SKIP TO MAIN CONTENT

ፍሉጥ ተዋዛያይ፣ ተዋሳኣይን ደራሲን ባሪ ሃምፍሬስ ዓሪፉ

ኣውስትራልያዊ ኮሜድያን ባሪ ሃምፍሪስ ኣብ መበል 89 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ ። ንሱ ናይ ነዊኅ እዋን ህቡብ ስራሕ ዝሰርሐ ኮይኑ: በቲ ዘስሕቕ ወቐሳን ሕብራዊ ኣለባብሳን ብፍላይ : ብDame Edna Everage ይፍለጥ ነበረ ።

Barry Humphries, and his "gigastar" alter ego Dame Edna Everage, became household names in both Australia and the UK. Credit: AAP
Credit: AAP

1 min read

Published

Updated

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS


Skip to article content

ን70 ዓመት ዝኣክል ፡ ባሪ ሁምፊሪስ ንሰማዕቱን ንተዓዘብቱን ብስሓቕ ዘዘናግዐ፡ ኮሜድያን ፡ ተዋሳኢ ፡ ጸሓፊን ተዋሳኣይን እዩ ነይሩ ፣ ፈላሚ ናይ ፍሉት መስሓቒ ተባሒሉ ድማ ይፍለጥ ።

ኣብ ኣውስትራልያ ብዙሕ ኣገዳስነት ፍልይ ዝበሉ ገጸ ባህርያት ፈጠረ ፡ ንገዛእ ርእሱ ድማ "ተዃታዂ" ኢሉ ብሓበን ይገልጻ ።

ብ1934 ኣብ መልበርን ተወልደ: ኣብ ዩኒቨርሲቲ መልበርን ብዛዕባ ሕጊ: ፍልስፍናን ስነ-ጥበብን እናጽንዐ'ከሎ መስሓቒ ስነጥበባዊ ክጽሕፍን ከካይድን ጀመረ ።

ኣብ መፋርቕ 50ታት ፡ፍልጥቲ ወ/ሮ ኣቨረጅ ዝስማ ናይ ገዛ ሰበይቲ ኣብ መልበርን ገጸ ባህሪ ብምፍጣር ክሰርሕ ጀመረ ።

ቀዳማይ ሚኒስትር አንቶኒ አልባኒዚ ነቲ ኣብ መበል 89 ዓመቱ ካብዚ ዓለም ዝተፈልየ ህቡብ ተዋዛያይ፣ ተዋሳኣይን ደራሲ ባሪ ሃምፍሬስ ዝተሰምዖ ዓሙቕ ሓዘን ገሊጹ ኣሎ።

ሃምፍሬስ ካብዚ ዓለም ዝተፈልየ ኣብቲ ብሕክምና ዝእለየሉ ዝነበረ ኣብ ሲድኒ ቅዱስ ቪንሰንት ሆስፒታል ቤተ ሰቡ ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝተረኽብሉ እዩ ነይሩ።

ቤተ ሰቡ ብቐዳም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ "ክሳብ መወዳእታ ህይወቱ ገዛእ ንርእሱ ዝነበረን፡ እቲ ዘገርም ኣእምሮኡን፡ ናይ ጥበብ ዉህበት ዘለዎ መንፈሱን ከየጥፈአ እዩ ሓሊፉ" ኢሎም።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now