"ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከብ መደበር ስደተኛታት መጥቃዕቲ ወሪድዎ፡ 5 ኤርትራዊያን ተቐቲሎም" ዉሕሃ

እቲ ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ኣብ መግለጺኡ "UNHCR ምስ ሰበስልጣንን መሻርኽትን ኢትዮጵያ ኮይኑ ነቶም ካብ መዓስከር ስደተኛታት ባራሃል ሃዲሞም ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ህጹጽ ረድኤት ንምሃብ ይሰርሕ ኣሎ ።" ኢሉ

News

Source: UNHCR

ብ3 ለካ. ኣብ ኢትዮጵያ ሰሜናዊ ምብራቕ ክልል ዓፋር ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ዓፋርን ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ዕጡቓት መጥቃዕቲ ብምፍናዎም ብውሑዱ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቐቲሎም ክብል ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት (UNHCR) ብዓርቢ ሓቢሩ ።
ካብቶም ስደተኛታት ንዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር. ከም ዝሓበርዎ ፡ ዕጡቓት ነቲ መዓስከር ከም ዘጥቅዑ ፡ ሓያሎ ኣንስቲ ከም ዝጨወዩ ፡ ንብረት ከም ዝዘረፉን ኣባይቶም ከም ዝሓዙን ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ ከም ዝሃደሙ ገሊጾም ።
እቲ ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ኣብ መግለጺኡ "UNHCR ምስ ሰበስልጣንን መሻርኽትን ኢትዮጵያ ኮይኑ ነቶም ካብ መዓስከር ስደተኛታት ባራሃል ሃዲሞም ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ህጹጽ ረድኤት ንምሃብ ይሰርሕ ኣሎ ።" ኢሉ
ነቲ መጥቃዕቲ መን ከም ዝፈጸሞ ግን ኣይሓበረን ።
ሮይተርስ ነቶም ወሃብቲ ቃል ሓይልታት ትግራይን ሓይልታት ክልል ዓፋርን ርእይቶ ክህቡ ክረኸቦም ኣይከኣሉን ።

እቲ ን15 ወርሒ ዝቐጸለ ውግእ ናይ ትግራይን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ቀቲሉን ሚልዮናት ኣመዛቢሉን እዩ ። ኣስታት 150,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ይነብሩ ። ኣብ ክልቲኡ ወገን እቲ ግጭት ብዝተወለዐ ቃጭል ተቐቲሎም ፣ ተዓሚጾምን ተኣሲሮምን እዮም ፡ ኣብ ሓደ እዋን ድማ ንኣዋርሕ ዝኣክል ካብ ሓገዝ ተቘሪጾም እዮም ።
ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ዓፋርን ካብ ታሕሳስ ጀሚሩ ብዝተወለዐ ኲናት ብውሑዱ 300,000 ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ናብ ጎረቤት ትግራይ ዝኾኑ ናይ መግቢ መድሓኒታት ብምዕጋቱ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ረድኤት ከምዝምርኮሱ ይፍለጥ ።
ክልል ዓፋር ኣገዳሲ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ኣለዎ ምኽንያቱ ፡ እቲ ካብ ጂቡቲን ንኣዲስ ኣበባ ዘራኽብ ቀንዲ መንገዲን መንገዲ ባቡርን ዝሓዘ ኮይኑ ፡ ነታ ባሕሪ ኣልቦ ኢትዮጵያ ምስ ወደብ ጅቡቲ ዘራኽብ መሬት እዩ ።


Share

Published

Source: Reuters, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
"ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከብ መደበር ስደተኛታት መጥቃዕቲ ወሪድዎ፡ 5 ኤርትራዊያን ተቐቲሎም" ዉሕሃ | SBS Tigrinya