትኦም ቅድሚ ሕጂ ተፈቲሖም እኳ እንተ ነበሩ ፡ ብ7 ጥቅምቲ ካብ እተታሕዙ 47 ሰባት ግና ኣብ ጋዛ እዮም ተታሒዞም ጸኒሖም ። ካብዚኣቶም 20 ጥራይ እዮም ብህይወት ጸኒሖም ።

'ናብ ገዛኹም እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም'

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ፡ ሰባት ኣብ ቴልኣቪቭ ዝርከብ ኣደባባይ ጅሆ ተባሒሉ ኣብ ዝፍለጥ ቦታ ፡ ብተደጋጋሚ ብምውጻእን ምትእኽኻብን ተስፋ ገይሮም ክጽበዩ እዮም ጸኒሖም ።

እቶም ዝተረፉ ሸውዓተ ሰባት ፡ ሰኑይ ከም እተፈትሑ ምስ ሰምዑ ፡ እቲ ኣደባባይ ብሓጐስን ብመዝሙርን ተአልአ ።

እስራኤል ጸኒሓ ን20 ዝኣኽሉ ሰባት ናብቲ ሃገር ከም እተመልሱ ኣረጋገጸት ፣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ""Welcome home". ዝብል ተኸታታሊ ፖስት ተገብረ ።

ISRAEL-PALESTINIAN-CONFLICT-GAZA-HOSTAGES
Avinatan Or greets well-wishers upon arriving at Beilinson Hospital in the Rabin Medical Centre in Petah Tikva, Israel. Source: AFP / Menahem Kahana

እስራኤል ነቶም ብጅሆ ዝተታሕዝዋ ከም መለዋወጢ ንኣስታት 2,000 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ዝነበሩ እሱራትን ናጻ ኣውጸኣቶም ፣ መብዛሕትኦም ካብ መጀመርታ እቲ ግጭት ካብዝጅመረሉ ኣትሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ እተታሕዙ ጋዛውያን እዮም ነይሮም


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.


Share

2 min read

Published

Source: AFP




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now