ኣብ ፈረንሳ ብ ኮሮና ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 10,000 ሓሊፉ፡

ኣብ ዋና ከተማ ፈረንሳ ካብ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ክሳብ ሰዓት 7 ናይ ምሸት ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ደው ከምዝብልን ካል ኦት ጽኑዓት ስጉምቲታት ከምዝውሰዱን ናይ ፓሪስ ከንቲባ ኣን ሂዳልጎ ገሊጻ ኣላ።

French President Emmanuel Macron, wearing a protective face mask, talks with health workers, 7 April, 2020.

French President Emmanuel Macron, wearing a protective face mask, talks with health workers, 7 April, 2020. Source: AAP

ፈረንሳ 10,328 ሰባት ብሕማም COVID-19 ከምዝሞትዋ ኣረጋጊጻ ኣላ። እዞም ሰባት ዛጊት ብኮረና ቫይረስ ዝስዕብ ናይ ምትንፋስ ሕማም ዝሞቱ ምዃኖም ጀነራል ዳይረክተር ጥዕና ጀሮመ ሳሎሞን ኣፍሊጡ።

ኣብ ፈረንሳ  7091 ኣብ ሆስፒታላት ዝሞቱ ክኾኑኸለዉ 3237 ድማ ኣብ መዕቆቢ ኣረጋዊያን ዝሞቱ ምዃኖም እቲ ብሰሉስ ዝተዋህበ መግለጺ የመልክት።

እቲ ቁጽሪ ምዉታት እቲ ኣብ መዕቆቢ ኣረጋዊያን ዘሎ ኣሃዝ ምስተኣከበ ብዝሑ ከምዝዓበየ ተፈሊጡ ኣሎ።

እንተኾነ እቲ ኣብ ዉሽጢ 24 ሰዓታት ዝሞቱ ቁጽሪ ምዉታት ማለት 597ምስቲ ናይ ሰኑይ ዝነበረ መጠን ምውሳኽ ተመሳሳሊ እዩ።
ፈረንሳ ገና እቲ ጫፍ ብዝሒ ናይ ምውታት ኣይበጽሓቶን ዘላ፡ እንተኾነ እናጎደለ ከምዝኸይድ  ኣብ መላእ ፈረንሳ ኣብ ዉሽጢ 24 ሰዓታት 59 ናይ ጽዑቕ ክንክን ምጥላቡ ምልክታት ምጉዳል እዩ ክብል ሚስተር ሳሎሞን ገሊጹ።

ኣብዝቐረባ እዋን ዝወጸ ኣሃዝ ከምዘመልክቶ ብድምር 7131 ሕሙማት ኣብ ጽዑቕ ክንክን ሕክምና (intensive care) ምርካቦም ልዕሊቲ ፈረንሳ ዘለዋ  5000 ናይ ጽዑቕ ክንክን ሕክምና ዓራውቲ ( intensive care beds) ምዃኑ ፈረንሳ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ጫፍ ናይቲ ጸገም ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ከምዝኸውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ብ 17 መጋቢት ተኣዊጁ ዘሎ ጽኑዕ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ምዝራብ ግዚኡ ገና ምዃኑ ሚስተር ሳሎሞን ኣፍሊጡ። ከምቲ ተመዲብዎ ዝነበረ ኣብ 15 ሚያዚያ ከብቅዕ እዩ መደብ ተታሒዝሉ ኔሩ።

Gendarmery patrol as joggers run past the Eiffel Tower and the Champs de Mars, in Paris, 7 April 2020.
Gendarmery patrol as joggers run past the Eiffel Tower and the Champs de Mars, in Paris, 7 April 2020. Source: AAP
እቲ ሕጊ ብፍላይ ኣብ ፓሪስ ዝያዳ ከምዝተርር ኮይኑ ኣሎ። ነበርቲ እታ ከተማ ካብ ረቡዕ ጀሚሮም ኣብ እዋን ቀትሪ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከይገብሩ ሰብ መዚ እታ ከተማ ኣዚዞም ኣለዉ።

ካብ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ክሳብ ሰዓት 7 ናይ ሚሸት ኣብ ደገ ዝግበር ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ከምተኸልከለ ከንቲባ ኣን ሂድልጎ ገሊጻ። 

ኣብ እዋን ምዕጻው እቲ እንኮ ምኽንያት ካብ ገዛ ምውጻእ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።
ካል ኦት ቅቡላት ምኽንያታት ናብ ደገ ምውጻእ፡ ስራሕ፡ ክንክን ቆልዑ፡ ቆጸራ ጥዕናን ንምዕዳግ ኣድለይቲ ነገራትን እዮም።

መንግስቲ ብተወሳኺ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ካብ ሓደ ሰዓት ዘይሓልፍ  ዘሓንሳብ ንመዓልቲ ካብ ገዛኻ 1 ኪሎመተር ከይረሓቕካ ክኸውን እዩ ተወሲኑ።

ብመሰረት መምርሒ ሚኒስተር ስፖርት ናይ እግሪ ስፖርት እምበር ምሕምባስን ብሽግለታ ምዝዋርን ኣይፍቀድን እዩ።

"


Share

2 min read

Published




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service