ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ብ 17 መጋቢት 2023 ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ንኣቶ ጌታቸው ረዳ ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝምስረት ጊዝያዊ ምምሕዳር ፕሬዝዳንት ክኸውን ብድምጺ ብልጫ ከምዝተሓጽየ ነቲ ውድብ ቅርበት ካብ ዘለዎም ኣካላት ድምጺ ኣሜሪካ ከምዘረጋገጺ ጸብጺቡ።
ዓለምለኸ ማሕበር ምሁራን ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሌ/ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ምክትል ፕሬዝዳንት እቲ ክልል ክኾኑ ሕጹይ ገይሩ ከም ዘቕረበ ይዝከር።
ናይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሹመት ካልኦት ኣባላት ካቢኔ እቲ ጊዝያዊ ምምሕዳርን ሹመት: ኣመራርሓ እቲ ክልል ምስ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ጉዳይ ምምስራት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘትዮም ድሕሪ ምጽዳቖም እቲ ምምሕዳር ስርሑ ከምዝጅምር ተፈሊጡ ኣሎ ክብል እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ።