ኣውስትራልያውያን ለበዳ ኮቪድ-19 ብህይወት ንምስጋር ኢሎም ተጓይዮም ዝኸዘንዎም ነገራት እንታይ ኔሮም?

ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ጠርዚ’ቲ ለበዳ ኣውስትራልያውያን ካብ ሱፐርማርኬታት/ዓበይቲ መሸጣታት ንሕማቕ እዋን ክኾንዎም ኢሎም ዝኸዘንዎም ነገራት እንታይ እንታይ ኔሮም ንምምልካት ቤት ጽሕፈት ኣሃዛት ኣውስትራልያ (ኤቢኤስ) ነቲ ቁጽርታት ዘርጊሕዎ’ሎ።

ቤት ጽሕፈት ኣሃዛት ኣውስትራልያ (ኤቢኤስ) ኣሃዛት መሸጣ ሱፐርማርኬታት ዘርጊሑ

Source: AAP

ቤት ጽሕፈት ኣሃዛት ኣውስትራልያ (Australian Bureau of Statistics ኤቢኤስ) ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሰረተሉ እዋን ኣውስትራልያውያን ብሃታሃታ ወይ ከኣ ብዓቕሊ ጽበት ዝገዝእዎም ነገራት ዝርዝሮም ዘርጊሑ። እንተኾነ ግን ወረቐት ዓይኒምድሪ (toilet paper) እቲ ዝለዓለ ኣይኮነን።

እዚ ናይ ወርሒ መጋቢት ጸብጻብ መሸጣ፡ ኣውስትራልያውያን ንትእዛዛትን መምርሒታትን ውሸባ ትጽቢት ብምግባር መግቢን ንገዛን ቤትጽሕፈትን ዝኾኖም ቀረባት ንምሽማት ዘውጽእዎ ገንዝብ ክብረወሰን ብዝኾነ ብ8.5% ወሲኹ ክብል ኣመልኪቱ።

 

735596cd-2082-490f-a07e-1714871c957e
ጥርሖም ዝተረፉ ከብሕታት ሱፐርማርኬት ኣብ ወርሒ መጋቢት  ምንጪ፡ AAP

መሸጣ ናይ ኩሎም ዘይበላሸው/ሃለኽቲ ዘይኮኑ ነገራት ብ39% ክውስኽ እንከሎ ናይ’ቶም ተበላሸውቲ/ሃለኽቲ ኸኣ ብ22% ወሲኹ። ብሓፈሽኡ መሸጣ ናይ ንመረቕ ዝኸውን ዕሹግን ደረቕን ሕውስዋስ ጥረምረ እቲ ዝበዝሐ ዝላ ካብ ወርሒ ለካቲት ናብ መጋቢት ዘርኣየ ኮይኑ ብሰማይ ጠቀስ ዝኾነ 180% ወሰኽ መሸጣ ኣርእዩ። ሓርጭ ብ150% ወሰኽ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኔሩ፡ ወረቐት ዓይኒ ምድሪ ከኣ ንዕኡ ተኸቲሉ ብ110% ወሰኽ መሸጣ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዑ። ፓስታ፡ ኑድልን ዕሹጋት ኣሕምልትን ድሕሪ’ዚኦም ብመስርዕ ተኸቲሎም። መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ብ30% ወሰኽ ኣርእዮም።

1- መረቕ (ዕሹግ ደረቕ ጥረምረ)

2- ሓርጭ

3- ወረቐት ዓይኒ ምድሪ

4 - ፓስታ

5- ኑድል

6- ዕሹግ ሓምሊ

ብዙሓት ማእከላት ዕዳጋ ኣውስትራልያ ሰባት ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ብዘይመጠን፡ ጠገለ ዘይብሉ፡ ብሃታሃታ ተጓይዮም ምስ ሸመቱ ኣብ ወርሒ መጋቢት ደረት ቁጽሪ ዝሽመት ኣቑሑ ኣተኣታትዮም። ወረቐት ዓይኒ ምድሪ ንምርካብ ዝነበረ ቃልሲ ናብ ጎነጽ ኣምሪሑ ሸመትቲ ኣብ ገለ ዕዳጋታት ክሳብ ክበኣሱን ክጓሰጡን ኣብ ቪድዮታት ዩትዩብን ካልእን ኣብ መላእ ዓለም ተራእዮም።

ኣብ ግሪፊዝ ዩኒቨርሲቲ መምህር ኣብ ደፓርትመንት ዕዳጋ ዝኾነ ዶክተር ቻርለስ ጀባራጃኪርቲ ኣብ’ቲ ብዓይኒ ፋይናንስ ኣጸጋሚ ዝነበረሉ እዋን መሸጣታት መግቢ ሰማይ ምድያቦም ገሪሙኒ ኢሉ። “ኩሉ ሰብ ካብ ስርሑ ደው ኢሉ፡ ስለ’ዚ እቲ ዘውጽእዎ ገንዘብ ከውሕድዎ ወይ ክቑጥቡ’ዮም ኢልካ ኢኻ ትሓስብ።” ድሕሪ ምባል “እተን ዓበይቲ ሱፐርማርኬታት ጽቡቕ ይኸዳ ኣለዋ፡ ብዙሓት ንኣሽቱ ቸርቸርቲ ግን ይሳቐያ ኣለዋ።” ክብል ገሊጹ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኣውስትራልያውያን ለበዳ ኮቪድ-19 ብህይወት ንምስጋር ኢሎም ተጓይዮም ዝኸዘንዎም ነገራት እንታይ ኔሮም? | SBS Tigrinya