Explainer

ካብ ቪዛ ናብ ስራሕ ፡ ኣውስትራሊያ ቁጽሪ ተእትዎም ክኢላዊ ስደተኛ ትውስኽ ።

ካብ ኣህጉራውያን ተመሃሮን ግዚያዊ ሰራሕተኛታትን ክሳብ ኣብ ሰንፈላል ዝርከቡ ናይ ቪዛ ኣመልከትቲ ፡ ብዛዕባ ናይ ኣውስትራሊያ ምውሳኽ ናይ ፍልሰት ቪዛ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ ።

Passengers arriving at Sydney International Airport.

明年,將有超過三分之二預計抵達澳洲的移民將來自技術簽證中的七種簽證人士。 Source: Getty / Lisa Maree Williams

ቀንዲ ነጥቢታት
  • ናይ ኣውስትራሊያ መንግስቲ ዓመታዊ ዝህቦ ቪዛ ናይ ፍልሰት ብ 35,000 ዝወሰኸ ምዃኑ ኣፍሊጡ ።
  • ካብ ኣህጉራውያን ተመሃሮን ካብ ግዚያዊ ሰራሕተኛታትን ክሳብ ኣብ ትጽቢት ዘለዉ ኣመልካቲ ቪዛ ፡ ክትፈልጥዎ ዘለኩም ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ ።
ናይ ኣውስትራሊያ መንግስቲ ዓመታዊ ብናይ ፍልሰት ቪዛ ዘእትዎ ብዝሒ ሰብ ብ 35,000 ቦታታት ክውስኽ ብምግባር 36 ሚልዮን ዶላር ድማ ነቶ ንነዊሕ እዋን ዝተጸበዩ ናይ ቪዛ መሳለጢ መዲቡ ኣሎ ።
እዚ ዝተገልጸ ኣብቶ ን ክልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ናይ መንግስቲ ናይ ስራሕን ዓቕሚ ሰብን ዝምልከት ዋዕላ ምስተዛዘመ እዩ ። እቲ ዋዕላ ብናይ ኣውስትራሊያ ናይ ሰራሕተኛታት ሕጽረትን ናይ ስደተኛታት ምእታውን ተኽእሎታት ዝተዓብለለ ሎይኑ፡ እቲ ብሰንኪ ለበዳ ካብ ሃገር ዝወጹ ወይ ዘይ ኣተው ሰራሕተኛታት ተፈጢሩ ዘሎ ህጓፍ ፡ ዘድሊ ዓቕሚ ስራሕተኛ ንምምላእ ዝዓለመ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ፡ ኣውስትራልያ ብግዝያዊ ቪዛ ኣብ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ትውክልቲ ምግባራ ፡ ነቲ ዓቕሚ ስራሕ "ንሓደጋ እተቓልዐ" ከም ዝገበሮን ፡ ንሰራሕተኛታት ስደተኛታት ናብ ቐዋምነት ናብ መንበሪ ፍቓድ መገዲ ንምጥጣሕ ድማ "ሓፈሻዊ ስምምዕ" ከም እተገብረ ገሊጹ ።
ሚኒስተር ዉሽጣዊ ጕዳያት ኣውስትራሊያ ክሌር ኦኒል ወግዓዊ መግለጺ ኣብዝሃበትሉ: እቲ ምእታው ኪኢላዊ ስደታኛ ካብ 160,000 ናብ 195,000 ክብ ከም ዝብል ኣፍሊጣ ።
ሚስ ኦንኤል መንግስቲ ለበር ቀዳምነት ዝህቦ ነገር ፡ ካብ ናይ ሓጺር እዋን ስደተኛታት "ናብ ነባሪ ፡ ዜግነትን ህንጸት ሃገርን" ዘተኩር እዩ ።

እዚ ንመንዩ ዝትንክፎ?

እቲ ትኩረት ፡ ነቲ ናይ ስራሕ ቦታ ምቕያር ፡ ኣብ ክንዲ ብግዚያውያን ስደተኛታት ዝያዳ ቀዋሚ ስደተኛ ከምዝኾኑ ምግባር እዩ ። እዚ ማለት እቲ መንግስቲ ነቶም ብግዚያዊ ቪዛ ዝመጹ ሰራሕተኛታት ንዝነውሐ ግዜ ዝጸንሕሉ መንገዲ ከጣጥሓሎም ወይ ድማ ናብ ቀዋሚ ቪዛ ዝሰጋገርሉ መንገዲ ከጣጥሓሎም እዩ ።
ናይ ኣህጉራዊ ተማሃሮ ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ ዩኒቨርሲቲታት ምስተመረቑ ኣብ ኣውስትራሊያ ንዝነውሐ ግዜ ብምጽናሕ ስራሕ ንኽሰርሑ ከምዝፍቐደሎም ብምግባር ሓገዝ ይረኽቡ ።
ብመሰረት ሚኒስተር ትምህርቲ ጃሰን ክላል ፡ ኣብ ኢንዱስትሪታት ሕጽረት ክእለት ኣብ ዘለዎም ተማሃሮ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ክልተ ዓመት ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም ።
ከምኡ 'ውን ግዝያዊ ናይ ስራሕ ቪዛ ዝሓዙ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝነውሐ ግዜ ንኽሰርሑ ብምፍቃድ ነቶም ቀይድታት ከቃልልዎም እዮም ።
ቪዛኦም ኣብ መስርሕ ዘለዉ ክሰልጠሎም ዝጽበዩ ሰባት ወይ መጻምድቲን ሰባት እውን በቲ ሓድሽ ምልክታ ክጽለዉ እዮም ፡ ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ኣንድሪው ጊለስ ከምዝተመባጽዖ ንምስላጥ ቪዛ ክሕግዝ 36 ሚልዮን ዶላር ተመዲቡ ኣሎ ።
ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኣብትጽቢት ዝርከብ ፡ 900,000 ቪዛታት ኣሎ ።
ንሱ ኣብ ፌደራላዊ ምርጫ ካብዝዕወት ኣትሒዙ ሰልፊ ለበር ግዜ ናይ ቪዛ መስርሕ ይንኪ ኣሎ ኢሉ ።
ብዓርቢ ሚስተር ጊልስ ከምዝገለጾ "ንሓደ ብግዚያዊ ናይ ሞያ ቪዛ ናብ ኣውስትራሊያ ዝመጽእ ሰብ ዝወስዶ ብገምጋም ካብ 53 መዓልታት ኣብ ግንቦትናብ 42 መዓልታት ኣብ ሓምለ ጎዲሉ ኣሎ።"
"ንሓደስቲ ኣብያተ-ንግዲ ንዘእትውዎ ሰራሕተኛ ዝወስዶ ግዜ ብገምጋም ካብ 37 መዓልቲ ናብ 18 ግዲሉኣሎ " ኢሉ ።

መዓስ'ዩ እዚ ተፈጻሚ ዝኸውን?

እቲ ወሰኽ ኣብ ናይ ኪኢላዊ ስደተና ብዝሒ ኣብ 2022 / 23 ናይ ገንዘብ ዓመት ዝተገብረ ምምሕያሽ እዩ ፡ በዚ ምኽንያት ብኡንብኡ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ ።

SBS ኒውስ ሰራሕተኛታት ንምርግጋጽ ምስ ቤት ጽሕፈት ሚስተር ጊልስ ተራኺቡ ብዛዕባ ምቝጻር ስራሕ ብቕልጡፍ ክጅምር ዝኽእል ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣረጋጊጹ ኣሎ ።

ናይ ኣውስትራሊያ ሕጽረት ኪኢላዊ ዓቕሚ: ናይ ስራሕን ቪሳን ዕድላት

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝቕጽላ ሓሙሽተ ዓመታት ብዙሕ ሰራሕተኛታት ዘድልዮም እቶም ዝለዓሉ 10 ዓይነት ስራሓት ናይ ህንጻ ኣካየድቲ ፡ ነርሳትን ከሸንቲን ካብ ኣቶም ምዃኖም ኣፍሊጡ እዩ።
ኣብ ዝቕጽል ዓመት ልዕሊ ክልተ ሲሶ ካብቶም ናብ ኣውስትራሊያ ክኣትው ትጽቢት ዝግበረሎም ስደተኛታት ካብ ሸውዓተ ናይ ሞያ ቪዛታት እዮም ።
እቲ መንግስቲ ቀዋሚ ናይ ቪዛ ኣከፋፍላ ካብ ኣብ መንጎ ስድራቤትን ክኢላዊ ስደተኛታትን ዘሎ ምክፍፋል ብምቕያር ኣብ ሰራሕተኛታት ዝያዳ ኣተኩሮ ክገብር እዩ ።
መንግስቲ ዘውጽኦ ቀዳምነት ንስደተኛታት ዝምልከት ጕዳይ ፡ ነዚ ዝስዕብ የጠቓልል (ብቛንቋ እንግሊዝ ቀሪቡ ኣሎ)፦
  • Construction managers
  • Civil engineering professionals
  • General Practitioners
  • Registered nurses
  • ICT (information and communications technology) business and systems analysts
  • Software and applications programmers
  • Electrical engineers
  • Chefs
  • Midwives
  • Veterinarians
  • Surveyors

Share

Published

By Tom Canetti
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service