ብ3 ለካ. ኣብ ኢትዮጵያ ሰሜናዊ ምብራቕ ክልል ዓፋር ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ዓፋርን ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ዕጡቓት መጥቃዕቲ ብምፍናዎም ብውሑዱ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቐቲሎም ክብል ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት (UNHCR) ብዓርቢ ሓቢሩ ።
ካብቶም ስደተኛታት ንዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር. ከም ዝሓበርዎ ፡ ዕጡቓት ነቲ መዓስከር ከም ዘጥቅዑ ፡ ሓያሎ ኣንስቲ ከም ዝጨወዩ ፡ ንብረት ከም ዝዘረፉን ኣባይቶም ከም ዝሓዙን ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ ከም ዝሃደሙ ገሊጾም ።
እቲ ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ኣብ መግለጺኡ "UNHCR ምስ ሰበስልጣንን መሻርኽትን ኢትዮጵያ ኮይኑ ነቶም ካብ መዓስከር ስደተኛታት ባራሃል ሃዲሞም ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ህጹጽ ረድኤት ንምሃብ ይሰርሕ ኣሎ ።" ኢሉ
ነቲ መጥቃዕቲ መን ከም ዝፈጸሞ ግን ኣይሓበረን ።
ሮይተርስ ነቶም ወሃብቲ ቃል ሓይልታት ትግራይን ሓይልታት ክልል ዓፋርን ርእይቶ ክህቡ ክረኸቦም ኣይከኣሉን ።
እቲ ን15 ወርሒ ዝቐጸለ ውግእ ናይ ትግራይን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ቀቲሉን ሚልዮናት ኣመዛቢሉን እዩ ። ኣስታት 150,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ይነብሩ ። ኣብ ክልቲኡ ወገን እቲ ግጭት ብዝተወለዐ ቃጭል ተቐቲሎም ፣ ተዓሚጾምን ተኣሲሮምን እዮም ፡ ኣብ ሓደ እዋን ድማ ንኣዋርሕ ዝኣክል ካብ ሓገዝ ተቘሪጾም እዮም ።
ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ዓፋርን ካብ ታሕሳስ ጀሚሩ ብዝተወለዐ ኲናት ብውሑዱ 300,000 ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ናብ ጎረቤት ትግራይ ዝኾኑ ናይ መግቢ መድሓኒታት ብምዕጋቱ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ረድኤት ከምዝምርኮሱ ይፍለጥ ።
ክልል ዓፋር ኣገዳሲ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ኣለዎ ምኽንያቱ ፡ እቲ ካብ ጂቡቲን ንኣዲስ ኣበባ ዘራኽብ ቀንዲ መንገዲን መንገዲ ባቡርን ዝሓዘ ኮይኑ ፡ ነታ ባሕሪ ኣልቦ ኢትዮጵያ ምስ ወደብ ጅቡቲ ዘራኽብ መሬት እዩ ።