ርክብ ቀ/ሚ ኣንቶኒ ኣልባነሰ ን ፕረ/ዢ ጂንፒንግ ፡ ካብ ምፍታሕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ኣውስትራላውያን ክሳብ ናይ 20 ቢልዮን ዶላር ሕቶ ቀሪቡ ።

ኣብ ዉሽጢ 6 ዓመታት ናይ ኣውስትራሊያ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ፕረሲደንት ዢ ጂንፒንግ ንፈለማ ዝተራኸበ ኣንተኒ ኣልበኔስ እዩ።

Two men wearing suits

Prime Minister Anthony Albanese held a bilateral meeting with China's President Xi Jinping on the sidelines of the G20 summit in Bali, Indonesia, on Tuesday, 15 November, 2022. Source: AAP / Mick Tsikas

ኣውስትራልያ ምስ ቻይና ኣብ ዝገበረቶ "ዕዉት" ልዝብ ፡ ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ዓመት ምስ ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ ብወግዒ እተራኸበ ናይ መጀመርታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ገይርዎ ኣሎ ።

ሚስተር ኣልባነሰ እቲ ዝርርብ "ኣወንታውን ሃናጽን" ከም ዝነበረ ድሕሪ ምግላጽ ፡ ናይ መጀመርታ እኳ እንተ ነበረ ፡ ምስ ኤስያዊት ሓያል ሃገር ኣብ ዝግበር ምምሕያሽ ፡ "ኣገዳሲ ስጕምቲ" ከም እተወስደ ገሊጹ ።

ሰሉስ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ፡ ኣቶ ኣልባነሰ ፡ " ዓበይቲ ፍልልያት እኳ እንተሎና ፡ ዝርርብ ኣብ እንጅምረሉን ብሃናጽን ብኣኽብሮትን ክንዛረብ ኣብ እንኽእለሉን እዋን ግን ፡ እቲ ፍልልያት እንታይ ምዃኑ ብቕንዕና ክንዛረብ ፡ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ድማ ከምኡ ክንገብር ክኢልና ኢና" በለ ።

ኣብቲ ናይ ፍርቂ ሰዓት ኣኼባ ዝተላዕሉ ጉዳያት ፡ ናይ ኣውስትራሊያ ዜጋታት ቸንግ ለይን ያንግ ሄንግጁንን ማእሰርቲ ዝተሓሓዝ ይርከብዎም ።

ሚስተር ኣልባነሰ ፡ "ነቲ ኣብ ጕዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዘሎና ፍልልያት ፡ እንተላይ ኣብታ ኣብ ቻይና እትርከብ ሺንጂያንግ እትበሃል ኣውራጃ ፡ በይጂንግ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኡጉር እቲ ዞባ ዝወርድ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ ክሲ ኣቕሪባትሉ ኣላ ።

The Australian and Chinese delegations sitting at tables opposite each other in a bilateral meeting at the G20 Summit.
Australia held a "successful" bilateral meeting with China, Anthony Albanese said, as he became the first Australian prime minister to formally meet with President Xi Jinping in six years. Source: AAP / Mick Tsikas

ሚስተር አልባነሰ "ለውጢ ክሊማ ንምፍታሕ" ምትሕብባር ከም ዘድሊ ገሊጹ ። ብዛዕባ ታይዋን ዘለዎ ስክፍታ'ውን ኣልዒሉ እዩ ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፡ "ብጽኑዕን ብትሕትናን" ከም እተዛረበ ድሕሪ ምግላጹ ፡ ሚስተር ሺ ነቲ ቻይና ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘለዋ ጽልዋ ክጥቀመሉ ፡ ነቲ ምስ ዩክረይን ዝገበረቶ ውግእ ድማ ክዅንኖ ተማሕጸኖ ።

ሚስተር ኣልባነሰ ብዛዕባ "ዚ ናይ 20 ቢልዮን ዶላር ሕቶ" ውን ብጋዜጠኛ ተሓቲቱ ነይሩ እዩ ፣ እዚ ድማ ቻይና ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ሰደድ ኣውስትራልያ ከም ወይኒ ፡ ስገም ፡ ስጋ ፡ ከሰል ፡ ከምኡውን ፍርያት ባሕሪ ገይራቶ ዘላ እገዳ ንግዲ ዝምልከት እዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ግና ፡ ኣብዚ ጕዳይ እዚ እተረኽበ ውጽኢት ከም ዘየለ እዩ ዝሕብር ።

"ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባ ብቕልጡፍ ክግበር ትጽቢት ኣይነበረን" በለ ።

"ሰባት ከምኡ ክኸውን እንተ ሓሲቦም ፡ እዚ ኽዉንነት ከም ዘይኰነ እየ ዝኣምን ። ኰይኑ ግና ፡ ሃናጺ እዩ ነይሩ "በለ ።

ሚስተር ዢ ነቲ ኣኼባ ቀዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ዝምድና ቻይናን ኣውስትራልያን ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣብ ገለ ፀገማት ከምዝኣተወ ገሊጹ ።

"ቻይናን ኣውስትራልያን ኣብ ዞባ እስያ ፓሲፊክ ዝርከባ ኣገደስቲ ሃገራት ብምዃነን ፡ ነዚ ክንርእዮ ፍቓደኛታት ኣይነበርናን" ድማ በለ ።

"ምስ መሰረታዊ ረብሓታት ክልቲኡ ህዝቢ ሃገራት ዝሳነ ርክብ ስለ ዝዀነ ፡ ርክብና ኸነመሓይሽ ፡ ክንዕቅብን ኸነማዕብልን ኣሎና ።"

እቲ ፕረዚደንት ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ዝኸውን ንደሓር ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ "ብብስለት" ከም ዝሕዞ ገለጸ።

"ንርእይቶኻ ኣዝየ እየ ዘገድስ ።" ክብል ሚስተር ዢ ገሊጹ

ማልኮልም ተርንቡል ብ2016 ምስ ሚስተር ሺ ወግዓዊ ኣኼባ ዝገበረ ናይ መወዳእታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ እዩ ።

ካብ ሽዑ ንነጀው ፡ ብሰንኪ ጸጥታን ብ20 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ እተገብረ ማዕቀብ ንግድን ውጥረት እናበዝሐ ይኸይድ ስለ ዘሎ ፡ ርክባት ክልቲኤን ሃገራት እናኸፍአ ክኸይድ እዩ ዝርአ ዘሎ ።

With AAP.


Share

3 min read

Published

By David Aidone, Anna Henderson

Source: SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now