ብረቡዕ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ሃገራት ከባቢ ቀይሕባሕሪ፡ ሱዕዲያ ሓደ ናይ ቀይሕ ባሕሪን ቀርኒ ኣፍሪቃን ናይ መትእኽኻብ ጉጅለ ክፍጠር ኣሚማ። ክብል የኒሳፋክ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ገሊጹ።
“በዚ ምትእኽኻብ ኣቢልና ኣብ ኩሉ ቁጠባዊ፡ ኣከባቢያዊን ጸጥታውን ጉዳያት ክንተሓበር ንኽእል ኢና።” ክብል ናይ ሱዕዲ ዓረብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓደል ኣል ጁቤር ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ሚኒስቴራት ዓረብን ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃን ተዛሪቡ።
"እዚ ናይ ሓድነታዊ ምትእኽኻብ ኣብዚ ዞባ ምርግጋእ፡ ጸጥታን ንግዲን ከድንፍዕ ክሕግዝዩ።” ብምባል ድማ እቲ ናይ ሱዕዲ ዓረብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ። “ኣብዚ ተኣፋፊ ዞባ” ዝበሎ እቲ ሚኒስተር፡ እዚ ምትእኽኻብ ሕሉፋት ሓይልታት ኣብዚ ዞባ ኣሉታዊ ተራ ከይጻወቱ ክሕግዝዩ ኢሉ።
ኣብቲ ኣኼባ ግብጺ፡ ጂቡቲ፡ ሶማሊያ፡ ሱዕዲ ዓረብ፡ የመንን ዮርዳኖስን ተሳቲፈን።
ኢራን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ስግኣት ከምዝኾነት ሱዕዲ ዓረብን መላፍንታ ዝኾና ሃገራት ከሊጅን ይኸሳ፡ ተሂራን ግና ነዚ ክሲ ተዋድቖ።
ብሱዕዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ኣብ የመን ኣንጻር ዕጡቓት ሖቲ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣየር ክገብር ጸኒሑ እዩ። ነቲ ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ሖቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ነዳዲ ዝጸዓና መራኽብ ከይንቀሳቐሳ ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ ኢለን ድማ ይኸሳ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣኼባ ሃገራት ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ግብጺ እዩ ተጌሩ ኔሩ። ኣብቲ እዋን ሃገራት ሱዕዲ ዓረብ፡ ዮርዳኖስ፡ ጂቡቲ፡ የመን፡ ሱዳንን ኤርትራን ተሳቲፈን ኔረን።

