SKIP TO MAIN CONTENT

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን ንሕሉፍ የማናዊ ፖለቲካ ትመርሕ ማሪን ለ ፐን ስዒሩ ንኻልኣይ ግዜ ፕረሲደንት ኮይኑ ተመሪጹ።

ሚስ ለ ፐን ኣብ ሓደ መድረኽ እቲ ጎስጓስ፡ ንሚስተር ማክሮን ብሒደት ነጥቢ ጥራይ እያ መሪሓቶ ፣ ኰይኑ ግና ፡ ቀልጢፉ ከም እተሳዕረት እኳ እንተ ተኣመነት ፡ ነቲ ኣብ ሰነ ዝግበር ባይቶኣዊ ምርጫ ንምስዓር ነቲ ቃልሲ ከም ዝቕጽል ቃል ኣትያ ኣላ ።

News
Source: AAP

1 min read

Published

Updated


Skip to article content

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን ፡ ነታ ኣብ የማናይ ሸነኽ ፖለቲካ ትመርሕ መቐናቕንቱ ማሪን ብሰንበት ስዒሩዋ ።

ኣብ እግሪ ግምቢ ኢፈል ፡ ኣብ ቻምፕ ዲ ማርስ ኣብ ዝርከብ መናፈሻ ቻምፕ ዲ ማርስ ፡ ደገፍቲ ማክሮን ባንዴራ ፈረንሳን ኤውሮን እናወዛወዙ ኣብዝተገልጸ ውጽኢት ምርጫ፡ ናይ ሓጐስ ሃዋሁው ይንጸባረቕ ነበረ ። ሰባት ተሓቛቚፎም ይስዕስዑን ይጭድሩን ነበሩ "ማክሮን" ማክሮን" እናበሉ ሓጎስፕም ክገልጹ ኣምስዮም።

መራሕቲ ኤውሮጳ እውን ነቲ ምስ ኤውሮጳዊ ኅብረት ዝድግፍ መትከል ዘለዎ ማክሮን ብምዕዋቱ ዝገልጽ ዜና ተቐቢሎምዎ ።

ፖለተርስ ን ሚስተር ማክሮን 58.5 ሚእታዊት ድምጺ ከም ዝረክብ ገሊጾም ኣለዉ ።

ኣልሳንድሮ ፓሌኒ ዝስሙ ወዲ 42 ዓመት መንእሰይ ፡ ኣብቲ ማክሮን ዘዳለዎ ጽንብል ንሮይተርስ ፡ "ኣዝየ እፎይታ ረኺበ እየ ፣ ኣዝዩ ዝተቐራረበ ንሕንሕ ዝነበሮን እቲ ሕሉፍ ህዝብነት ዘለዎ ሰልፊ ክዕወት ቀሪቡ ኔሩዩ" በለ ።

ሚስ ለ ፐን ኣብ ሓደ መድረኽ እቲ ጎስጓስ ፡ ንፕረ/ ማክሮን ብሒደት መሪሓቶ ኔራ እያ ፣ ኰይኑ ግና ፡ ቀልጢፉ ከም እተሳዕረ እኳ እንተ ተኣመነት ፡ ኣብ ሰነ ፡ኣብ ዝግበር ባይቶኣዊ ምርጫ ነቲ ቃልሲ ከም ዝቕጽል ቃል ኣትያ ኣላ ።

ነቶ ደገፍታ "ማሪን ማሪን " ኢሎም ዝጭድሩ ዝነበሩ ደገፍታ ፡ "ንፈረንሳውያን ከቶ ኣይሓድጎምን እየ" ኢላቶም።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now