ሙሉእ ብሙሉእ ዝተኸተቡ ኣውስትራሊያዊያን ብዘይቅድመ ኩነት ካብ ሃገር ክወጹ ክኽእሉ እዮም።

Fully vaccinated travellers will no longer need an exemption to leave the country, ahead of the internatiኣህጉራዊ ዶባት ክኽፈት መዓልታት ተሪፍዎ ኣብዘሎ፡ ምሉእ ብምሉእ ዝተኸተቡ ተጓዓዝቲ ካብ ሃገር ንኽወጹ ናጻ ፍቓድ ኣየድልዮምን እዩ።onal borders reopening.

A file photo of a couple holding hands whilst wearing protective gloves and masks in the departures area at the Sydney International Airport.

A file photo of a couple holding hands whilst wearing protective gloves and masks in the departures area at the Sydney International Airport. Source: AAP

ምሉእ ብምሉእ ዝኽተቡ ኣውስትራሊያዊያን ካብ ሃገር ንኽወጹ ፤ ፍቓድ ምሕታት ኣየድልዮምን ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ፡ ካብ 1 ሕዳር ኣትሒዙ ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝግበር በረራታት ከም ዝቕጽል ኣረጋጊጹ እዩ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሲንጋፖር ኣውስትራሊያዊያን ካብ 8 ሕዳር ጀሚሮም ብዘይ ውሸባ ናብታ ሃገር ክጉዓዙ ከምትፈቅድ ኣፍሊጣ ኣላ።

ሚስተር ሞሪሰን ንኔትዎርክ ሰቨን ፡ "ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝዀኑ ኣውስትራልያውያን ፡ ድሮ ነቲ ዓለምለኻዊ ወረቐት ምስክር ክታበት ኸሕዙ ክኢሎም እዮም" በለ ።

"ሕጂ ምስቲ ምስ ሲንጋፖር እተገብረ ናይ ኣሰራርሓ መሰናድዎ ንምትግባር ንቀራረብ ኢና ።"

International COVID-19 Vaccination Certificate
You'll need to use an International COVID-19 Vaccination Certificate to travel overseas. Source: Getty Images/ d3sign
ሚኒስተር ጥዕና ግሬግ ሃንት ፡ እቲ ለውጢ ምስቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መጠን ክታበት ብዝሰማማዕ መገዲ ከም እተገብረ ገሊጹ ።

"ኣውስትራሊያዊያን ምስ ሰቦም ክራኸቡ ንደሊ ኢና ፤ ናይ ዕለት ልደት፣ ናይ መርዓ ይኹን ናይ ቤተሰብ ምብጻሕ ክኸውን ይኽእል እዩ ።" ሚስተር ሃንት

ኣውስትራሊያውያን ሙሉእ ብሙሉእ ተቐባልነት ዘለዎ ወይ ተቐባልነት ዘለዎ ክታበት ከምዝረኽቡ ምርግጋፅ ከድልዮም እዩ ።

እቲ ካልኣይ ክታበት ዶዝ ፡ ጕዕዞ ቅድሚ ምጅማሩ እንተ ወሓደ ሓደ ሰሙን ኣቐዲሙ ክኸውን ኣለዎ ።

ዕድሚኦም 12 ዓመትን ልዕሊኡን ንዝኾኑ ሰባት ጥራይ ክታበታት ተቐባልነት ዝረክብ እኳ እንተኾነ ፡ እቲ ናይ ጉዕዞ ለውጢ ግን ትሕቲ 12 ዓመት ንዝኾኑ ህጻናት እውን ዝምልከት እዩ ።

እቶም ዘይተኸተቡ ናብ ወጻኢ ሃገር ንምጉዓዝ ገና ፍቓድ ከውጽኡ ከድልዮም እዩ ።

ናይ ኣውስትራሊያ ዜጋታት ፤ ነባራይ ነባራይ ህዝብን ስድራን መጀመሪያ ናብ ሃገር ክኣትዉ ይኽእሉ ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ካረን ኣንድሪውስ ፡ መንግስቲ ነቶም ክኢላታት ሰራሕተኛታትን ኣህጉራዊያን ተመሃሮን ኣብ መወዳእታ ናይ "ዚ ዓመት" ዚ ክቕበሎም ይደሊ ከምዘሎ ገሊጻ ።

"ኣውስትራሊያዊያን ምሉእ ብምሉእ ክኽተቡ ምስ ጀመሩ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናውን ኣዋርሕን ተወሳኺ ቀይድታት ንኽውሃበኒ ብሃንቀውታ እጽበ" ኢላ ።

"መንግስቲ ሞሪሰን ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ብዙሓት ምሉእ ብምሉእ ክታበት ዝረኽቡ ሰባት ሓንጐፋይ ኢሉ ንምቕባል ድሉው እዩ ።"

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝተዋህበ ቀዳማይ ክታበት ፡ ካብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝነበረ መጠን ከምዝሓለፎ ገሊጹ።

 


Share

Published

Source: AAP, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ሙሉእ ብሙሉእ ዝተኸተቡ ኣውስትራሊያዊያን ብዘይቅድመ ኩነት ካብ ሃገር ክወጹ ክኽእሉ እዮም። | SBS Tigrinya