ካብ ክፍሊት ናጻ ዝኾነ ሕክምና ክሳብ ምውሳኽ ገንዘብ ኣብ ሰንተርሊንክ ፡ ብዛዕባ ሓድሽ ባጀት ፈደራል ክትፈልጥዎ ዘሎኩም ነገራት

ናይ ሰሉስ ባጀት ልዕሊ 14 ቢልዮን ዶላር ንክብደት መነባብሮ ንምቅላል ዝውዕል ምወላ ማእከል ዝገበረ እዩ ።

 Jim Chalmers,

ተሓዝ ገንዘብ ጂም ቻልመርስ ፡ ሰሉስ ምሸት ንኻልኣይ ግዜ ባጀቱ ኣቕረበ ።

KEY POINTS:
  • ናይ ክራይ እፎይታ ሓዊስካ፡ እዚ ባጀት እዚ ናይ 14 ቢልዮን ዶላር ወጻኢታት ናይ መንበሪ ወጻኢታት ንምቅላል ዘጠቓልል ፓኬጅ እዩ ።
  • ናይ ደለይቲ ስራሕ (ጆብሰኬርን) ኦስቱዲን ናይ መንእሰያት ደገፍን ለውጢ ተገይሩ እዩ ።
  • እዚ ናይ ሰሉስ ፡ ሰልፊ ለበር ቅድሚ ዓመት ስልጣን ካብዝርከብ ፡ ካልኣይ ባጀት እዩ ።
ኣውስትራሊያዊያን ኣብ ምድላይ ስራሕ ወይ ኣብ ጆብሲከር ዘለዉ ፡ ኣብ ብዙሕ ናይ ጸዓት ወጻኢታት ፡ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ተኻረይትን ሕሙማትን ኣብ ከቢድ ኩነታት ዘለዉ ስድራቤታት ፡ በቲ ናይ ሰሉስ ባጀት ናይ ብዙሕ ቢሊዮን ዶላር ዝግመት ሓገዝ ክረኽቡ እዮም ።
እቶም ብተኸታታሊ ናይ ወለድ መጠን ምውሳኽ ኣብ ጸገም ዘለዉ ንዓመታ ዝቕባበ ስለዝጎድል ከም እፎይታ ገይሮም ክርእዩ ይኽእሉ እዮም ።
JOBSEEKER PAYMENTS BOOST GFX.jpg
ብዙሓት ኣብ ጆብሲከር ዝርከቡ ሰባት መንግስቲ ዝህቦም ደገፍ ክውስኽ እዩ። Source: SBS
ተሓዝ ገንዘብ ጂም ቻለምስ ፡ ዕላማ እቲ ባጀት ፡ "ሓላፍነት ዝስምዖን እፎይታ ዝህብን" ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ ።

ሰሉስ ምሸት ንፓርላማ ፌደራል ፡ ብዛዕባ ባጀት ክገልጽ ከሎ ፡ " ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ዝመጽእ ጸቕጢ ንምቅላል ኣገባብ ዘለዎ ኣብ መንጎ ወጻኢታት እናተቖጻጸርና ነቶም ኣብ ጸገም ዘለዉ ንምሕጋዝ ዓሊምና ኢና ገይርናዮ።"

ኣብቲ ባጀት እንታይ እዩ ዘሎ?

እቲ ኣብ ማእከል ዕላማ ናይቲ ባጀት ፡ ጸቕጢ መነባብሮ ንምቅላል ናይ 14.6 ቢልዮን ዶላር ምምዋል እዩ ።
"እቲ ብዛዕባ ባጀት ዘሎ ጸቕጥታት ብዙሕ እዩ: እንተዀነ ግን ከም መንግስቲ ለበር መጠን ነቶም ዝያዳ ዘድልዮም ክንሕግዞም ኢና እንጽዕር" ክብል ሚስተር ቻልመርስ ገሊጹ ።
ነቶም ኣብ ምድላይ ስራሕ ዘለዉ፡ ናይ መንእሰያት ደገፍ፡ ኦስታዲ ካልኦት ክፍሊታት ኣብ ሰሙን ናይ $20-ዶላር ወሰኽ ኣብ' ዚ ዓመት 'ዚ ካብ 20 መስከረም ክግበር 'ዩ ።
ኣውስትራሊያውያን ዕድሚኦም 55 ዓመትን ልዕሊኡን ንዝኾኑ ሓተቲ ስራሕ (ጆብሰኬር) ፣ ኣብ ስራሕ ፣ብ ዕድሚኦም ኣድልዎ ስለዝበጽሖምን ጥዕና ዘይምህላውን ተወሳኺ ዕንቅፋታት ከምዘለዎም ብምግንዛብ ኣብ ሰሙን ብ46 ዶላር ብክልተ ዕጽፊ ክውስኽ እዩ ። እቲ መንግስቲ ነቲ ኣብዚ እዋን "ዚ ልዕሊ 60 ንዝኾኑ ልዕሊ 52,000 ንዝኾኑ ልዕሊ 55 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ዝኽፈል ዝለዓለ ናይ ጆብሰከር ክፍሊት ኣሎ ።
ከምኡ 'ውን ትሑት እቶት ንዘለዎም ናይ ኮመንወልዝ ናይ ልቓሕ ደገፍ ክፍሊት ሓገዝ ገንዘብ ንዝረኽቡ 15 ሚኢታዊ ወሰኽ ክግበር እዩ ። እዚ ንመብዛሕትኦም ኣብ ሰሙን ኣስታት 15 ዶላር ማለት እዩ ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት እቲ ዝዓበየ ወሰኽ እዩ ።
Graphic showing woman struggling to pay her bills.
እቲ ባጀት ኣብ መነባብሮ ዘሎ ጸቕጢ ንምፍዃስ ናይ $14.6 billion ምወላ ዘጠቓልል እዩ።
ሃገራዊ ኅብረት ተማሃሮ (NUS) መንግስቲ ነቲ ካብ መንእሰያት ዝቐረበሉ ምሕጽንታ ዕሽሽ ከምዝበሎ ፡ እዚ ድማ ናይ መንእሰያት ደገፍ ኣብ መዓልቲ 2.80 ዶላር ይበጽሕ ።
"$2.80 ሓንቲ ባኒ እኳ ኣይገዝእን እዩ ። እዚ ጸርፊ ዝመስል ወሰኽ እዚ ንተመሃሮ ኣውስትራልያ ካብ መስመር ድኽነት ኣጸቢቑ ከም ዘውርዶም ዝገብር እዩ "ክብል ናይ NUS ፕረዚደንት ባሊ ሪለይ ገሊጹ።
ናይ ኣውስትራሊያ ቤት ምኽሪ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ነቲ ናይ ባጀት 15 ሚኢታዊ ወሰኽ ደሞዝ ኣብ ናይ ዓበይቲ ክንክን ንዝሰርሑ "መብዛሕተኦም ትሑት ደሞዝ ንዘለወን ኣንስቲ" ብሓጎስ ተቐቢልዎ ።
"ሎሚ ምሸት ባጀት ንንጽል ወለዲ ወሳኒ ደገፍ የምጽእ: ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ሰባት ክንክን ጥዕና ዘድልዮም: ከምኡውን ኣብ ጫፋት ዝርከቡ ሰባት ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ኣባይቲ ኣብ ጸዓት ዘሎ ወጻኢ ንምምሕያሽ ዝግበር ኣገዳሲ ወፍሪ እዩ" ክብል እቲ ዝለዓለ ናይ ድሕንነት ስልጣን ብመንገዲ ትዊተር ገሊጹ።

ይኹን እምበር ፡ መራሒ ግሪንስ ኣዳም ባንድት ፡ "እዚ ንኻልኣይ ግዜ ዝወጸ ባጀት ፡ ነቶም ኣብዚ መንግስቲ ዝርሳዕ የለን ዝተባህሎም መብጽዓ እተገብረሎም ሰባት ኣሕሊፍካ ምሃብ እዩ" በለ ።

"ባጀት ብዛዕባ ምርጫታት እዩ ። ሰልፊ ለበር ነቶም ዝጽበይዎም ዝነበሩ ሰባት ካብ ምድጋፍ ሓሊፉ ካልእ ተወሳኺ ሓገዝ ክገብረሎም እዩ ዝሓሪ ዘሎ "በለ ።
ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ዝሓሙ ኣውስትራሊያዊያን ጥሮተኛታትን ካልኦት ናይ ሓባራዊ ሃብቲ ካርዲታት ዝሓዙ ሕሙማት ነቲ ባልክ ቢሊንግ ዝበሃል ተበግሶ ብሰለስተ ዕጽፊ ብምዕባይ ነጻ ናይ ክፍሊት-GPs ኽረኽቡን እዚ ዝያዳ ሓኻይም ንኽረኽቡ ከተባብዑ እዮም ።

A man wearing a suit and tie standing outside.
Australian Treasurer Jim Chalmers has delivered his second budget Source: AAP / Lukas Coch
"ብዙሓት ሰባት ናብ ሓኪም ምኻድ ይኸብዶም እዩ ። እቲ ወጻኢታት ኣዝዩ ልዑል ስለ ዝዀነ ፡ እቲ ናይ ምጽባይ ግዜ ኣዝዩ ነዊሕ ስለ ዝዀነ ፡ እቲ ምኽሪ ናይ ምርካብ ግዜ'ውን ኣዝዩ ሓጺር እዩ "በለ ።
ኣባይቶም ዝያዳ ኣድማዒ ጸዓት ከህልኹ ዝደልዩ ስድራቤታት ፡ ከም ድርብ ቬትሮ ዘለዎ መሳዅቲ ወይ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ ፓነል ዝኣመሰለ ነገራት ንምርካብ ሕሱር ልቓሕ ክረኽቡ እዮም ።
ኣብ ዝቕጽል ገንዘባዊ ዓመት ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ስድራ ቤታት ካብ ናይ ጸዓት ወጻኢታት ክሳዕ 500 ዶላር ኪጎድለለን እዩ ።
ቪዛ ንምርካብ መመልከቲ ንምቕራብ ዝኸበረ እዩ ክኸውን። ን ክልተ ዓይነት ቪዛ ካብ ፓሲፊክ ንዝመጹ ሰባት እንተዘይኮይኑ ንኣህጉራውያን ተመሃሮን ንስራሕ ወሃብትን ሓዊሱ ናይ መመልከቲ ቪዛ ክፍሊት ክውስኽ እዩ ፤ ።

እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መጠን ወለድ መዓስ'ዩ ክግታእ?

እቲ ናይ ባጀት ወረቓቕቲ ናይ ገንዘብ ዕዳጋታት ከምዝሕብርዎ ናይ ቁጠባ ክኢላታት እቲ መጠን ጥረ ገንዘብ ክሳብ መጀመርታ 2024 ብ 3.85 ሚኢታዊት ክቕጽል ትጽቢት ይገብሩ ።
ድሕሪኡ በብቑሩብ ብምጉዳል ኣብ ሰነ 2025 መጠን ናብ 3 ሚእቲ ክበጽሕ ትንቢት ኣሎ ።
ሚስተር ቻለምስ ን SBS ዜና ዕዳጋ ኣብ ዘለናዮ ወይ ጥቓኡ ዝለዓለ ጠርዚ ክንበጽሕ ትጽቢት ይገብር ።
"ከምኡ እንተ ኰይኑ ፡ ብሕጂ ዝርአ እዩ" በለ ።

ሪዘርቭ ባንክ ኣውስትራሊያ ዝቕባበ ናብ 2-3 ሚኢታዊ ክወርድ ከምዝደሊ ኣሚቱ እዩ ።
ናይ ሰሉስ ባጀት ፡ዝቕባበ ኣብ 2024-25 ናብ ዒላማ ዝገበረሉ ክምለስ ትጽቢት ዝግበረሉ ኰይኑ ፡ እተን ብተኸታታሊ ምውሳኽ ወለድ ዝተሃስያ ስድራ ቤታት ኣወንታዊ መጻኢ ክህልወን ይጽበያ ኣለዋ ።
መጠን ዝቕባበ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ካብ 6 ሚኢታዊ ናብ 3.25 ሚኢታዊ ከምዝወርድ ይንበ ።

መጻኢ ኣንፈት ቁጠባ ኣውስትራሊያ ከመይ እዩ ክመስል?

ናይ ኣውስትራሊያ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንዝቕጽል ናይ ፋይናንስ ዓመት ናብ 1.5 ሚኢታዊ ክዝሕል እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ ይብል እቲ ባጀት ።
ከምቲ ኣቐዲሙ እተነግረ ፡ መንግስቲ ሎሚ ዓመት ንእሽቶ መኽሰብ ፡ ማለት ኣብ ውሽጢ 15 ዓመት ንፈለማ እዋን ፡ ብምኽንያት ናህሪ ዋጋታት ቐረጽን ኣታዊ ቀረጽን መኽሰብ ረኺቡ ኣሎ ። እንተዀነ ግን: ንዓመታ ናይ 13.9 ቢልዮን ዶላር ሕጽረት ወይ ደፊሲት ክህሉ እዩ ።
መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ካብ ናይ ከባቢ 50 ዓመት ትሑት መጠን ማለት ካብ 3.5 ሚኢታዊት ክሳብ 4.25 ሚኢታዊ ኣብ ወርሒ ሰነ 2024 ክኸውን ትጽቢት ይግበር ።

Share

Published

By Rashida Yosufzai
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service