SKIP TO MAIN CONTENT

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕሬዝዳንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንክኸውን ብ ህወሓት ተመሪጹ

ክሳብ ሎሚ ናይ ክልል ትግራይ ፕረሲደንት ኮይኑ ክመርሕ ዝጸንሐ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል እዩ።

ጌታቸው ረዳ
Credit: Twitter

1 min read

Published

Source: SBS


Skip to article content

ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ብ 17 መጋቢት 2023 ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ንኣቶ ጌታቸው ረዳ ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝምስረት ጊዝያዊ ምምሕዳር ፕሬዝዳንት ክኸውን ብድምጺ ብልጫ ከምዝተሓጽየ ነቲ ውድብ ቅርበት ካብ ዘለዎም ኣካላት ድምጺ ኣሜሪካ ከምዘረጋገጺ ጸብጺቡ።

ዓለምለኸ ማሕበር ምሁራን ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሌ/ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ምክትል ፕሬዝዳንት እቲ ክልል ክኾኑ ሕጹይ ገይሩ ከም ዘቕረበ ይዝከር።

ናይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሹመት ካልኦት ኣባላት ካቢኔ እቲ ጊዝያዊ ምምሕዳርን ሹመት: ኣመራርሓ እቲ ክልል ምስ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ጉዳይ ምምስራት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘትዮም ድሕሪ ምጽዳቖም እቲ ምምሕዳር ስርሑ ከምዝጅምር ተፈሊጡ ኣሎ ክብል እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now