መንግስቲ ፡ ኣንስትን ቈልዑን ካብ ሶርያ ክምለሱ ከም ዝጸንሑ ን ኣዋርሕ ፈሊጡ ከምዝጸንሐ ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣውስትራሊያ እቶም ካብ መዳጎኒ ማእከል ሶርያ ባሰጋገርቶ ዝወጹ ሰባት ናብ ኣውስትራሊያ ክምለሱ ከምዝደልዩ ንፈለማ እዋን ኣብ ወርሒ ሰነ እዩ ፈሊጡ ።

A row of women and children wearing black outfits standing amid tents

There are 37 Australian citizens, including 25 children, in the al-Roj camp, which currently houses 2,500 people. Source: EPA / Ahmed Mardnli

መንግስቲ ኣልባነስ ደቀንስትዮን ህጻናትን ካብ ሶርያ ይምለሱ ከም ዝነበሩ ንኣዋርሕ ዝኣክል ፈሊጡ ከምዝጸንሀ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣፍሊጡ ።
ብዓርቢ ሽዱሽተ ኣንስትን ህጻናትን ካብቲ ኣብ ሶሪያ ዝርከብ ዓመጸኛ መዳጎኒ ማእከል ኣል-ሆል ብሊባኖስ ኣቢሎም ብኮንትሮባንድ ድሕሪ ምውጻኦም ናብ ኣውስትራሊያ ተመሊሶም ።

እተን መብዛሕትኡ ግዜ መርዑት ኣይሲስ (ISIS) ተባሂለን ዝጽዋዓ ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑተንን ፡ ድሕሪ እቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ (ISIS) ኢሉ ዝጽውዕ ጉጅለ ኣብ 2019 ድሕሪ ምውዳቑ፡ ኣብ ናይ ውሽጢ ሃገር ተፈናቐልቲ ዝነብርሉ ካምፕ እዮም ክነብሩ ጸኒሖም።
ሰብኡተን ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም እናተዋግኡ ተኣሲሮም ወይ ተቐቲሎም እዮም ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፔኒ ዎንግ ፡ ብዛዕባ ብልክዕ ብዝሒ ዝተመልሱ ሰባትን ኵነታት እቶም ዝምለሱ ሰባትን ከተርድእ ኣጨናቒ ሕቶ ምስ ቅረበላ ነቲ ጉዳይ ናብቲ ክፍሊ ዉሽጣዊ ጉዳይ እያ መሪሓቶ።
ጸሓፊ ክፍሊ ስተፋኒ ፎስተር ከም ዘረጋገጾ እቶም ዝምለሱ ዘለዉ ኣውስትራሊያዊያን ዘይከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመሳሳሊ ኣገባብ ብመንግስቲ ተሓጊዞም ኣይኮኑን ዝመጹ ዘለዉ ።

ንሳ ብሰሉስ ኣብ ባይቶ ቐሪባ ፡ "ሽዱሽተ ውልቀ-ሰባት ፡ ብዘይ ናይ መንግስቲ ሓገዝ ናብ ኣውስትራልያ ተመሊሶም ፣ እዚኦም ኽልተ ኣንስትን ኣርባዕተ ቘልዑን ዘጠቓልል እዩ" ኢላ ።
ብ26 መስከረም እዮም ናብ ኣውስትራልያ መጺኦም ።
ኣብ 2022 ኣርባዕተ ኣንስትን 13 ህጻናትን ከምኡውን ሸሞንተ ኣላዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝርከቡዎም ጕጅለ ኣብ 2019 ናብ ኣውስትራሊያ ተመሊሶም እዮም።
ናይ ሊበራል ሰነተር ጀምስ ፓተርሰን እቶም ውልቀ-ሰባት ናብ ኣውስትራሊያ ንመዓስ ክምለሱ ከምዝደልዩ መዓስ ፈሊጡ ክብል ሓተተ ።
"ኣብ ሰነ እዛ ዓመት እዚኣ እዩ ነይሩ" ብምባል ድማ ፎስተር መሊሱ ።
እቲ ክፍሊ ፡ እቶም ውልቀ-ሰባት ኣበይ ከም ዘለዉ ዝገልጽ ብዙሕ ሕቶታት ምስ ኣቕረበ ፡ ሚኒስተር ሙረይ ዋትስ ፡ ክትትል ክግበር ምዃኑ ህዝቢ ክቐስን መረጋገጺ ከምዝህብ ገሊጹ ።
"ናይ ጸጥታ ትካልና ነቶም ኣብዚ ድርዒ ዘለዉ ሰባት ከም ዝግደሰሎም ከረጋግጸሎም እኽእል እየ" በለ ።
"ኤጀንሲታትና ነዞም ውልቀ-ሰባት እዚኦም ካብ ዝከታተልዎ ብዙሕ ግዜ ሓሊፉ ኣሎ ፡ መንግስትና ድማ ንኣውስትራሊያ ውሑስ ንምግባር ኣብተን ትካላት ምትእምማን ኣለዎ" ይብል ።


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.

Share

Published

Updated

By Ewa Staszewska
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
መንግስቲ ፡ ኣንስትን ቈልዑን ካብ ሶርያ ክምለሱ ከም ዝጸንሑ ን ኣዋርሕ ፈሊጡ ከምዝጸንሐ ገሊጹ። | SBS Tigrinya