SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ሃምቡርግ ኣብ ዝርከብ ሓደ መአከቢ መሰኻኽር ጆሆቫ ብዝኸፍተ ተዅሲ ሓያሎ ሰባት ከም እተቐትሉ ፖሊስ ጀርመን ሓቢሩ ።

ፖሊስ ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ ብንጹር ኣይሓበረን ፡ ማዕከናት ዜና ጀርመን ግን ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓቢረን ።

Capture.JPG
Credit: AAP

2 min read

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS


Skip to article content

ኣብ ሃምቡርግ ኣብ ዝርከብ ናይ ዮሆዋ መሰኻኽር ኣዳራሽ ብዝኸፍተ ተዅሲ ሓያሎ ሰባት ከም እተቐትሉ ፖሊስ ጀርመን ሎሚ ሓሙስ ሓቢሩ ።

"ብመሰረት እቲ ናይ መጀመርታ ሓበሬታ ፡ ኣብ ኣውራጃ ግራስቦርስተል ኣብ እትርከብ ደሎበጅ ኣብ እትብሃል ጐደና ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ፡ ተዂሲ ተሰሚዑ ። ፖሊስ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ፡ ሓያሎ ሰባት ብኸቢድ ቈሲሎም እዮም ፣ ገሊኣቶም እውን ሞት ከስዕብ ዝኽእል መጉዳእቲ በጺሕዎም ኣሎም ።

እቲ ተዅሲ በቲ ናይቲ ከባቢ ሰዓት 9 ድ.ቐ. እዩ ተፈጺሙ ።

ማዕከናት ዜና ጀርመን ነቲ ፍጻመ ኣብ መአከቢ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም እተፈጸመ ይገልጻ ኣለዋ ።

ፖሊስ ንነበርቲ ካብቲ ከባቢ ክርሕቁ ሓቲቶምም ።

ፖሊስ ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ ብንጹር ኣይሓበረን ፡ ማዕከናት ዜና ጀርመን ግን ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓቢረን ።

እቲ ጠበንጃ ሒዙ ዝተኮሰ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ህንጻ ሞይቶም ዝተረኽቡ ሓያሎ ሰባት ምዃኑ እዩ ዝእመነሉ ፡ ይብል ፖሊስ ሎሚ ሓሙስ ።

ኣብቲ ቦታ እቲ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ፡ "ብዛዕባ እቲ ናይቲ ሓደጋ ፈጻሚ ከም ዝሃደመ ዝገልጽ ሓበሬታ የብልናን" ድሕሪ ምባል ፡ እቶም መርመርቲ ፡ "እቲ ገበነኛ ኣብቲ ህንጻ ነይሩ ክኸውን ከም ዝኽእልን ኣብ መንጎ ምዉታት እውን ክህሉ ከም ዝኽእልን ዝሕብር ምልክታት" ከም ዘለዎም ገለጸ ።

ክንደይ ዝኣኽሉ ገበነኛታት ከም ዝተሳተፉ ወይ መን ምዃኖም ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now