ሞት ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ ዘበገሶ ተቓዉሞታት ዓለታዊነት ንብዙሓት ቀባእቲ ዓለምና ካብ ሶርያን ፓኪስታንን ክሳብ ናይሮቢ ኬንያ ኣበራቢሩ ኣብ ፈቐዶ መንደቕን ብራናን ንምስሊ ጆርጅ ፍሎይድ ይስእልዎ ኣለዉ።
ኣብ ናይ በርሊን መንደቕ፡ ዓቢ ናይ ጆርጅ ፍሎይድ ስእሊ ከምኡውን ኣብ እዋንቲ ናይ ሚንያፖሊስ ፖሊስ ብብርኩ ንኽሳዱ ምስጸቐጥዎ ዝበሎ ቃላት ብብጫ ዝተጻሕፈ "I CAN'T BREATHE," ተጠቂዑ ይርአ።
ሶርያዊ ኣርቲስት ዓዚዝ ኣስማር በቲ ናቱ ቅብኣ መልእኽቲ ሓድነቱ ክሰድድ ከምዝደሊ ይገልጽ።

"ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ቀጻሊ ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣንጻር ጸለምቲ ምውሳኹ ኣብ መላእ ዓለም ዝኸዉን ነገር ክንድግፍን ክንቃወምን ሰብኣዊ ግዴታና ስለዝኾነ ብናት ኣሳድ ኣውሮፕላናት ኣብ ኢድሊብ ኣብ ዝዓነወ መንደቕ ንስእል ኣለና," ሚስተር ኣስማር ንሶርያዊ ፕረሲደንት ባሻር ኣል ኣሳድ እዩ ጠቒሱ ተዛሪቡ።
ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ሓደ ብቦምባ ዝዓነወ ናይ ካቡል መንደቕ ካንቫስ ናይ መህር ኣካ ሱልጣኒ ናይ ሓደ ጉጅለ ሰኣልቲ ኣርት ሎርድ ዝተሳእለ ይርኣ።
"ሎሚ ጆርጅ ፍሎይድ ናይ ዓለም ምስሊ ኮይኑ ኣሎ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝተቐትለ ጸሊም ቆርበቱ ስለዝኾነ እዩ።" ብምባል "ን ኣፈላላይ ኣይፋል ንብል ድማ ንሕና፡ ምኽንያቱ ኣፈላላይ ንኣና ዝጠቕሞ ነገር የብሉን."

ኣብ ፓሪስ ናይ ጽርግያ ኣርቲስት ዱጉዱስ ንፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ከም ፖሊስ ጌሩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢዱ ሒዙ ንክሳድ ጆርጅ ፍሎይድ ብብርኩ እናጸቐጠ ሲኢልዎ።

ኣብ ፓኪስታን ነዚ ዘንጸባርቕ ስእሊታት ኣብ ዓበይቲ መኻይን ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ካራቺ ነባሪ ዝኾነ ወዲ 40 ሰኣላይ ሃይደር ዓሊ ንጆርጅ ፍሎይድ ኣብ መንደቕ ገዛኡ ሲኢልዎ ይርአ።
"ንኽብሩ፡ ነዘን ሽምዓታት ሲኢለ ኣብ ዙርያ ክሳዱ ድማ ዕምባባታት ጌረሉ።" ብምባል ሚስተር ዓሊ ይገልጽ። ንሱ ነቲ መልእኽቲ ብዛዕባ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ኩሉ ክባጻሕ ኣብ መኻይን ምስ ኣሉ ከምዝቕጽሎ ገሊጹ።

