Breaking

ርክብ ቀ/ሚ ኣንቶኒ ኣልባነሰ ን ፕረ/ዢ ጂንፒንግ ፡ ካብ ምፍታሕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ኣውስትራላውያን ክሳብ ናይ 20 ቢልዮን ዶላር ሕቶ ቀሪቡ ።

ኣብ ዉሽጢ 6 ዓመታት ናይ ኣውስትራሊያ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ፕረሲደንት ዢ ጂንፒንግ ንፈለማ ዝተራኸበ ኣንተኒ ኣልበኔስ እዩ።

Two men wearing suits

Prime Minister Anthony Albanese held a bilateral meeting with China's President Xi Jinping on the sidelines of the G20 summit in Bali, Indonesia, on Tuesday, 15 November, 2022. Source: AAP / Mick Tsikas

ኣውስትራልያ ምስ ቻይና ኣብ ዝገበረቶ "ዕዉት" ልዝብ ፡ ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ዓመት ምስ ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ ብወግዒ እተራኸበ ናይ መጀመርታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ገይርዎ ኣሎ ።
ሚስተር ኣልባነሰ እቲ ዝርርብ "ኣወንታውን ሃናጽን" ከም ዝነበረ ድሕሪ ምግላጽ ፡ ናይ መጀመርታ እኳ እንተ ነበረ ፡ ምስ ኤስያዊት ሓያል ሃገር ኣብ ዝግበር ምምሕያሽ ፡ "ኣገዳሲ ስጕምቲ" ከም እተወስደ ገሊጹ ።
ሰሉስ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ፡ ኣቶ ኣልባነሰ ፡ " ዓበይቲ ፍልልያት እኳ እንተሎና ፡ ዝርርብ ኣብ እንጅምረሉን ብሃናጽን ብኣኽብሮትን ክንዛረብ ኣብ እንኽእለሉን እዋን ግን ፡ እቲ ፍልልያት እንታይ ምዃኑ ብቕንዕና ክንዛረብ ፡ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ድማ ከምኡ ክንገብር ክኢልና ኢና" በለ ።
ኣብቲ ናይ ፍርቂ ሰዓት ኣኼባ ዝተላዕሉ ጉዳያት ፡ ናይ ኣውስትራሊያ ዜጋታት ቸንግ ለይን ያንግ ሄንግጁንን ማእሰርቲ ዝተሓሓዝ ይርከብዎም ።
ሚስተር ኣልባነሰ ፡ "ነቲ ኣብ ጕዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዘሎና ፍልልያት ፡ እንተላይ ኣብታ ኣብ ቻይና እትርከብ ሺንጂያንግ እትበሃል ኣውራጃ ፡ በይጂንግ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኡጉር እቲ ዞባ ዝወርድ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ ክሲ ኣቕሪባትሉ ኣላ ።
The Australian and Chinese delegations sitting at tables opposite each other in a bilateral meeting at the G20 Summit.
Australia held a "successful" bilateral meeting with China, Anthony Albanese said, as he became the first Australian prime minister to formally meet with President Xi Jinping in six years. Source: AAP / Mick Tsikas
ሚስተር አልባነሰ "ለውጢ ክሊማ ንምፍታሕ" ምትሕብባር ከም ዘድሊ ገሊጹ ። ብዛዕባ ታይዋን ዘለዎ ስክፍታ'ውን ኣልዒሉ እዩ ።



እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፡ "ብጽኑዕን ብትሕትናን" ከም እተዛረበ ድሕሪ ምግላጹ ፡ ሚስተር ሺ ነቲ ቻይና ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘለዋ ጽልዋ ክጥቀመሉ ፡ ነቲ ምስ ዩክረይን ዝገበረቶ ውግእ ድማ ክዅንኖ ተማሕጸኖ ።
ሚስተር ኣልባነሰ ብዛዕባ "ዚ ናይ 20 ቢልዮን ዶላር ሕቶ" ውን ብጋዜጠኛ ተሓቲቱ ነይሩ እዩ ፣ እዚ ድማ ቻይና ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ሰደድ ኣውስትራልያ ከም ወይኒ ፡ ስገም ፡ ስጋ ፡ ከሰል ፡ ከምኡውን ፍርያት ባሕሪ ገይራቶ ዘላ እገዳ ንግዲ ዝምልከት እዩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ግና ፡ ኣብዚ ጕዳይ እዚ እተረኽበ ውጽኢት ከም ዘየለ እዩ ዝሕብር ።
"ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባ ብቕልጡፍ ክግበር ትጽቢት ኣይነበረን" በለ ።
"ሰባት ከምኡ ክኸውን እንተ ሓሲቦም ፡ እዚ ኽዉንነት ከም ዘይኰነ እየ ዝኣምን ። ኰይኑ ግና ፡ ሃናጺ እዩ ነይሩ "በለ ።
ሚስተር ዢ ነቲ ኣኼባ ቀዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ዝምድና ቻይናን ኣውስትራልያን ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣብ ገለ ፀገማት ከምዝኣተወ ገሊጹ ።
"ቻይናን ኣውስትራልያን ኣብ ዞባ እስያ ፓሲፊክ ዝርከባ ኣገደስቲ ሃገራት ብምዃነን ፡ ነዚ ክንርእዮ ፍቓደኛታት ኣይነበርናን" ድማ በለ ።
"ምስ መሰረታዊ ረብሓታት ክልቲኡ ህዝቢ ሃገራት ዝሳነ ርክብ ስለ ዝዀነ ፡ ርክብና ኸነመሓይሽ ፡ ክንዕቅብን ኸነማዕብልን ኣሎና ።"

እቲ ፕረዚደንት ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ዝኸውን ንደሓር ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ "ብብስለት" ከም ዝሕዞ ገለጸ።

"ንርእይቶኻ ኣዝየ እየ ዘገድስ ።" ክብል ሚስተር ዢ ገሊጹ
ማልኮልም ተርንቡል ብ2016 ምስ ሚስተር ሺ ወግዓዊ ኣኼባ ዝገበረ ናይ መወዳእታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ እዩ ።
ካብ ሽዑ ንነጀው ፡ ብሰንኪ ጸጥታን ብ20 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ እተገብረ ማዕቀብ ንግድን ውጥረት እናበዝሐ ይኸይድ ስለ ዘሎ ፡ ርክባት ክልቲኤን ሃገራት እናኸፍአ ክኸይድ እዩ ዝርአ ዘሎ ።


With AAP.

Share

Published

By David Aidone, Anna Henderson
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ርክብ ቀ/ሚ ኣንቶኒ ኣልባነሰ ን ፕረ/ዢ ጂንፒንግ ፡ ካብ ምፍታሕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ኣውስትራላውያን ክሳብ ናይ 20 ቢልዮን ዶላር ሕቶ ቀሪቡ ። | SBS Tigrinya