ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብመሪሕነት ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብን ተሳትፎ ሚ/ር ትምህርቲ፡ ሓላፊ ላዕለዋይ ትምህርቲ፡ ሓለፍቲ ኮሌጃትን ወከልቲ ጨንፈር ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ ኮሌጃትን ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝግበር ዓመታዊ ገምጋም ንጥፈታት ላዕለዋይ ትምህርቲ ዳርጋ ተለሚዱ እዩ ጸኒሑ። ሎሚ ዓመት ኣብዚ ኣኼባ ፍልይ ዝበለ ፍጻመ ከም ዝነበረ ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ሰባት የንፍስዎ ኣለዉ። ከም ሓበሬታ እቶም ሰባት ድሕሪ ብሓለፍቲ እተን ኮሌጃት ዝተዋህበ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ኣቶ የማነ ነቶም ብ "ሕመረት" ዝፍለጡ ዓይንን እዝንን መንግስቲ ኮይኖም ከም ዘገልግሉ ዝሕመዩ ወከልቲ ሃ.ማ.መ.ት.ኤ ጨንፈር ኮሌጃት ፡ "ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ሳላ ኣብ መትከሎም ጸኒዖም ዘረጋገጽዎ ዓወት . . . ድሕሪ ምትንታን ድሕሪ ደጊም ተረከብቲ ሃገር ንስኹም ኢኹም. . . " ዝትሕዝቶኡ መደርኡ ኣብ ዝሰዓበ ሕቶን መልሲን ዘይተጸበዮ "ቅዋም ንኸይትግበር ዕንቅፋት ኮይኑ ዝጸንሐ ምስ ወያነ ዝነበረና ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ኩነታት እዩ። ሕጂ ንሱ ካብ ተፈትሐ ቅዋም መዓስ እዩ ዝትግበር?" ዝብል ሕቶ ቀሪቡሉ። ኣቶ የማነ በቲ ዝቐረበሉ ዘይተጸበዮ ሕቶ ኣንጸርጺሩ ቀዳምነት ህዝብን መንግስትን ኤርትራ እምበር ቅዋም ከም ዘይኮነ ከእምን ዝሕልን መልሲ ከም ዝሃበ ተፈሊጡ። ገለ ተዓዘብቲ ብፍላይ ካብቶም ቀንዲ ደገፍቲ ህግደፍ ዝኾኑ መንእሰያት ከምዚ ዝበለ በዳሂ ሕቶታት ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ምቕራቡ ጉዳይ ኤርትራ ከምቲ በዚ ናይ ሎሚ ቅነ ፍጻመታት ዝተሰናበዱ ገለ ገለ ካብ ደለይቲ ፍትሒ ብማሕበራዊ ሚድያታት ዝስማዕ ዘሎ ቁዘማ ተስፋ ዘቑርጽ ከም ዘይኮነ ርእይቶኦም ዝሃቡ ኣለዉ።
“ነገር ካብ ተወድአ፡ ቅዋም መዓስ’ዩ ክትግበር?” ክብሉ ሃ.ማ.መ.ት.ኤ ጨንፈር ኮሌጃት ኤርትራ ንኣቶ የማነ ገ/ኣብ ሓቲቶም
"ቅዋም ንኸይትግበር ዕንቅፋት ኮይኑ ዝጸንሐ ምስ ወያነ ዝነበረና ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ኩነታት እዩ። ሕጂ ንሱ ካብ ተፈትሐ ቅዋም መዓስ እዩ ዝትግበር?" ካብ ሃ.ማ.መ.ት.ኤ ጨንፈር ኮሌጃት ዝብል ሕቶ ን ኣቶ የማነ ቀሪቡሉ።

Share
