SKIP TO MAIN CONTENT

'እንታይ ከም ዝመጽእ ኣይፈለጠን ዘሎ።' ጆ ባይደን ን ቭላድሚር ፑቲን የፈራርሕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ፡ ካብ ክሊ ኣየር እታ ሃገር በረራታት ሩስያ ኣብ ዝኣገደሉ ፡ "መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ እንታይ ይመጽእ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን" ኢሉ ።

the State of the Union
President Joe Biden delivers his State of the Union address. Credit: Al Drago/AP Source: Al Drago/AP

4 min read

Published


Skip to article content

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ፡ መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ካብ ክሊ ኣየር እታ ሃገር በረራታት ሩስያ ድሕሪ ምእጋድ ፡ "እንታይ ከም ዝመጽእ ኣይፈልጥን እዩ" ክብል ኣጠንቂቑ ።

ንሱ ብሰሉስ ኣብ ስቴት ኦፍ ዘ ዩኒዮን ኣብ ዘስምዖ መደረ ፣ እቲ ከቕርቦ ሓሲቡ ዝነበረ ጽሑፍ፡ ሚስተር ፑቲን ንዩክረይን ንምውራር ዕላማ ዝገበረ ዳግም ከምዝጸሓፍ ተጌሩ።

"ነፍሲ ወከፍና ብሓደ ደው ክንብል እንተ ክኢልና ፡ ደው ኢልና ናብ ዩክረይንን ናብ ዓለምን ዘየወላውል ምልክት ንስደድ" ድማ በለ ።

መብዛሕትኡ ግዜ ዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ መስመር ዝኽተሉ ፡ ዲሞክራትናን ሪፖብሊካውያንን ፡ ንዩክረይን ዘለዎም ደገፍ ከጣቕዑ ጀመሩ ፣ ብዙሓት ባንዴራታት ዩክረይን ኣንበልብሉ ።

እቲ ዓመታዊ ንኮንግረስ ዘስምዕ መደረ ፡ ንሚስተር ባይደን ኣጀንዳታቱ ዘጕልሓሉ ፡ ንኣመሪካውያን ዘጸናንዕ ፡ ከምኡውን ነቶም ኣብ ሕዳር ኣብ ዝግበር ምርጫ ኮንግረስ ፡ ዲሞክራትስ ዝዀኑ ብጾቱ ሕማቕ ውጽኢት ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ዘጠንቅቕ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ፡ ነቲ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ካብ ህዝቢ ዝረኽቦ ተቐባልነት ከደንፍዕ ዝጽዕር መድረኽ እዩ ነይሩ ።

ሚስተር ባይደን ፡ እቲ ዝሑል ኲናት ቅድሚ 30 ዓመት ካብ ዝውዳእ ኣትሒዙ ፡ ሃገራት ምዕራብ ንሩስያ ኣብ ዝህብኦ ዘለዋ ግብረ-መልሲ ንሱ ዝለዓለ ኢድ ከምዘለዎም ን ኣመሪካዊያን ከርኢ እዩ ፈቲኑ ።

ሚስተር ባይደን ፡ ሩስያ ንዩክረይን ብምውራራ ፡ ንሓይልታት ኣመሪካ ናብ ውግእ ከይለኣኻ ፡ ነቲ ፍጻመታት ብቕልጡፍ ምላሽ ንምሃብ ዘለዎ ክእለት ዝፍተነሉ እዋን እዩ ዘሎ ።

እቲ ቅልውላው ንሚስተር ባይደን ንሞስኮ ክቐጽዓን ንክየቭ ክድግፍን ኣብ ዝግበር ዓለምለኻዊ ጻዕሪ ፡ ንኣመሪካውያን ኣብ ሓድነት ንምጥርናፍ ዘተኮረ መደረ'ዩ ኣስሚዒ።

ንሱ ኣብ ዘረባኡ ፡ ብዛዕባ ሚስተር ፑቲን ከቢድ ነቐፌታ ብምሃብ ፣ እቲ መራሒ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ግጉይ ውሳነታት ከም ዝገበረ ድማ ገለጸ ።

"ናብ ዩክረይን ጠቕሊሉ ክኣቱ ፡ ዓለም ከኣ ሱቕ ኢላ ክትሓልፍ እዩ ሓሲቡ ነይሩ ። ኣብ ክንዳኡስ ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ዘይነበረ ምስ መንደቕ መኸተ እዩ ተጓኒጹ ። ንሱ ብህዝቢ ዩክሬናውያን ተራጺሙ'ዩ"ይብል ባይደን ።

"ካብ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኽሳእ ኵሎም ዩክረይንውያን ፡ ፍርሒ ኣልቦነት ፡ ትብዓት ፡ ቈራጽነት ፡ ንዓለም ኣበራቢሩ እዩ ።"

ሚስተር ባይደን ፡ ሚስተር ፑቲን ነቲ ውግእ ከይጅምር ጻዕሪ ዕሽሽ ከምዝበሎ ገሊጹ ።

"ውግእ ፑቲን ኣቐዲምካ እተዳለወን ብዘይ ዝዀነ ይኹን ምኽንያት ዘይብሉን እዩ ነይሩ ። ነቲ ኣብ ዲፕሎማሲ ዝገበር ዝነበረ ጻዕርታት ነጸጎ ። ምዕራብን ኔቶን ምላሽ ዘይህብሉ ይመስሎ ነይሩ ። ኣብዚውን ኣብ ዉሽጥና እዚ ኩነታት ኪኸፋፍለና ዝኽእል ኰይኑ እዩ ተሰሚዕዎ" ሚስተር ባይደን ብምባል ። "ፑቲን ጌጋ እዩ ነይሩ ። ንሕና ድሉዋት ኢና ኔርና "በለ ።

ሚስተር ባይደን ፡ ኣመሪካ ካብ ክሊ ኣየር ኣመሪካ ንዚግበር ናይ ሩስያ በረራታት ከም እትእግዶ ኣፍሊጡ ።

"ክሊ ኣየር ኣመሪካ ናብ ኵሉ በረራታት ሩስያ ብምዕጻው ፡ ምስ መሻርኽትና ሓቢርና ከም እንሰርሕ ፡ እዚ ድማ ንሩስያ ብዝያዳ ከም እንፈልያን ኣብ ቊጠባአን ተወሳኺ ጸቕጢ ከም እንውስኽን እየ ዝገልጽ ዘለኹ" ድማ በለ ።

ንዩክረይን ድጋፍ ንምርኣይ: በዓልቲ ቤት ባይደን ጂል ባይደን ምስ ናይ ዩክረይን ኣምባሳደር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኦክሳና ማርካሮቫ: ካብ ዋይት ሃውስ ናብ ካፒቶል ሂል ብ ሞተር ብሽክለታ ተዓጂበን ትጐዓዛ ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ካብ ዩክረይን ሓሊፉ ፡ ካልእ ኣብ ሃገራዊ ዛዕባ ኣገዳስነት ዘለዎ ጕዳያት እውን ተዛሪቡ ኔሩ ። ቀንዲ ነጥብታት እቲ ዝነበሮ ነጥብታት እንሆ ።

 

ዝቕባበ ገንዘብ

ብሰንኪ እቲ ሩስያ ኣብ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ውግእ ፡ ዋጋታት ጸዓት ምውሳኹ ፡ ካብቲ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመት ዝነበረ ዝለዓለ ዝቕባበ ብምፍጣሩ ፡ ን ኣታዊታት ሰባት ብምብላዕን ቊጠባዊ ሕውየት እቲ ለበዳ ኣብ ሓደጋ ብምእታውን ፡ ናህሪ ዋጋታት ጸዓት መሊሱ ከም ዘጋድድ እዩ ገይርዎ ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ መደረኡ ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝነበረ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ እንደገና ብምምላስ ፡ ሰንሰለት ቀረብ ብምቕልጣፍ ፡ ከምኡ እውን ጾር መውዓሊ ህጻናትን ኣረገውቲን ሰራሕተኛታት ብምንካይ ፡ ሕጽረት ገንዘብ ንምፍታሕ ውጥን ከም ዘለዎ ገለጸ ።

"ምርጫ ኣሎና ። ሓደ ካብቲ ምስ ዝቕባበ ገንዘብ ንምቅላስ ዝሕግዝ መገዲ ፡ ደሞዝ ምጉዳልን ንኣመሪካውያን ድኻታት ምግባርን እዩ ። ምስ ሕጽረት ገንዘብ ንምቅላስ ዝሓሸ ሓሳብ ኣለኒ ኢለ እሓስብ ፡ ደሞዝ ዘይኮነ ዋጋታት ምንካይ ። ኣብ ኣመሪካ ብዙሓት ማካይንን ሰሚኮንዳክተራት ስርሑ ። ኣብ ኣመሪካ ዝያዳ ትሕተ ቅርጽን ምህዞን ምግባር"ኢሉ ።

"ኣብ ናይ ወጻኢ ሃገራት ሰንሰለት ኣብ ክንዲ ምውካል ፡ ኣብ ኣመሪካ ጽቡቕ ኣታዊ ኽትረኽበሉ እትኽእል ተወሳኺ ስራሕ ፡ ኣብ ኣመሪካ ምፍጣር ።"


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now