"ብመዲያታት ብልጽግና ፥ ኣብዚ እዋን ሞይተ ወይ ኣብ ሱዳን ኣሎ ስለዝበሃል፡ ሰባት ብህይወት ኣብ ትግራይ ክርእዩኒ ክግረሙ እዮም።"ጌታቸው ረዳ

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ቤተማራ ዝተባህለ ከባቢ ሓንቲ ነፋሪት ኲናት ከምዝተሃርመት ገሊጹ።

SBS Tigrinya News

Source: Twitter YT

ካብቶም መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝደልዮም ዘሎን ካብ ላዕለዎት ኣባላት መሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝኾነ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ድሕሪ ናይ ሰሙናት ስቕታ ብትዊተር መልእኽቲ ኣሕሊፉ። “እዚ ኲናት ክሳብ መዓስዩ ተሓቢኡ ክቕጽል?” ኢሉ ዝጀመረ እቲ መልእኽቲ “ኣብይ ኣብዚ ኲናት ዝገበረና ነገር እንተሎ ልክዕ ከምቲ ሰብኣዊ ግፍዒታት ዘውረዶ፡ ርክባት ምዕጻዉ እዩ።” ኢሉ።

 

ኣብ መልእኽቱ ኣቶ ጌታቸው ረዳ  ኣብ ቤተማራ ሓንቲ ነፋሪት ኲናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝወደቐትን  እቲ ኲናት ኣብ ብዙሕ ግንባራት ይቕጽል ከምዘሎን ገሊጹ።

 “እቲ ዘርኢ ምጽናት ስርሒቶም “ምኽባር ሕጊ” ብዝብል ክሽፍንዎ እንተፈተኑ’ኳ፡ ኢሳያስን ኣቢይን ኣሻሓት ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን የህልቑ ኣለዉ።” ክብል ገሊጹ ኣሎ።

 

መዲያታት መንግስቲ ከምዝሞተ ወይ ኣብ ሱዳን ከምዘሎ ይገልጻ ምህላወን፡ ሰባት ኣብ ትግራይ ብህይወት ምህላዉ ክሰምዑ ክግረሙ ምዃኖም ኣቶ ጌታቸው ኣብ መልእኽቱ ኣስፊሩ ኣሎ።

 

ኣብ መወዳእታ “መዲያታት ሰልፊ ብልጽግና ፥ ኣብዚ እዋን ሞይተ ወይ ኣብ ሱዳን ኣሎ ስለዝበሃል፡ ሰባት ብህይወት ኣብ ትግራይ ክርእዩኒ ክግረሙ እዮም።  ነዚ ኽጽሕፍ’ከለኹ፡ ሓይልታት ጸላኢ ኣብ ዕደትን ጽምብላን ኣማኢት ወተሃደራት ከሲሩ ኣሎ።” ኢሉ።

 

እቲ መዝገብ ትዊተር ወይ ኣካውንት ናይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምዃኑ ተጠራጢሮም ካልእ ሰብ ዶ ጽሒፍሉ ይኸውን፡ ንዕኡ'ውን ባዕሉ እቲ ዝጸሓፈሉ ቦታ ኣብ ምቅላዕ ኣብ ሓደጋ ኣየውድቖን'ዶ ዝብሉ ሰባት ኣይተሳእኑን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ካልኦት ኣባላት ህወሓትን ዘለውዎ ቦታ ዝሓበረ ናይ ሚልዮናት ብር ክህቡ ምዃኖም ገሊጹ ከምዘሎ ይዝከር።


Share

Published

Updated


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service