ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ እቲ ኣብ 74 ሃገራት ንኣስታት 17,000 ሰባት ዝጸለወ ሕማም ፡ ዓለምለኻዊ ህጹጽ ረድኤት ጥዕና ምዃኑን ፡ እቲ ዝለዓለ መጠንቀቕታ ምዃኑ ኣዊጁ ኣሎ ።
ሓልፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ፡ "እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርአ ዘሎ ሕማም ማንኪፖክስ ፡ ንህዝቢ ዓለም ዘተሓሳስብ ህጹጽ ኵነታት ጥዕና ከም ዘመልክት ወሲነ እየ" በለ ።
ብሓሙስ እተራኸቡ ሓደ ክኢላታት ዝቘመ ኮሚተ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ክበጽሑ ስለ ዘይከኣሉ: እቲ ናይ ዝለዓለ መጠንቀቕታ ኣዋጅ ንሱ ባዕሉ ክውስኖ ተገዲዱ ኣሎ ።
"ናይ ዉድብ ጥዕና ዓለም ገምጋም፡ ሞንኪፖክስ ኣብ መላእ ዓለምን ኣብ ኵሉ ዞባታትን ፡ እቲ ሓደጋ ማእከላይ ኮይኑ ፡ ኣብ ዞባ ኤውሮጳ እቲ ሓደጋ ልዑልዩ ኮይኑ ተረኺቡ" ክብል ገሊጹ ።
ብመሰረት እቲ ብ22 ሓምለ ዝወጸ ናይ ሕቡራት መንግስታት ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማም (CDC) ዝሃቦ መግለጺ ሞንኪፖክስ ኣብ 74 ሃገራት ዝነብሩ ልዕሊ 16,800 ሰባት ለኺፉ ኣሎ ።
ክሳዕ ሕጂ ፡ ሞንኪፖክስ ኣብ ኣፍሪቃ ሞት ከምዘስዓበ ተጸብጺቡ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ናይጀርያን ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ፡ እቲ ሓደገኛ ዓይነት ናይቲ ቫይረስ ይዝርጋሕ ኣሎ ።
ኣብ ኣውስትራሊያ ብNSW (22) ከምኡ "ውን ብ ቪክቶሪያ (15) ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ 41 ዝተረጋገጹን ተኽእሎታት ዝተረኽቡን ከምዝኾኑ ጸብጻብ ክፍሊ ጥዕና 19 ሓምለ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ካብ መጀመርታ ግንቦት ኣትሒዙ ኣብተን እቲ ሕማም ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ዘስፋሕፍሐን ሃገራት ምዕራብን ማእከላይ ኣፍሪቃን ወጻኢ ሞኒፖክስ መልከፍቲ ተራእዩ እዩ ።
ብሓፈሽኡ 98 ሚእታዊት በቲ ሕማም ዝተታሕዙ ሰባት ግብረሰዶማዊያን ወይ ክልተኣዊ ጾታ ዘዘውትሩ ደቂ ተባዕትዮ እዮም ፡ ሲሶ ድማ ኣብ ውሽጢ እታ ዝሓለፈት ወርሒ ጾታዊ ርክብ ዝፍጸመሉ ቦታታት ከም ፓርቲታት ወይ ናይ ሳዉና ዝኣመሰሉ ቦታታት ከም ዝበጽሑ ይፍለጥ ።
ክኢላታት ከም ዝብልዎ ፡ ሞንኪፕሮክስ መብዛሕትኡ ግዜ ጥቡቕ ርክብ ብምግባር ዝዝርጋሕ ፈኲስ ቫይረሳዊ ረኽሲ እዩ ።
በዲዶ ህበይ (monkeypox) እንታ እዩ?
በዲዶ ህበይ ወይ ሞንኪፕኦክስ ብቫይረስ ዝመጽእ ሕማም ዙኖሶስ ወይ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ ሕማም እዩ ፣ እዚ ቫይረስ እዚ ፡ ካብ እተፈላለዩ ዘርኢ ኣናጹን ካብ ዘይሰብ ዘጠቓልል እዩ ።
ብመሰረት ኣብ ዩኒቨርሲቲ NSW ተመራማሪት ሕማማት ፕሮፌሰር ረና ማኪንተር ፡ ምስ "ቲ በዲዶ (ስሞልፖክስ) ዘስዕብ ቫይረስ ኣጸቢቑ ዝተኣሳሰር እኳ እንተዀነ ፡ እቲ ሕማም ግን ብሕክምናዊ መዐቀኒ ትሑት ሓደጋ ዘለዎ እዩ ።
"መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እንስሳታት ፡ እንተላይ ኣብ ኣህባይ ፡ ኣብ ካልኦት እንስሳታት እውን ይርከብ እዩ ፣ ሓሓሊፉ ከኣ ካብ እንስሳታት ናብ ሰብ ፡ ሓሓሊፉ እውን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክመሓላለፍ ይኽእል እዩ" ፕሮፌሰር ማኪንተር ን SBS ዜና ሓቢራ ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ኣብ 1980 በዲዶ ስለ ዝጠፍአን ብድሕሪኡ ከኣ ክታበት ስሞልፖክስ ስለ እተወድአን ፡ "ንጥዕና ህዝቢ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ኦቶፖክስቫይረስ" ኰይኑ ከም ዝወጸ እዩ ዝገልጽ ።
ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ብ1970 ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ሓደ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ህጻን እዩ ንፈለማ እዋን በዲዶ ህበይ ተራእዩ ። ኣብቲ ዞባ ቅድሚ ክልተ ዓመት'ዩ ፡ ስሞልፖክስ ተወጊዱ ።
ኣብ ማእከላይን ምዕራብን ኣፍሪቃ ክልተ ዓሌት በዲዶ ህበይ ቫይረስ ኣሎ ።
"እቲ ሓደ ዓይነት ሓደ ሚእታዊ ናይ ምቕታል ተኽእሎ ዘለዎ እዩ። እዚ ድማ ምስ ኮቪድ-19 ዝመሳሰል እዩ ። እቲ ካልአይ ከኣ ዳርጋ 10 ሚእታዊ ናይ ምቕታል ተኽእሎ ዝለዎ እዚ ምስ ሳርስ ዘለዋ ኰይና ፡ ምስቲ ቀዳማይ SARS ዝመሳሰል እዩ " ትብል ፕሮፍ ማኪንታየር።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዘየማዕበላ ሃገራት ዝላባዕ ዘሎ ሕማም ፡ እቲ ከቢድ ኣይኮነን ።
ብኸመይ ይላባዕ፡ እቲ ምልክታት'ከ ከመይ ይመስል?
በዲዶ ህበይ ምስ ዝተለኽፈ ሰብ ወይ እንስሳ ብቐረባ ብምርካብ ናብ ሰብ ከመሓላልፍ ከም ዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ ። ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ሰብ ብሎሺን ፣ ናይ ሰውነት ፈሰስቲ ወይከኣ በቲ ቫይረስ ዝተበከለ ነገር ይመሓላለፍ ።
ናይ ኣውስትራሊያ ሕክምና ማሕበር (AMA) ምክትል ፕረዚደንት ዶ/ር ክሪስ ሞይ ከምዝብሎ ከም ኮቪድ-19 ዝኣመሰሉ ቫይረሳት ዘይኮነ " ከም ባርዕ ሓዊ በረኻ ዘስፋሕፍሕ ነገር ዘይኮነ ብምትንኻፍ'ዩ ዝላገብ ።"
"ብሓቂ ንምሓዝ ኣዝዩ ከቢድ እዩ ። ብሓፈሽኡ ምስ ካልእ በዚ ሕማም ዝተታሕዘ ሰብ ጥቡቕ ዝኾነ ኣካላዊ ምትንኻፍ ከምዘድልዮን ብቖርበትካ ፣ ነቓዕ ቆርበትካ ወይ ብዓይንኻ ወይ ብኣፍንጫኻ ይሓልፍ "ብምባል ን SBS ኒውስ ሓቢሩ ።
ዶ/ር ሞይ ከምዝገለፆ መብዛሕተኦም መልከፍቲ ልኡማት ከምዝኾኑን ምልክታት ልዑል ረስኒ ፣ ሕማም ርእሲ ፣ ሕበጥ መላግቦታት ፣ ጭዋዳታትን ሰውነትናን ከምኡ'ውን ኣብ ሰውነትና ዝርአ ሕበጥ ዘቃልዑ እዮም ።
እቶም በዲዶ ህበይ ዘለዎም ሰባት ብሓፈሻ ክሳብ 21 መዓልቲ ዝጸንሕ መልከፍቲ ከስዕቡ ይኽእሉ ፡ እዚ ክሳብ እቲ ሎሺን ዝሓወየሉን ምልክታቱ ዘቋረጸን ይጸንሕ።
መን'ዩ ኣብ ሓደጋ ዘሎ?
ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ሰባት ፡ በቲ ሕማም ምስ ዝተለኽፈ ሰብ'ሞ ምልክታት ሕማም ዘለዎም ጥቡቕ ኣካላዊ ምትንኻፍ ዝነበሮም እዮም ።
ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ጆን ብለኪ ፡ ኣብ ሆስፒታል ሰር ቻርለስ ጋርድነር ሓኪም ስርዓተ ምስትንፋስ ኰይኑ ዘገልግል ሓኪም ን SBS ዜና ፡ "ከምዚ ዓይነት ባህርያዊ ተጻዋርነት ዘይብልና ቫይረስ እንተ ረኺብና ፡ ኵላትና ኣብ ሓደጋ ኢና ዘለና" ኢሉ ።
ላዕለዋይ ክኢላ ናይ ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ዶክተር ሮዛሙንድ ልዊስ ፡ ኣብዚ ሰሙን እዚ ከም ዝገለጾ ፡ ካብ ኣፍሪቃ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ 99 ሚእታዊት ዝዀኑ ሞኒፖክስ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝነበሩን እቶም 98 ሚእታዊት ምስ ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ሰብኡት ከም ዝነበሩን እዩ ።
ፕሮፌሰር ብላክይ እዚ ክኸውን ዝኽእል ፡ ኣብ ክንዲ እዚ ማሕበረሰብ እዚ ነቲ ቫይረስ ንምሓዝ ዝያዳ ተኣፈፍቲ ዝዀኑ ፡ እቲ ቫይረስ ክመሓላለፍ ስለ ዝኽእል እዩ ።
"ኣብ መንጎ እቶም ምስ ሰብኡት ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ሰባት ብዙሕ ከም እተመሓላለፈ እዩ ዝርአ ።
ምክትል ኣካያዲ ስራሕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት UNAIDS ዝዀነ ማቲው ካቫናግ "ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ስም ክለዓል ከሎ ብውጽኢታዊ መገዲ መልሲ ንምሃብ ዘይምትእምማንን ተሓታትነትን ዘዳኽም እዩ" በለ ።
ክሳዕ ክንደይ ኢና በዚ ክንሻቐል ዘሎና ?
ዶክተር ሞይ ከምዝብሎ ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ኣብዚ እዋን "ዚ ህዝቢ ናይ ምስንባድ ነገር ኣድላይነት የብሉን ኢሉ ።
"እዚ ዝያዳ ናይ ሕክምና ጕዳይ ጥራይ ኣይኰነን ፣ ዝያዳ ሓበሬታ ክንረክብ ከለና ከኣ ፡ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ዝያዳ ንሕሰብ" በለ ።
"ድሕሪ ኮቪድ-19 ኵላትና ሰንቢድና ኢና ፡ ብዛዕባ በዲዶ ህበይ ግን ከምዚ ዓይነት ዘረባ እንዛረብ ኣይመስለንን ።"
ፕሮፌሰር ብላከይ ፥ ሰባት ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ክሳብ ሐጂ ልሙድ ዝኾኑ ቀሊል ስጉምትታት ክወስዱ ኣለዎም ፤ እዚ 'ውን ኣካላዊ ርሕቐት ምሕላው ፣ ኣብ ምስዓልን ምህንጣስን ጥንቁቓት ምዃን ፣ ማስክ ኣብ ዝተጨቓጨቑ ህዝባዊ ቦታታት ምኽዳንን ኣእዳውካ ምጽርራይን የጠቓልል ።
ዝተበከለ ኽዳውንትንኣንሶላን ብምሓዝ እውን እቲ ቫይረስ ክመሓላለፍ ከም ዝኽእል ሰባት ክፈልጡ ይግባእ ኢሉ ።
ክታበትከ?
ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዝገለጾ ፡ ሓድሽ ክታበት ማዕቢሉ ክሳብ ዝጸድቕ፡ ኣብ እዋን ምጥፋእ ሕማም ስማልፖክስ ዝጥቀሙሉ ክታበታት ፡ ካብ በዲዶ ህበይ እውን ምክልኻል ይከኣል እዩ ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ሃገራት ኣብ ናይ ክታበት ስትራተጂታት ሓድሽ መምርሒ ንኽወሃበን ይሰርሕ ኣሎ ፡ ከምኡ 'ውን ኣባል ሃገራት ነቲ ኩነታት ብኸመይ ክፈትሕኦ ከም ዝኽእላ ተወሳኺ ኣኼባታት የካይድ ኣሎ ኦሉ።
ገለ ሃገራት ነቲ ቫይረስ ተቓሊዖም ክዀኑ ንዝኽእሉ ሰባት ክታበት ንምሃብ ድሮ ጥንቃቐ ይገብራ ኣለዋ ።
ፈረንሳን ዴንማርክን ምስ ቫይረስ ዘለዎም ብቐረባ ዝተራኸቡ ሜላታት ክታበት ጀሚረን ኣለዋ ፣ ጀርመን 40,000 ዶዝ ኣብታ ሃገር ዝላባዕ ዘሎ ሕማም እንተ በርቲዑ ተመሳሳሊ ሜላ ንምውፋር ድሉዋት ክኾና ኣዚዛ ኣላ ።
ዶ/ር ሞይ ፡ ኣብዚ እዋን 'ዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ንበዲዶ ህበይ ናይ ክታበት ስትራተጂ የለን ፡ ኣብ መጻኢ ኣድላይ እንተኾይኑ ግን ብብዝሒ ኣብ ቀረባ ርክብ ከምዘተኩር ገሊጹ ።
ሓላፊት ጥዕና ቪክቶሪያ ብረ ሱተን ከምዝገለጾ ፥ ምስ ፈደራል መንግስቲ ብዛዕባ ሃገራዊ ሕክምና ኣብ ኣጠቓቕማ ክታበት ስሞልፖክስ ንዝተለኽፉ ሰባት ብዛዕባ ኣብ ጥቕሚ ምውዓሉ ዝምልከት ዝርርባት ይካየድ ከምዘሎን ፥ ምስ ተኽእሎታት ውሑድ ክፋል ናይ ኣብ ቅድሚት ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ክኽተቡ ከምዘለዎም ሓቢሩ ።
ንሱ ምስ ቫይረስ ዘለዎ ሰብ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ሰብ ንኽውሸብ ይሕተት እዩ ኢሉ ። መን ምስ መን ናይ ቀረባ ርክብ ከም ዘለዎን ንኽትፍለ ግዜ ከም ዝወስድን ከም ዝውሰን ሓቢሩ ።
ናይቲ ግዝኣት ክፍሊ ጥዕና ፡ ምልክታት ሕማም ንዘርኣየ ዝኾነ ሰብ ብፍላይ ኣብ ቀረባ ካብ ወጻኢ ሃገር በጺሑ ዝተመልሰ ወይ ምስ ዝተለኽፈ ርክብ ምስዝህልዎ ፣ ሕክምናዊ ክንክን ክረክብ ሓቲቱ ኣሎ።