ኣብ ትካል ጸጥታ ሱዳን ድሕሪ ዝተገብረ ሓድሽ ስርርዕ ዝጸንሑ ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ጥሮታ ክወጹ ወይ ናብ ካልእ ክፍሊታት ክውዝዑ ድሕሪ ዝተዋህበ መምርሒ ግጭት ከምተፈጥረ ተፈሊጡ።
ካብ ማዕከን ዜና AFP ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ጥቓ ማዕርፎ ነፈርቲ ኻርቱም ዝርከብ መዓስከር ሪያድ ተኹሲ ተሰሚዑ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ዜናዊ ሓበሬታ፡ ኣባላት ሃገራዊ ጸጥታ ሱዳን ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሶም ኣብቲ ጥቓ መዓስከር ሪያድ ነቑጣታት መፈተሺ ተኺሎም ናብ ሰማይ ክትኩሱ ተራእዮምን ክብል ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።
ድሕርዚ ፍጻመ ናይ ትራፊክ ምጭንናቕን ክልተ በረራታት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ክምለሳ ተጌሩ ኣሎ፡፤
እቲ ምትዃስ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ትካል ጸጥታ ሱዳን ንገለ በቲ ዝተዋህበ ኣማራጺታት ዘይ ኣገቡ ኣባላት ከምዘባረረ ገሊጹ።
ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ዝርርብ ይግበር ከምዘሎ ንምንጭታት ጸጥታ እታ ሃገር ጠቒሱ ሮይተርስ ጸብጺቡ ኣሎ።
እቲ ተፈጺሙ ዘሎ እምቢታ እዩ ተፈጺሙ ኣሎ ነዚ ነገር ሃገራዊ ሰራዊት ሓይሊ መወዳእታ ክገብረሉ እዩ ኢሉ ከምዘፈራረሐ ወሃብ ቃል እቲ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ባይቶ ሉ ኡላዊ ሱዳን ዝኾነ ጀነራል ሻምስ አልዲን ካባሺ Al-Jazeera, ጸብጺቡ።
"እዚ ሓይሊዚ ዲሲፕሊን ክገብር እዩ ዝግብኦ ብዛዕባ ክፍሊትን ወይ ካሕሳን ክዝተየሉ ዝከኣልዩ፡ እዚ ግና ብስነስርዓትን ብዘይምጽላም ስምን’ዩ ክኸውን ዝግባእ፡ እዚ ኩነታት ብሰላም ክዛዘም ኢና ንጽበ ዘለና እንተዘይኮይኑ ዝከኣል ኩሉ ተጌሩ መዕረፊ ክግበረሉ እዩ።” ብምባል እቲ ወሃቢ ቃል መንግስቲሱዳን Al-Jazeera ብቋንቋ ዓረብ ገሊጹ።
ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ናይ 2019 ዑመር ኣል በሺር ድሕሪ ምዕላዉ፤ ሱዳን ብ ሲቪልን ወተሃደራትን ዝምራሕ ናይ 3 ዓመታት ብመሰጋገሪ መንግስቲ እያ ትምርሕ ዘላ።

