SKIP TO MAIN CONTENT

ካብ 'ናይ ውግእ ውላድ "ናብ ሓላፊ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ፦ ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ፡ ንኻልኣይ ሓሙሽተ ዓመት ተመሪጹ።

ዳይረክተር ዉድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ንኻልኣይ ግዜ ናይ መሪሕነት ቦታ ዳግማይ ተመሪጹ።

WHO elects Tiedros Adhanom Gebreyesus for the second time.
Dr Tedros Adhanom Ghebreyesus, Director-General of the World Health Organization (WHO) is congratulated by delegates after his reelection, during the 75th World Source: SALVATORE DI NOLFI/EPA

4 min read

Published


Skip to article content

እቲ ንውድብ ጥዕና ዓለም ዝመርሕ ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊ ዝዀነ ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ፡ ሰሉስ ዳግማይ ተመርጹ ፣ ነቲ ትሑት ኣተዓባብያኡ ብምዝካር ፡ ን ካልኣይ ሳዕ  ነቲ ዉድብ ክመርሖ ተቐቢልዎ ፣ "ኣብ ኲናት ዝተወለድኩን ዝዓበኹን" ብምባል  ሰላም ክሰፍን ተማሕጺኑ ።

ኣብ  ናይ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና  ዓመታዊ ኣኼባ ንኽትምረጽ ዘድሊ ልዕሊ ክልተ ሲሶ ዝኸውን ብሕቡእ ዝተዋህበ ድምጺ ምስተገልጸ ብጣቒዒት ተሰንዩ ነቲ ምርጫ ተቐቢልዎ።

ትካል ጥዕና ው.ሕ.ሃ.  ፡ ካብቲ 160 ድምጺ 155 ድምጺ ከም ዝረኸበ ምንጭታት ኣብቲ  ክፍሊ ዝነበሩ ሓቢሮም ።

ዶ/ር ቴድሮስ ነቲ ኣኼባ "በቲ ዝረኸብክዎ ሰፊሕ ተቐባልነት ኣድናቖተይ ክገልጽ ብሓቂ ቃላት ይውሕደኒ" በለ ።

"ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ብምዃነይ ብሓቂ እሕበን እየ" ድማ በለ ።

እቲ ናይ ቀደም ሚኒስተር ጥዕናን ናይ ወጻኢ ጕዳያትን ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ነቲ ለበዳ ኮቪድ-19 እቲ ዉድብ ንዓለምለኻዊ ግብረመልሲ ኽህቦ ከሎ ኣብ መላእ ዓለም ፍሉጥ ኰይኑ ኣሎ ።

እቲ ወዲ 57 ዓመት ክኢላ ዓሶ ፡ ነቲ ከም ኣብ ዩክረይን ዝግበር ዘሎ ውግእ  ኣብ ጥዕና ዓለም ዘጋጥም ዘሎ ከቢድ ጕድኣት ጥዕና ፡ መጠንቀቕታ ካብ ምሃብ ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን እዩ ።

News
Source: Twitter

'ናይ ሰላም ተስፋ ክመጽእ እዩ'

ዶክተር ቴድሮስ ንዳግማይ ምርጫኡ ምስ ተቐበለ ፡  ምስ ዉልቃዊ ተሞኩሮኡ ኣተሓሒዙ ሰላም ክሰፍን ጸዊዑ ።

  ድምጹ እናንቀጥቀጠ ከኣ ፡ "ኣነ ካብ ድኻ ስድራ ቤት... ወዲ ውግእ" ምዃኑ ሓበረ ።

 ገና ንእሽቶ ከሎ ዘጋጥም ዝነበረ ግጭት  ይዝክር: መድሃኒት ብዘይምርካቡ ምንኣሱ ሓዉ ብሕማም ምማቱ'ውን ብሓዘን ገሊጹ ።

 "ኣነ ጥራይ  ብህይወት ምትራፈይ ዕድል ብዕድል'ዩ ። ቅድሚ 50 ዓመት ክመውት ዝነበረኒ እየ።" ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ዩክረይን ኣብ ዝኸደሉ እዋን ፡ እቲ ሽዑ ዝነበረ ሓያል ስምዒታት  ከም ዘዘከሮ ገሊጹ።

 "ንዝዀነ ይኹን ሰብ ከምኡ ክኸውን ስለ ዘይደሊ ፡ ሰላም ክመጽእ ተስፋ እገብር" ድማ በለ ።

 ዶ/ር ቴድሮስ: ኣብቲ ኣብ ዓዱ ኣብ ትግራይ ካብ መወዳእታ 2020 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብቐጻሊ ድምጹ ከስምዕ ጸኒሑ እዩ: እዛ እተኸፋፈለት ዓለም ነቲ ኣብ ቅድሚኣ ዘሎ ናይ ጥዕና ፀገማት ከምኡውን ነቲ ለበዳ ኩነታት በዚ ኩነታት ብግቡእ ክትፈትሖ ኣይትኽእልን እያ ።" ኢሉ

 ሰላም "ንጥዕና ናይዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት እዩ" በለ ።

 እዚ መልእኽቲ እዚ ፡ ካብ መፋርቕ ነሓሰ ኣትሒዙ ንኻልኣይ ሓሙሽተ ዓመት ንኽምረጽ ኣብ ዝዳለወሉ እዋን ፡ ክደፍኦ ዝጸንሐ ጉዳይ እዩ ።

News
Dr Tedros Ghebreyesus when he was elected in 2017 Source: AAP Source: AAP

ዶክተር ቴድሮስ ነቐፌታ ይመጾ እንተ እንተኾነ ፡ ሰፊሕ ደገፍ ግና ረኺቡ እዩ ።

 ብፍላይ ሃገራት ኣፍሪቃ ፡ ድኻታት ሃገራት ክታበት ኮቪድ-19 ብግቡእ ንኽረኽባ ፡ ነተን ሃገራት ብዝገብረለን ቈላሕታን ብዝገብረለን ዘይሕለል ጐስጓስን ብዶ/ር ቴድሮስ ሕጉሳት እየን ።

 ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ጆ ባይደን ናብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ካብ ዝኣቱ ንነጀው ፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣብ ዋሽንግተን እውን ሰፊሕ ደገፍ ረኺቡ እዩ ።

  እቲ ለበዳ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ ፡ እቲ ቅድሚ ፕረዚደንት ባይደን ዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ንሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ስሒቡ  ፡ እቲ ለበዳ ኣብ በይጂንግ ከም ዝጀመረ ብምሕባእን ነቲ መበገሲ  ዝዀነ ብምኽሳስ ፡ ነቲ ኣብ ፈለማ እተላብዐ ኮቪድ-19 ኣብ ምሽፋን እጃሙ ኣበርኪቱ እዩ  ብምባል ይኸሶ ኔሩ።

እቲ ዘገርም ፡ እቲ ቀንዲ ምንጪ ተቓውሞ ካብ ገዛእ ሃገር ዶክተር ቴድሮስ ካብ ኢትዮጵያ እዩ ዝመጽእ ።

 መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዶ/ር ቴድሮስ  በቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕማቕ ሰብኣዊ ኵነታት ርእይቶኡ ስለዝህብ ተቖጢዑ ፡ ፕሮፓጋንዳ ንኼስፋሕፍሕ 'ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ስልጣን ይጥቀመሉ "ገይሩ ኸሰሶ ።

'ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ'

ብሰሉስ ፡ ቦትስዋና  ንዶክተር ቴድሮስ ኣብ ክንዲ ሃገራት ኣፍሪቃ እንቋዕ ሓጎሰካ ክትብሎ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ፡ ወከልቲ ናይተን ብሓባር ሰራዊተን ኣብ ትግራይ ኣውፊረን ዝዋግኣ ዘለዋ ኤርትራን ኢትዮጵያን ፡ ብዓውታ ናይ ተቓዉሞ ድምጾም ኣስሚዖም ።

 ይኹን እምበር ፡ ንበይኖም እዮም ከምዚ ክብሉ ተራእዮም ፣ ኵለን ዞባታትን  ሓያላት ሃገራትን ፡ እንተላይ ምስ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ሩስያን ዳግም ብምምራጹ ሓጎሶም ገሊጾም።

 ለበዳ ኮቪድ-19 ገና እናበርትዐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ፡ ኣብ መጻኢ ዘጋጥም ተመሳሳሊ ሓደጋታት  ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ስርዓተ ጥዕና ዓብዪ ብድሆ ይጽበዮ ኣሎ።

 ተሓጋጋዚት ጸሓፊት ጥዕና ኣመሪካ ሎይስ ፐስ ፡ ሓጎሳ ንምግላጽ ኣብ እተዛረበቶ ቃል ፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ዘጋጥም ብድሆታት ኣሚታ ።

 "እቲ ሓቂ ፡ ዉድብ ጥዕና ዓለም  ብዝያዳ ውጽኢታውን ዘይጸዓድ ክኸውንን ፡ ሕጂ እውን እንተ ኰነ ካብዚ ንላዕሊ ክንገብር ኣሎና" በለት ። ኣብቲ "ዓለምለኻዊ ኢኮሲስተም ምሉእ ጥዕና ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ" ኣብ ዝዀነሉ እዋን ፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ደገፍ ከም ዝረክብ መብጽዓ ኣትያ ።

 

 

 

 

 


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now