SKIP TO MAIN CONTENT

ጉጅለ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዋልታ ፖሊስ ትግራይ ብዘይተፈለጡ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ወሪዱ፡ ካብ ኣባላት እታ ጋንታ ሽዱሽተ ቆሲሎም ሓደ ተቐቲሉ።

መራሒ እቲ ጋንታ ኮማንደር ገብሩ ካሕሳይ ከምዝበሎ፥ እቲ መጥቃዕታ ዘጋጠመሉ ቦታ ኣብ ዓፋር ከባቢ ገዋኔ እዪ። በቲ መጥቃዕታ ሽዲሽተ ሰባት ተወቒዎምዝበፅሖ፥ ካብቶም እቲ ሓደ ሽዑ ንሽዑ ህይወቱ ሓሊፋ። ካልእ ሓደ ድማ ብኸቢድ ተጎዲኡ ኣሎ ኢሎ

News
Source: Mekele

1 min read

Published


Skip to article content

እቶም ተጻውቲ ኩዕሶ እግሪ ትማሊ ምስ ደብረ ብርሃን ከነማ ዝነበሮም ጸወታ ወዲኦም ካብ ኣዲስ አበባ ተበጊሶም ብዓፋር ኣቢሎም ናብ መቐለ እናተጓዕዙዮም መጥቃዕቲ በጺሕዎም። ናይ ትግራይ ክልል ፀጥታን ምምሕዳርን ቤት ጽሕፈት ናይ ኮምኒኬሽን ዳይሬክተር ኣቶ ሃፍታይ መለስ፡ እቲ መጥቃዕቲ  ትማሊ ንግሆ ከምተፈጸመ ገሊጹ። ካብቶም 6 በቲ መጥቃዕቲ ዝተወግኡ እቲ ሓደ ከምዝሞተውን ኣረጋጊጹ አሎ። ኣቶ ሀፍታይ መለስ  ጋንታ ኰዕሶ እግሪ ትግራይ ፖሊስ ተሳዊታ ክትምለስ ከላ መንነቶም ብዘይፍለጡ ዕጡቓት ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸምዎ ገሊጹ። ካብቶም ዝቖሰሉ እቶም ክልተ ከቢድ መጉዳእቲ ወሪድዎም እቲ ሓደ ግና ህይወቱ ከምዝሃለፈት ኣረጋጊጹ። በቲ ዝወረደ ሓደጋ አዚዩ ከምዘሕዘኖን ዘቖጥዖን እቲ በዓል መዚ ንመዲያ ገሊጹ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now