ሓለቓ ሰራዊት ምክልኻል ኣውስትራልያ ፡ ኣንጉስ ካምፕበል ፡ ነቲ ወተሃደራት ኣውስትራልያ ዘርኣይዎ ብጻይነት "ስምዒት መንፈስ ኣንዛክ" ዘንጸባርቕ ምርኢት'ዩ ብምባል ሞጉሱ።
"ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ፡ ንህዝብና ፡ ሓላፍነቶም ብብሉጽነትን ብተበግሶኦምን ግዴታኦም ዝፍጽሙ ፡ ዓብዪ ብጻይነት እርኢ እየ ። እዚ ቀንዲ መሰረት መንፈስ ኣንዛክ እዩ " ኢሉ ።
"ነቶም ብ1915 ካብ ከባቢ ጋሊፖሊ ተበጊሶም ናብቲ ሎሚ ዝግበር ዘሎ ወፈራታትን ስርሒታትን ዝኸዱ ሰባት ንዝክሮምን ነኽብሮምን ኢና ።"

ኣስታት 2,500 ኣውስትራሊያውያን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ኣብ ትሕቲ ናይ ኣውስትራሊያ ምክልኻል ሓይሊ የገልግሉ ፤ እቲ ኣብ ናይ ሓደጋ ረድኤትን ኮቪድ-19 ዝግበር ናይግብረመልሲ ጻዕርታት ዝሕግዙ'ዮም ።
ኣውስትራሊያውያን ካብ 2019 ጀሚሮም ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ህዝባዊ ጽምብላት ንምስታፍ ኣብቲ ቘራሪ ወጋሕታ ኣብ መላእ ሃገር ተኣኪቦም ኣርፊዶም።
ዝሓለፈ ዓመት ፡ መዓልቲ ኣንዛክ ብተለቭዥን ጥራይ እያ ተዘኪራ ሓሊፋ፡ ኣብ ውሽጢ ልዕሊ ሓደ ዘመን ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ሰባት ኣብ ግዳም ወጺኦም ከይዘከርዋ ዝሓለፉላ ናይ ፈለማ እዋን እያ ኔራ።

ኣብ ምዕራባ ኣውስትራሊያ ኣብ ፐርዝ ከምኡ'ውን ዞባ ፔርቴል ኣብ ሆቴል ናይ ውሸባ ምልባዕ ብምግጣሙ ንማሕበረሰብ ቫይረስ ምትሕልላፍን ናይ ሰለስተ ማዕልታት ምዕጻው ስለተገብረ ኣንዛክ ብዘይካ ኣብዚ ቦታ ኣብ ካልእ ኣብ ደገ ህዝቢ ተኣኪቡዩ ዘኪርዎ ዊዒሉ።
ሰንበት መበል 106 ዓመት ናይቲ ኣብ ጋሊፖሊ እተገብረ ወተሃደራዊ ወፍሪ ዝዝከረሉ ዘሎ መዓልቲ እዩ ፣ እዚ ወፍሪ እዚ ልዕሊ 8,700 ህይወት ኣውስትራልያውያን ዘጥፍአ እዩ ።
ብዙሓት ኣውስትራሊያዊያን ልክዕ ከም ዝሓለፈ ዓመት ወጋሕታ ኣብ ገዛ ደው ብምባል ኣብ ገዛኦም ኮይኖም ዝኽሪ ጌሮም ፡
'እቲ ጽንዓት ኣብ ንሓድሕድና ኣሎ "
ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ፡ ነቲ ኣብ ሓወልቲ ዝኽሪ ኣውስትራልያ ዝተገብረ ናይ ዝኽሪ በዓል ኣመልኪቱ ኣብዘገበሮ መደረ'ዩ እዚ ኢሉ።
"ስግኣትን ሓደጋን ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ፡ መጻኢና ኣዝዩ ዘየተኣማምን ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ክንእክብ ኣይከኣልናን: ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ሎሚ ነዚ ብሽምዓን ብረዲዮን ዝግበር ዝኽሪ ክትግበር ተገዲዳኣላ ።"
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣስዕብ ኣቢሉ ፡ "ኵላትና ብሓባር ኴንና ድማ ፡ ነቲ ዝሓለፈና ብርሃን ወጋሕታ ነዚ ዘሎ ጸልማት ኸብርሆ ጸዊዕናዮ ኣለና ፣ ከምኡ ምስ እንገብር ከኣ ፡ መንነትና ዝገልጽ ዓሚቝ ሓቂ እንደገና ረኺብና ኣለና ፣ በዚዩ ድማ ኣብ ንሓድሕድና ሓይልና እዩ ዝርከብ" ኢሉ ።

ኣብ ባልመይን/ ሲድኒ ኣብ ናይ ወጋሕታ ዝኽሪ እተኻፈለ መራሒ ሰልፊ ለበር ኣንቶኒ ኣልባነዝ ፡ ጸብጻብ ብራይተን ምስ ወጸ ፡ ንኣባል ሰራዊት ከም ገበናት ውግእ ፡ ካብ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ከምኡ እውን እቲ ኣብ መጽናዕቲ ዝርከብ ጉዳይ ርእሰ ቅትለት ወተሃደራት ዝግበር ዘሎ ዝኽሪ ብምዃኑ ኣጸጋሚ እዋን ምዃኑ ገሊጹ ።
ንሱ ኣብ መግለጺኡ ፡ "ስለዚ ከኣ እዩ ኣብዚ መዓልቲ ኣንዛክ ንዅሎም እቶም ዘገልግሉ ሰራዊትና ዘሎና ኣኽብሮት ኸነርኢ ኣገዳሲ ዝዀነ ፣ ምናዳ ከኣ ኣብዚ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ፈታኒ ኵነታት ዓለም ዕቝባ ዝገብሩና ዘለዉ ወለዶ ሰብኡትን ኣንስትን እውን ኣኽብሮት ኸነርኢ ኣሎና" ኢሉ ።
ኣብ መልበርን ፡ ኣማኢት ሰባት ኣብቲ ዝኽሪ ዝተኻየደሉ ልዕሊ እቲ ዝተኣወጀ ገደብ ብዝሒ ተረኺቦም ኔሮም።


ኣብ ጋሊፖሊ ዝወደቑ ወተሃደራት ተዘኪሮም
እቲ ኣብ ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን ንመዓልቲ ኣንዛክ ዝግበር ዝኽሪ ቐቅድሚ ቱርኪ እኳ እንተ ዘይነበረ ፡ ሒደት ሰባት ግና ነቶም ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝሞቱ ወተሃደራት ንምዝካር ፡ ቐቅድሚ ኣንዛክ ኣብ ዝርከብ ሓውሲ ደሴት ጋሊፖሊ ተረኺቦም ኔሮም ።
ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ፡ ኣውስትራልያ ፡ ኣይርላንድ ፡ ኒው ዚላንድ ፡ ሕንዲ ፡ ኒውፍለንድላንድ ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ፈረንሳን ዝመጹ ወተሃደራት ፡ ኣብቲ ብ25 ሚያዝያ 1915 ኣብታ ሓውሲ ደሴት ኣህጉራዊ ኩናት ተዋጊኦም ሞይቶም እዮም ።
ወተሃደራት ኦቶማንውን ፡ ንዓዶም ንምክልኻል ተቓሊሶም እዮም ፣ ፡ ረቨረንድ ፓትሪክ ኢርዊን ኣብ ዝኽሪ እቲ ኣብ ኬፕ ሄለስ ዝርከብ ቦታ ከምዚ ኢሉ ፦

በዓል ዝኽሪ ሄለስ ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ ወፍሪ ጋሊፖሊ እተገብረ ውግእ ሓባራዊ ኃብቲ እዩ ዝነበረ ፣ መቓብር ንዘይብሎም ጊልያታት ንምዝካር እውን ተባሒሉ እዩ ዝግበር ።
ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ቱርኪ ፡ ሰር ዶሚኒክ ቺልኮት ፡ ቀዳም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ኣቕሪቡ ።
ቱርክን ፈረንሳን ንዝሞቱ ወተሃደራተን ንምዝካር፡ እተፈላለየ ናይ ዝኽሪ ጽምብላት ገይረን እየን ። ኩሎም ናይ መዘከርታ ኣጋጣሚታት ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብዚ ዓመት እዚ ብውሑድ ቁጽሪ እዮም ተጌሮም።
ኣብ ቱርኪ ፡ ንእሽቶ ጽምብል ናይ ወጋሕታ ክግበር እዩ ።
ኣብ እዋን ወፍሪ ጋሊፖሊ ፡ ሰራዊት ሓይልታት ኪዳን ነታ ሓውሲ ደሴት ፡ ንሃጸያዊ ግዝኣት ኦቶማን ንምድኻም ክቆጻጸርዋ እዮም ተዋጊኦም።
እቲ ወፈሪ ስለ ዝፈሸለ ፡ እቶም ሓይልታት ንሸሞንተ ወርሒ ዝኣክል ውግእ ድሕሪ ምክያዶምን ብኽልቲኡ ሸነኽ 250,000 ዝዀኑ ወተሃደራት ድሕሪ ምውዳቖም ፡ ካብቲ ቦታ ክወጹ ተገደዱ።
ዓወት ኦቶማን ንንግስነት ኦቶማን ንኽወድቕ ደው ከብል ኣይገበረን ፣ ሙስጣፋ ከማል ኣታቱርክ ዝበሃል ኣዛዚ ሰራዊት ፡ ነቲ ቱርኪ ንናጽነት እትገብሮ ውግእ ከም ዝመርሖ ዘግበረ ስርሒት እዩ ኔሩ።

