ካብቶም መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝደልዮም ዘሎን ካብ ላዕለዎት ኣባላት መሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝኾነ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ድሕሪ ናይ ሰሙናት ስቕታ ብትዊተር መልእኽቲ ኣሕሊፉ። “እዚ ኲናት ክሳብ መዓስዩ ተሓቢኡ ክቕጽል?” ኢሉ ዝጀመረ እቲ መልእኽቲ “ኣብይ ኣብዚ ኲናት ዝገበረና ነገር እንተሎ ልክዕ ከምቲ ሰብኣዊ ግፍዒታት ዘውረዶ፡ ርክባት ምዕጻዉ እዩ።” ኢሉ።
ኣብ መልእኽቱ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ቤተማራ ሓንቲ ነፋሪት ኲናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝወደቐትን እቲ ኲናት ኣብ ብዙሕ ግንባራት ይቕጽል ከምዘሎን ገሊጹ።
“እቲ ዘርኢ ምጽናት ስርሒቶም “ምኽባር ሕጊ” ብዝብል ክሽፍንዎ እንተፈተኑ’ኳ፡ ኢሳያስን ኣቢይን ኣሻሓት ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን የህልቑ ኣለዉ።” ክብል ገሊጹ ኣሎ።
መዲያታት መንግስቲ ከምዝሞተ ወይ ኣብ ሱዳን ከምዘሎ ይገልጻ ምህላወን፡ ሰባት ኣብ ትግራይ ብህይወት ምህላዉ ክሰምዑ ክግረሙ ምዃኖም ኣቶ ጌታቸው ኣብ መልእኽቱ ኣስፊሩ ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ “መዲያታት ሰልፊ ብልጽግና ፥ ኣብዚ እዋን ሞይተ ወይ ኣብ ሱዳን ኣሎ ስለዝበሃል፡ ሰባት ብህይወት ኣብ ትግራይ ክርእዩኒ ክግረሙ እዮም። ነዚ ኽጽሕፍ’ከለኹ፡ ሓይልታት ጸላኢ ኣብ ዕደትን ጽምብላን ኣማኢት ወተሃደራት ከሲሩ ኣሎ።” ኢሉ።
እቲ መዝገብ ትዊተር ወይ ኣካውንት ናይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምዃኑ ተጠራጢሮም ካልእ ሰብ ዶ ጽሒፍሉ ይኸውን፡ ንዕኡ'ውን ባዕሉ እቲ ዝጸሓፈሉ ቦታ ኣብ ምቅላዕ ኣብ ሓደጋ ኣየውድቖን'ዶ ዝብሉ ሰባት ኣይተሳእኑን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ካልኦት ኣባላት ህወሓትን ዘለውዎ ቦታ ዝሓበረ ናይ ሚልዮናት ብር ክህቡ ምዃኖም ገሊጹ ከምዘሎ ይዝከር።