ኣብ ሃምቡርግ ኣብ ዝርከብ ሓደ መአከቢ መሰኻኽር ጆሆቫ ብዝኸፍተ ተዅሲ ሓያሎ ሰባት ከም እተቐትሉ ፖሊስ ጀርመን ሓቢሩ ።

ፖሊስ ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ ብንጹር ኣይሓበረን ፡ ማዕከናት ዜና ጀርመን ግን ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓቢረን ።

Capture.JPG

Credit: AAP

ኣብ ሃምቡርግ ኣብ ዝርከብ ናይ ዮሆዋ መሰኻኽር ኣዳራሽ ብዝኸፍተ ተዅሲ ሓያሎ ሰባት ከም እተቐትሉ ፖሊስ ጀርመን ሎሚ ሓሙስ ሓቢሩ ።

"ብመሰረት እቲ ናይ መጀመርታ ሓበሬታ ፡ ኣብ ኣውራጃ ግራስቦርስተል ኣብ እትርከብ ደሎበጅ ኣብ እትብሃል ጐደና ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ፡ ተዂሲ ተሰሚዑ ። ፖሊስ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ፡ ሓያሎ ሰባት ብኸቢድ ቈሲሎም እዮም ፣ ገሊኣቶም እውን ሞት ከስዕብ ዝኽእል መጉዳእቲ በጺሕዎም ኣሎም ።
እቲ ተዅሲ በቲ ናይቲ ከባቢ ሰዓት 9 ድ.ቐ. እዩ ተፈጺሙ ።
ማዕከናት ዜና ጀርመን ነቲ ፍጻመ ኣብ መአከቢ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም እተፈጸመ ይገልጻ ኣለዋ ።

ፖሊስ ንነበርቲ ካብቲ ከባቢ ክርሕቁ ሓቲቶምም ።
ፖሊስ ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ ብንጹር ኣይሓበረን ፡ ማዕከናት ዜና ጀርመን ግን ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓቢረን ።

እቲ ጠበንጃ ሒዙ ዝተኮሰ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ህንጻ ሞይቶም ዝተረኽቡ ሓያሎ ሰባት ምዃኑ እዩ ዝእመነሉ ፡ ይብል ፖሊስ ሎሚ ሓሙስ ።

ኣብቲ ቦታ እቲ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ፡ "ብዛዕባ እቲ ናይቲ ሓደጋ ፈጻሚ ከም ዝሃደመ ዝገልጽ ሓበሬታ የብልናን" ድሕሪ ምባል ፡ እቶም መርመርቲ ፡ "እቲ ገበነኛ ኣብቲ ህንጻ ነይሩ ክኸውን ከም ዝኽእልን ኣብ መንጎ ምዉታት እውን ክህሉ ከም ዝኽእልን ዝሕብር ምልክታት" ከም ዘለዎም ገለጸ ።
ክንደይ ዝኣኽሉ ገበነኛታት ከም ዝተሳተፉ ወይ መን ምዃኖም ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን ።

Share

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service