ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን ንሕሉፍ የማናዊ ፖለቲካ ትመርሕ ማሪን ለ ፐን ስዒሩ ንኻልኣይ ግዜ ፕረሲደንት ኮይኑ ተመሪጹ።

ሚስ ለ ፐን ኣብ ሓደ መድረኽ እቲ ጎስጓስ፡ ንሚስተር ማክሮን ብሒደት ነጥቢ ጥራይ እያ መሪሓቶ ፣ ኰይኑ ግና ፡ ቀልጢፉ ከም እተሳዕረት እኳ እንተ ተኣመነት ፡ ነቲ ኣብ ሰነ ዝግበር ባይቶኣዊ ምርጫ ንምስዓር ነቲ ቃልሲ ከም ዝቕጽል ቃል ኣትያ ኣላ ።

News

Source: AAP

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን ፡ ነታ ኣብ የማናይ ሸነኽ ፖለቲካ ትመርሕ መቐናቕንቱ ማሪን ብሰንበት ስዒሩዋ ።

ኣብ እግሪ ግምቢ ኢፈል ፡ ኣብ ቻምፕ ዲ ማርስ ኣብ ዝርከብ መናፈሻ ቻምፕ ዲ ማርስ ፡ ደገፍቲ ማክሮን ባንዴራ ፈረንሳን ኤውሮን እናወዛወዙ ኣብዝተገልጸ ውጽኢት ምርጫ፡ ናይ ሓጐስ ሃዋሁው ይንጸባረቕ ነበረ ። ሰባት ተሓቛቚፎም ይስዕስዑን ይጭድሩን ነበሩ "ማክሮን" ማክሮን" እናበሉ ሓጎስፕም ክገልጹ ኣምስዮም።

መራሕቲ ኤውሮጳ እውን ነቲ ምስ ኤውሮጳዊ ኅብረት ዝድግፍ መትከል ዘለዎ ማክሮን ብምዕዋቱ ዝገልጽ ዜና ተቐቢሎምዎ ።

ፖለተርስ ን ሚስተር ማክሮን 58.5 ሚእታዊት ድምጺ ከም ዝረክብ ገሊጾም ኣለዉ ።

ኣልሳንድሮ ፓሌኒ ዝስሙ ወዲ 42 ዓመት መንእሰይ ፡ ኣብቲ ማክሮን ዘዳለዎ ጽንብል ንሮይተርስ ፡ "ኣዝየ እፎይታ ረኺበ እየ ፣ ኣዝዩ ዝተቐራረበ ንሕንሕ ዝነበሮን እቲ ሕሉፍ ህዝብነት ዘለዎ ሰልፊ ክዕወት ቀሪቡ ኔሩዩ" በለ ።

ሚስ ለ ፐን ኣብ ሓደ መድረኽ እቲ ጎስጓስ ፡ ንፕረ/ ማክሮን ብሒደት መሪሓቶ ኔራ እያ ፣ ኰይኑ ግና ፡ ቀልጢፉ ከም እተሳዕረ እኳ እንተ ተኣመነት ፡ ኣብ ሰነ ፡ኣብ ዝግበር ባይቶኣዊ ምርጫ ነቲ ቃልሲ ከም ዝቕጽል ቃል ኣትያ ኣላ ።

ነቶ ደገፍታ "ማሪን ማሪን " ኢሎም ዝጭድሩ ዝነበሩ ደገፍታ ፡ "ንፈረንሳውያን ከቶ ኣይሓድጎምን እየ" ኢላቶም።


Share

Published

Updated


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service