ዓርቢ ፡ ፈረንሳ 45,000 ዝዀኑ ኣባላት ጸጥታ ብፈኲስ ድሩዓት መኻይን እናተሓገዙ ፡ ንራብዓይ ለይቲ ዝቐጸለ ሓያል ተቓውሞታት ንምህዳእ ምስ ተሳተፍቲ ናዕቢ ይገጥሙ ኣለዉ ።
ኣሃዱታት ፖሊስን ካልኦት ሓይልታት ጸጥታን ፡ ነቲ ብሰሉስ ኣብ ፓሪስ ዘጋጠመ ቅትለት ንምህዳእን ኣብ መላእ እታ ከተማ ተዋፊሮም ኣለዉ ።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን ፡ ካብ ዋዕላ ኤውሮፓዊ ሕብረት ተመሊሱ ፡ ነቲ ኣብ ገሊኡ ቦታታት ፡ "ሞት በጽሒ ምኽንያት ገይርካ ዝግበር ዕግርግር ቅቡል ኣይኰነን" ብምባል ነቲ ናዕቢ ዀኒንዎ ።

ንሱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝርአ ናይ ዓመጽ ጎስጓስ፡ ከምኡ ነቲ ባይታ ከም መተኣኻኸብን መወዳደብን ይጥቀምሉ ስለ ዘለዉ ፡ ትካላት መንግስቲ ኣብ ከም ስናፕቻትን ቲኪቶክን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ኣዝዩ" ተኣፋፊ ትሕዝቶ "ንምውጋድ ከም ዝሓትት ገሊጹ ።
"ሓድሓደ ግዜ ፡ ገሊኦም (መንእሰያት) ኣብ ጐደናታት እቲ ሰማሚ ጸወታታት ቪድዮ እዮም ዝነብሩ ዘለዉ ዝብል ስምዒት ኣሎና ።"
ብዘይካዚ ፡ ንወለዲ ፡ ነቶም ሓደ ሲሶ ዝዀኑ "ኣዝዮም ንኣሽቱ " ትሕቲ ዕድመ ንዝዀኑ መንእሰያት ኣብዚ ኩነታት ከይሳተፉ፡ ሓላፍነት ክስከሙ ተማሕጺንዎም ።
ንምንታይ እዩ ኣብ ፈረንሳ ናዕቢ ዝግበር ዘሎ
ናሔል ዝበሃል ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ብፖሊስ ድሕሪ ምቕታሉ፡ነቲ ፈረንሳ ንዝጸንሐ ፖሊስን ዓሌታዊ ኣተሓሕዛን ነቶም ትሑት ኣታዊ ዘለዎምን ኣድልዎ ምግባርን ዝጸንሐ ዘይዕግበት እዩ ነቲ ዘይምርግጋእ ኣስዒቡ።
ኣብቲ ብቪድዮ እተዘርግሐ ስእሊ ናሄል ኣብ ናይ ትራፊክ ደው መበሊ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፡ካብ ፖሊስ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ድሕሪ ምማቱ ፡ ፈረንሳ ንተኸታታሊ መዓልታት ብናዕቢ ተቓውሞታት ተንዓብ ኣላ ።

እታ ብAFP እተረጋገጸት ቪድዮ ፡ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ጐድኒ እታ ደው ኢላ ዝነበረት ማኪና ደው ኢሎም ከም ዝነበሩን ፡ ሓደ ካባታቶም ከኣ ጠበንጃኡ ናብቲ መራሕ ማኪና ከምዘቐንዐ የመላኽት ።
"ኣብ ርእሲኻ ጥይት ክኣትወካ እዩ" ዝብል ድምጺ ድማ ይስማዕ ።
ሽዑ እታ መኪና ሃንደበት ክትውንጨፍ ክትብል እቲ ኣባል ፖሊስ ብጥይት ተኲሱላ ። እቲ ኣባል ፖሊስ ፡ ብፍታው ቅትለት ከም ዝፈጸመ ተኸሲሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ እዩ ።
ሞኒያ ኣደ ናሄል ኣብቲ ካብቲ እቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝገበረቶ ናይ መጀመርታ ቃለ-መጠይቕ ፡ ንፈረንሳ 5 ተለቪዥን ፡ "ንፖሊስ ኣይወቕሰን እየ ፣ ንሓደ ሰብ እየ ተሓታቲ ዝገብር ንሱ ድማ ነቲ ህይወት ወደይ ዝወሰደ ሰብ እየ ተሓታቲ ክኸውን ዝደልይ" ኢላ ።

እቲ ብሓሙስ እናፈለጠ ሰብ ብምቕታል ተኸሲሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ዝርከብ ወዲ 38 ዓመት ፖሊስ ፡ "ገጽ ዓረብ ፡ ንእሽቶ መንእሰይ ርእዩ ፡ ህይወቱ እውን ክወስድ ደለየ" በለት ።
ብመሰረት ኣብ ከተማከተማ ፓሪስ ከንቲባ ክፍለ ከተማ ናንተርሬ- እብቲ ንሱ ዝቕመጠሉን ዝተቐትለሉን ስነስርዓት ቀብሩ ክፍጸም እዩ ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ጀራርድ ዳርማኒን ንቴሌቪዥን TF1 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ: ካብቶም ብዓርቢ ተዋፊሮም ዘለዉ 45,000 ሓይልታት ጸጥታ፡ ካብ ፖሊስ ን ካብ ኮማንዶ ሓይሊ ምዃኖም ገሊጹ ።


