'እንታይ ከም ዝመጽእ ኣይፈለጠን ዘሎ።' ጆ ባይደን ን ቭላድሚር ፑቲን የፈራርሕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ፡ ካብ ክሊ ኣየር እታ ሃገር በረራታት ሩስያ ኣብ ዝኣገደሉ ፡ "መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ እንታይ ይመጽእ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን" ኢሉ ።

the State of the Union

President Joe Biden delivers his State of the Union address. Credit: Al Drago/AP Source: Al Drago/AP

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ፡ መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ካብ ክሊ ኣየር እታ ሃገር በረራታት ሩስያ ድሕሪ ምእጋድ ፡ "እንታይ ከም ዝመጽእ ኣይፈልጥን እዩ" ክብል ኣጠንቂቑ ።

ንሱ ብሰሉስ ኣብ ስቴት ኦፍ ዘ ዩኒዮን ኣብ ዘስምዖ መደረ ፣ እቲ ከቕርቦ ሓሲቡ ዝነበረ ጽሑፍ፡ ሚስተር ፑቲን ንዩክረይን ንምውራር ዕላማ ዝገበረ ዳግም ከምዝጸሓፍ ተጌሩ።

"ነፍሲ ወከፍና ብሓደ ደው ክንብል እንተ ክኢልና ፡ ደው ኢልና ናብ ዩክረይንን ናብ ዓለምን ዘየወላውል ምልክት ንስደድ" ድማ በለ ።

መብዛሕትኡ ግዜ ዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ መስመር ዝኽተሉ ፡ ዲሞክራትናን ሪፖብሊካውያንን ፡ ንዩክረይን ዘለዎም ደገፍ ከጣቕዑ ጀመሩ ፣ ብዙሓት ባንዴራታት ዩክረይን ኣንበልብሉ ።

እቲ ዓመታዊ ንኮንግረስ ዘስምዕ መደረ ፡ ንሚስተር ባይደን ኣጀንዳታቱ ዘጕልሓሉ ፡ ንኣመሪካውያን ዘጸናንዕ ፡ ከምኡውን ነቶም ኣብ ሕዳር ኣብ ዝግበር ምርጫ ኮንግረስ ፡ ዲሞክራትስ ዝዀኑ ብጾቱ ሕማቕ ውጽኢት ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ዘጠንቅቕ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ፡ ነቲ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ካብ ህዝቢ ዝረኽቦ ተቐባልነት ከደንፍዕ ዝጽዕር መድረኽ እዩ ነይሩ ።

ሚስተር ባይደን ፡ እቲ ዝሑል ኲናት ቅድሚ 30 ዓመት ካብ ዝውዳእ ኣትሒዙ ፡ ሃገራት ምዕራብ ንሩስያ ኣብ ዝህብኦ ዘለዋ ግብረ-መልሲ ንሱ ዝለዓለ ኢድ ከምዘለዎም ን ኣመሪካዊያን ከርኢ እዩ ፈቲኑ ።

ሚስተር ባይደን ፡ ሩስያ ንዩክረይን ብምውራራ ፡ ንሓይልታት ኣመሪካ ናብ ውግእ ከይለኣኻ ፡ ነቲ ፍጻመታት ብቕልጡፍ ምላሽ ንምሃብ ዘለዎ ክእለት ዝፍተነሉ እዋን እዩ ዘሎ ።

እቲ ቅልውላው ንሚስተር ባይደን ንሞስኮ ክቐጽዓን ንክየቭ ክድግፍን ኣብ ዝግበር ዓለምለኻዊ ጻዕሪ ፡ ንኣመሪካውያን ኣብ ሓድነት ንምጥርናፍ ዘተኮረ መደረ'ዩ ኣስሚዒ።
ንሱ ኣብ ዘረባኡ ፡ ብዛዕባ ሚስተር ፑቲን ከቢድ ነቐፌታ ብምሃብ ፣ እቲ መራሒ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ግጉይ ውሳነታት ከም ዝገበረ ድማ ገለጸ ።

"ናብ ዩክረይን ጠቕሊሉ ክኣቱ ፡ ዓለም ከኣ ሱቕ ኢላ ክትሓልፍ እዩ ሓሲቡ ነይሩ ። ኣብ ክንዳኡስ ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ዘይነበረ ምስ መንደቕ መኸተ እዩ ተጓኒጹ ። ንሱ ብህዝቢ ዩክሬናውያን ተራጺሙ'ዩ"ይብል ባይደን ።

"ካብ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኽሳእ ኵሎም ዩክረይንውያን ፡ ፍርሒ ኣልቦነት ፡ ትብዓት ፡ ቈራጽነት ፡ ንዓለም ኣበራቢሩ እዩ ።"

ሚስተር ባይደን ፡ ሚስተር ፑቲን ነቲ ውግእ ከይጅምር ጻዕሪ ዕሽሽ ከምዝበሎ ገሊጹ ።

"ውግእ ፑቲን ኣቐዲምካ እተዳለወን ብዘይ ዝዀነ ይኹን ምኽንያት ዘይብሉን እዩ ነይሩ ። ነቲ ኣብ ዲፕሎማሲ ዝገበር ዝነበረ ጻዕርታት ነጸጎ ። ምዕራብን ኔቶን ምላሽ ዘይህብሉ ይመስሎ ነይሩ ። ኣብዚውን ኣብ ዉሽጥና እዚ ኩነታት ኪኸፋፍለና ዝኽእል ኰይኑ እዩ ተሰሚዕዎ" ሚስተር ባይደን ብምባል ። "ፑቲን ጌጋ እዩ ነይሩ ። ንሕና ድሉዋት ኢና ኔርና "በለ ።

ሚስተር ባይደን ፡ ኣመሪካ ካብ ክሊ ኣየር ኣመሪካ ንዚግበር ናይ ሩስያ በረራታት ከም እትእግዶ ኣፍሊጡ ።

"ክሊ ኣየር ኣመሪካ ናብ ኵሉ በረራታት ሩስያ ብምዕጻው ፡ ምስ መሻርኽትና ሓቢርና ከም እንሰርሕ ፡ እዚ ድማ ንሩስያ ብዝያዳ ከም እንፈልያን ኣብ ቊጠባአን ተወሳኺ ጸቕጢ ከም እንውስኽን እየ ዝገልጽ ዘለኹ" ድማ በለ ።

ንዩክረይን ድጋፍ ንምርኣይ: በዓልቲ ቤት ባይደን ጂል ባይደን ምስ ናይ ዩክረይን ኣምባሳደር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኦክሳና ማርካሮቫ: ካብ ዋይት ሃውስ ናብ ካፒቶል ሂል ብ ሞተር ብሽክለታ ተዓጂበን ትጐዓዛ ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ካብ ዩክረይን ሓሊፉ ፡ ካልእ ኣብ ሃገራዊ ዛዕባ ኣገዳስነት ዘለዎ ጕዳያት እውን ተዛሪቡ ኔሩ ። ቀንዲ ነጥብታት እቲ ዝነበሮ ነጥብታት እንሆ ።

 

ዝቕባበ ገንዘብ
ብሰንኪ እቲ ሩስያ ኣብ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ውግእ ፡ ዋጋታት ጸዓት ምውሳኹ ፡ ካብቲ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመት ዝነበረ ዝለዓለ ዝቕባበ ብምፍጣሩ ፡ ን ኣታዊታት ሰባት ብምብላዕን ቊጠባዊ ሕውየት እቲ ለበዳ ኣብ ሓደጋ ብምእታውን ፡ ናህሪ ዋጋታት ጸዓት መሊሱ ከም ዘጋድድ እዩ ገይርዎ ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ መደረኡ ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝነበረ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ እንደገና ብምምላስ ፡ ሰንሰለት ቀረብ ብምቕልጣፍ ፡ ከምኡ እውን ጾር መውዓሊ ህጻናትን ኣረገውቲን ሰራሕተኛታት ብምንካይ ፡ ሕጽረት ገንዘብ ንምፍታሕ ውጥን ከም ዘለዎ ገለጸ ።

"ምርጫ ኣሎና ። ሓደ ካብቲ ምስ ዝቕባበ ገንዘብ ንምቅላስ ዝሕግዝ መገዲ ፡ ደሞዝ ምጉዳልን ንኣመሪካውያን ድኻታት ምግባርን እዩ ። ምስ ሕጽረት ገንዘብ ንምቅላስ ዝሓሸ ሓሳብ ኣለኒ ኢለ እሓስብ ፡ ደሞዝ ዘይኮነ ዋጋታት ምንካይ ። ኣብ ኣመሪካ ብዙሓት ማካይንን ሰሚኮንዳክተራት ስርሑ ። ኣብ ኣመሪካ ዝያዳ ትሕተ ቅርጽን ምህዞን ምግባር"ኢሉ ።

"ኣብ ናይ ወጻኢ ሃገራት ሰንሰለት ኣብ ክንዲ ምውካል ፡ ኣብ ኣመሪካ ጽቡቕ ኣታዊ ኽትረኽበሉ እትኽእል ተወሳኺ ስራሕ ፡ ኣብ ኣመሪካ ምፍጣር ።"


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
'እንታይ ከም ዝመጽእ ኣይፈለጠን ዘሎ።' ጆ ባይደን ን ቭላድሚር ፑቲን የፈራርሕ | SBS Tigrinya