ፈረንሳ 10,328 ሰባት ብሕማም COVID-19 ከምዝሞትዋ ኣረጋጊጻ ኣላ። እዞም ሰባት ዛጊት ብኮረና ቫይረስ ዝስዕብ ናይ ምትንፋስ ሕማም ዝሞቱ ምዃኖም ጀነራል ዳይረክተር ጥዕና ጀሮመ ሳሎሞን ኣፍሊጡ።
ኣብ ፈረንሳ 7091 ኣብ ሆስፒታላት ዝሞቱ ክኾኑኸለዉ 3237 ድማ ኣብ መዕቆቢ ኣረጋዊያን ዝሞቱ ምዃኖም እቲ ብሰሉስ ዝተዋህበ መግለጺ የመልክት።
እቲ ቁጽሪ ምዉታት እቲ ኣብ መዕቆቢ ኣረጋዊያን ዘሎ ኣሃዝ ምስተኣከበ ብዝሑ ከምዝዓበየ ተፈሊጡ ኣሎ።
እንተኾነ እቲ ኣብ ዉሽጢ 24 ሰዓታት ዝሞቱ ቁጽሪ ምዉታት ማለት 597ምስቲ ናይ ሰኑይ ዝነበረ መጠን ምውሳኽ ተመሳሳሊ እዩ።
ፈረንሳ ገና እቲ ጫፍ ብዝሒ ናይ ምውታት ኣይበጽሓቶን ዘላ፡ እንተኾነ እናጎደለ ከምዝኸይድ ኣብ መላእ ፈረንሳ ኣብ ዉሽጢ 24 ሰዓታት 59 ናይ ጽዑቕ ክንክን ምጥላቡ ምልክታት ምጉዳል እዩ ክብል ሚስተር ሳሎሞን ገሊጹ።
ኣብዝቐረባ እዋን ዝወጸ ኣሃዝ ከምዘመልክቶ ብድምር 7131 ሕሙማት ኣብ ጽዑቕ ክንክን ሕክምና (intensive care) ምርካቦም ልዕሊቲ ፈረንሳ ዘለዋ 5000 ናይ ጽዑቕ ክንክን ሕክምና ዓራውቲ ( intensive care beds) ምዃኑ ፈረንሳ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ጫፍ ናይቲ ጸገም ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ከምዝኸውን ተፈሊጡ ኣሎ።
ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ብ 17 መጋቢት ተኣዊጁ ዘሎ ጽኑዕ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ምዝራብ ግዚኡ ገና ምዃኑ ሚስተር ሳሎሞን ኣፍሊጡ። ከምቲ ተመዲብዎ ዝነበረ ኣብ 15 ሚያዚያ ከብቅዕ እዩ መደብ ተታሒዝሉ ኔሩ።
፡
እቲ ሕጊ ብፍላይ ኣብ ፓሪስ ዝያዳ ከምዝተርር ኮይኑ ኣሎ። ነበርቲ እታ ከተማ ካብ ረቡዕ ጀሚሮም ኣብ እዋን ቀትሪ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከይገብሩ ሰብ መዚ እታ ከተማ ኣዚዞም ኣለዉ።

Gendarmery patrol as joggers run past the Eiffel Tower and the Champs de Mars, in Paris, 7 April 2020. Source: AAP
ካብ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ክሳብ ሰዓት 7 ናይ ሚሸት ኣብ ደገ ዝግበር ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ከምተኸልከለ ከንቲባ ኣን ሂድልጎ ገሊጻ።
ኣብ እዋን ምዕጻው እቲ እንኮ ምኽንያት ካብ ገዛ ምውጻእ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።
ካል ኦት ቅቡላት ምኽንያታት ናብ ደገ ምውጻእ፡ ስራሕ፡ ክንክን ቆልዑ፡ ቆጸራ ጥዕናን ንምዕዳግ ኣድለይቲ ነገራትን እዮም።
መንግስቲ ብተወሳኺ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ካብ ሓደ ሰዓት ዘይሓልፍ ዘሓንሳብ ንመዓልቲ ካብ ገዛኻ 1 ኪሎመተር ከይረሓቕካ ክኸውን እዩ ተወሲኑ።
ብመሰረት መምርሒ ሚኒስተር ስፖርት ናይ እግሪ ስፖርት እምበር ምሕምባስን ብሽግለታ ምዝዋርን ኣይፍቀድን እዩ።
"
Share



