KEY POINTS:
- ናይ ክራይ እፎይታ ሓዊስካ፡ እዚ ባጀት እዚ ናይ 14 ቢልዮን ዶላር ወጻኢታት ናይ መንበሪ ወጻኢታት ንምቅላል ዘጠቓልል ፓኬጅ እዩ ።
- ናይ ደለይቲ ስራሕ (ጆብሰኬርን) ኦስቱዲን ናይ መንእሰያት ደገፍን ለውጢ ተገይሩ እዩ ።
- እዚ ናይ ሰሉስ ፡ ሰልፊ ለበር ቅድሚ ዓመት ስልጣን ካብዝርከብ ፡ ካልኣይ ባጀት እዩ ።
ኣውስትራሊያዊያን ኣብ ምድላይ ስራሕ ወይ ኣብ ጆብሲከር ዘለዉ ፡ ኣብ ብዙሕ ናይ ጸዓት ወጻኢታት ፡ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ተኻረይትን ሕሙማትን ኣብ ከቢድ ኩነታት ዘለዉ ስድራቤታት ፡ በቲ ናይ ሰሉስ ባጀት ናይ ብዙሕ ቢሊዮን ዶላር ዝግመት ሓገዝ ክረኽቡ እዮም ።
እቶም ብተኸታታሊ ናይ ወለድ መጠን ምውሳኽ ኣብ ጸገም ዘለዉ ንዓመታ ዝቕባበ ስለዝጎድል ከም እፎይታ ገይሮም ክርእዩ ይኽእሉ እዮም ።

ብዙሓት ኣብ ጆብሲከር ዝርከቡ ሰባት መንግስቲ ዝህቦም ደገፍ ክውስኽ እዩ። Source: SBS
ሰሉስ ምሸት ንፓርላማ ፌደራል ፡ ብዛዕባ ባጀት ክገልጽ ከሎ ፡ " ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ዝመጽእ ጸቕጢ ንምቅላል ኣገባብ ዘለዎ ኣብ መንጎ ወጻኢታት እናተቖጻጸርና ነቶም ኣብ ጸገም ዘለዉ ንምሕጋዝ ዓሊምና ኢና ገይርናዮ።"
ኣብቲ ባጀት እንታይ እዩ ዘሎ?
እቲ ኣብ ማእከል ዕላማ ናይቲ ባጀት ፡ ጸቕጢ መነባብሮ ንምቅላል ናይ 14.6 ቢልዮን ዶላር ምምዋል እዩ ።
"እቲ ብዛዕባ ባጀት ዘሎ ጸቕጥታት ብዙሕ እዩ: እንተዀነ ግን ከም መንግስቲ ለበር መጠን ነቶም ዝያዳ ዘድልዮም ክንሕግዞም ኢና እንጽዕር" ክብል ሚስተር ቻልመርስ ገሊጹ ።
ነቶም ኣብ ምድላይ ስራሕ ዘለዉ፡ ናይ መንእሰያት ደገፍ፡ ኦስታዲ ካልኦት ክፍሊታት ኣብ ሰሙን ናይ $20-ዶላር ወሰኽ ኣብ' ዚ ዓመት 'ዚ ካብ 20 መስከረም ክግበር 'ዩ ።
ኣውስትራሊያውያን ዕድሚኦም 55 ዓመትን ልዕሊኡን ንዝኾኑ ሓተቲ ስራሕ (ጆብሰኬር) ፣ ኣብ ስራሕ ፣ብ ዕድሚኦም ኣድልዎ ስለዝበጽሖምን ጥዕና ዘይምህላውን ተወሳኺ ዕንቅፋታት ከምዘለዎም ብምግንዛብ ኣብ ሰሙን ብ46 ዶላር ብክልተ ዕጽፊ ክውስኽ እዩ ። እቲ መንግስቲ ነቲ ኣብዚ እዋን "ዚ ልዕሊ 60 ንዝኾኑ ልዕሊ 52,000 ንዝኾኑ ልዕሊ 55 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ዝኽፈል ዝለዓለ ናይ ጆብሰከር ክፍሊት ኣሎ ።
ከምኡ 'ውን ትሑት እቶት ንዘለዎም ናይ ኮመንወልዝ ናይ ልቓሕ ደገፍ ክፍሊት ሓገዝ ገንዘብ ንዝረኽቡ 15 ሚኢታዊ ወሰኽ ክግበር እዩ ። እዚ ንመብዛሕትኦም ኣብ ሰሙን ኣስታት 15 ዶላር ማለት እዩ ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት እቲ ዝዓበየ ወሰኽ እዩ ።

እቲ ባጀት ኣብ መነባብሮ ዘሎ ጸቕጢ ንምፍዃስ ናይ $14.6 billion ምወላ ዘጠቓልል እዩ።
"$2.80 ሓንቲ ባኒ እኳ ኣይገዝእን እዩ ። እዚ ጸርፊ ዝመስል ወሰኽ እዚ ንተመሃሮ ኣውስትራልያ ካብ መስመር ድኽነት ኣጸቢቑ ከም ዘውርዶም ዝገብር እዩ "ክብል ናይ NUS ፕረዚደንት ባሊ ሪለይ ገሊጹ።
ናይ ኣውስትራሊያ ቤት ምኽሪ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ነቲ ናይ ባጀት 15 ሚኢታዊ ወሰኽ ደሞዝ ኣብ ናይ ዓበይቲ ክንክን ንዝሰርሑ "መብዛሕተኦም ትሑት ደሞዝ ንዘለወን ኣንስቲ" ብሓጎስ ተቐቢልዎ ።
"ሎሚ ምሸት ባጀት ንንጽል ወለዲ ወሳኒ ደገፍ የምጽእ: ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ሰባት ክንክን ጥዕና ዘድልዮም: ከምኡውን ኣብ ጫፋት ዝርከቡ ሰባት ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ኣባይቲ ኣብ ጸዓት ዘሎ ወጻኢ ንምምሕያሽ ዝግበር ኣገዳሲ ወፍሪ እዩ" ክብል እቲ ዝለዓለ ናይ ድሕንነት ስልጣን ብመንገዲ ትዊተር ገሊጹ።
ይኹን እምበር ፡ መራሒ ግሪንስ ኣዳም ባንድት ፡ "እዚ ንኻልኣይ ግዜ ዝወጸ ባጀት ፡ ነቶም ኣብዚ መንግስቲ ዝርሳዕ የለን ዝተባህሎም መብጽዓ እተገብረሎም ሰባት ኣሕሊፍካ ምሃብ እዩ" በለ ።
"ባጀት ብዛዕባ ምርጫታት እዩ ። ሰልፊ ለበር ነቶም ዝጽበይዎም ዝነበሩ ሰባት ካብ ምድጋፍ ሓሊፉ ካልእ ተወሳኺ ሓገዝ ክገብረሎም እዩ ዝሓሪ ዘሎ "በለ ።
ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ዝሓሙ ኣውስትራሊያዊያን ጥሮተኛታትን ካልኦት ናይ ሓባራዊ ሃብቲ ካርዲታት ዝሓዙ ሕሙማት ነቲ ባልክ ቢሊንግ ዝበሃል ተበግሶ ብሰለስተ ዕጽፊ ብምዕባይ ነጻ ናይ ክፍሊት-GPs ኽረኽቡን እዚ ዝያዳ ሓኻይም ንኽረኽቡ ከተባብዑ እዮም ።

Australian Treasurer Jim Chalmers has delivered his second budget Source: AAP / Lukas Coch
ኣባይቶም ዝያዳ ኣድማዒ ጸዓት ከህልኹ ዝደልዩ ስድራቤታት ፡ ከም ድርብ ቬትሮ ዘለዎ መሳዅቲ ወይ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ ፓነል ዝኣመሰለ ነገራት ንምርካብ ሕሱር ልቓሕ ክረኽቡ እዮም ።
ኣብ ዝቕጽል ገንዘባዊ ዓመት ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ስድራ ቤታት ካብ ናይ ጸዓት ወጻኢታት ክሳዕ 500 ዶላር ኪጎድለለን እዩ ።
ቪዛ ንምርካብ መመልከቲ ንምቕራብ ዝኸበረ እዩ ክኸውን። ን ክልተ ዓይነት ቪዛ ካብ ፓሲፊክ ንዝመጹ ሰባት እንተዘይኮይኑ ንኣህጉራውያን ተመሃሮን ንስራሕ ወሃብትን ሓዊሱ ናይ መመልከቲ ቪዛ ክፍሊት ክውስኽ እዩ ፤ ።
እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መጠን ወለድ መዓስ'ዩ ክግታእ?
እቲ ናይ ባጀት ወረቓቕቲ ናይ ገንዘብ ዕዳጋታት ከምዝሕብርዎ ናይ ቁጠባ ክኢላታት እቲ መጠን ጥረ ገንዘብ ክሳብ መጀመርታ 2024 ብ 3.85 ሚኢታዊት ክቕጽል ትጽቢት ይገብሩ ።
ድሕሪኡ በብቑሩብ ብምጉዳል ኣብ ሰነ 2025 መጠን ናብ 3 ሚእቲ ክበጽሕ ትንቢት ኣሎ ።
ሚስተር ቻለምስ ን SBS ዜና ዕዳጋ ኣብ ዘለናዮ ወይ ጥቓኡ ዝለዓለ ጠርዚ ክንበጽሕ ትጽቢት ይገብር ።
"ከምኡ እንተ ኰይኑ ፡ ብሕጂ ዝርአ እዩ" በለ ።
ሪዘርቭ ባንክ ኣውስትራሊያ ዝቕባበ ናብ 2-3 ሚኢታዊ ክወርድ ከምዝደሊ ኣሚቱ እዩ ።
ናይ ሰሉስ ባጀት ፡ዝቕባበ ኣብ 2024-25 ናብ ዒላማ ዝገበረሉ ክምለስ ትጽቢት ዝግበረሉ ኰይኑ ፡ እተን ብተኸታታሊ ምውሳኽ ወለድ ዝተሃስያ ስድራ ቤታት ኣወንታዊ መጻኢ ክህልወን ይጽበያ ኣለዋ ።
መጠን ዝቕባበ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ካብ 6 ሚኢታዊ ናብ 3.25 ሚኢታዊ ከምዝወርድ ይንበ ።
መጻኢ ኣንፈት ቁጠባ ኣውስትራሊያ ከመይ እዩ ክመስል?
ናይ ኣውስትራሊያ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንዝቕጽል ናይ ፋይናንስ ዓመት ናብ 1.5 ሚኢታዊ ክዝሕል እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ ይብል እቲ ባጀት ።
ከምቲ ኣቐዲሙ እተነግረ ፡ መንግስቲ ሎሚ ዓመት ንእሽቶ መኽሰብ ፡ ማለት ኣብ ውሽጢ 15 ዓመት ንፈለማ እዋን ፡ ብምኽንያት ናህሪ ዋጋታት ቐረጽን ኣታዊ ቀረጽን መኽሰብ ረኺቡ ኣሎ ። እንተዀነ ግን: ንዓመታ ናይ 13.9 ቢልዮን ዶላር ሕጽረት ወይ ደፊሲት ክህሉ እዩ ።
መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ካብ ናይ ከባቢ 50 ዓመት ትሑት መጠን ማለት ካብ 3.5 ሚኢታዊት ክሳብ 4.25 ሚኢታዊ ኣብ ወርሒ ሰነ 2024 ክኸውን ትጽቢት ይግበር ።