Key Points
- ቀዳማይ ሚኒስተር ፕራዩት ቻን-ኦቻ ነቲ መጥቃዕቲ "ዘሰምብድ ፍጻመ" ኢሉ ጸውዖ ።
- ባንዴራታት ናይ "ታ ሃገር ንዝተቐትሉ ንምኽባር ኣብ ፍርቂ ተምበልቢሉ ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣብ ታሪኽ ፡ ሓደ ቀታሊ ኣብ ዓለም ካብ ዘጋጠመ ህልቂት ህጻናት እቲ ዝኸፍአ እዩ ።
ኣብ ታይላንድ ኣብ ዝርከብ ማእከል መውዓሊ ህጻናት ፡ ብኻራን ብጠበንጃን ካብ እተቐትሉ ፡ መብዛሕትኦም ቆልዑ ዝርከብዎም 37 ሰባት እዮም ።
እቲ ቀታሊ ፡ ን ባዕሉ ቅድሚ ምቕታሉ ፡ ንሰበይቱን ንናይ ገዛእ ርእሱ ቆልዓን ብጥይት ከም ዝቐተሎም ፡ ፖሊስ ሓቢሩ ኣሎ ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ መውዓሊ ሕጻናት ናይ ታይላንድ እንታይ እዩ ተፈጺሙ?
እቲ ዕጡቕ ፡ ጥይት ፡ ሽጉጥን ካራን ሒዙ ፡ ድሕሪ ቀትሪ ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናንጋ ቡዋ ላም ኣውራጃ ዝርከብ ማእከል መውዓሊ ህጻናት ተዅሲ ከፊቱ ።
እቲ ሓለቓ ኣለይቲ ሕሙማት ናንቲቻ ፑንቹም ፡ እቲ ዕጡቕ ኣብ ኣውራጃ ኡታይ ሳዋን ናብ ዝርከብ ህንጻ ምስ ኣተወ ፡ ብዛዕባ እቲ ዘስካሕክሕ ትርኢት ክገልጽ'ከሎ፡
"ኣብ ወጻኢ እቲ መውዓሊ ህጻናት ምሳሕ ዝበልዑ ሰራሕተኛታት ነይሮም ፣ እቲ ዕጡቕ ድማ ማኪናኡ ደው ኣቢሉ ፡ ንኣርባዕተ ካባታቶም ቀቲሉ"
"እቲ ተኳሲ ነቲ ማዕጾ ብእግሩ ጨፍሊቑ ምስ ኣተወ ፡ ናብ ውሽጢ ኣትዩ ንርእሲ እቶም ቈልዑ ብኻራ ክቖርጽ ጀመረ ።
"ኣብ ማእከል መውዓሊ ህጻናት ኡታይ ሳዋን ፡ ተዅሲ ጀሚሩ ፡ እናሓረደ ህጻናት ቀቲሉ" ይብል ።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ፡ እቲ ብዓል ሽጉጥ ናብ ቤቱ ከይዱ ፡ ህይወቱ ቅድሚ ምጥፋኡ ንኣባላት ስድራ ቤቱ ከም ዝቐተለ ፡ ፖሊስ ሓቢሩ ።
ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ዘፍርሕ መጥቃዕቲ ንመራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ተዛሪቦም እዮም ።
"ናባይ ገጹ ይኸይድ ስለ ዝነበረ ፡ ምሕረት ክገብረለይ ለሚነዮ ፡ እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ኣይፈልጥን እየ" ብምባል ሓንቲ ተጨኒቓ ዝነበረት ሰበይቲ ንብዓት እናሰዓራ ንThaiPBS ሓቢራ ።
ሓንቲ ሰበይቲ ፡ "ዋላ ሓንቲ ኣይተዛረበን ፡ እቶም ቈልዑ ደቂሶም ከለዉ ኣብ ኣፍ ደገ ኮይኑ ብጥይት ክትኩስ ጀሚሩ" በለት ።
ኣፈኛ ፖሊስ እታ ሃገር ፓይሳል ሉሶምበን ፡ እቲ ፍጻመ ዘስካሕክሕ ከም ዝዀነ ገለጸ ።
"ዋላ ሓደ ሰብ ክርእዮ ዘይደሊ ነገር እዩ" ድማ በሉ ።
ድሕሪ እቲ ፍጻመ ፡ ወለዲ ኣብቲ ካብ መውዓሊ ሕጻናት ወጻኢ ኰይኖም ክበኽዩ ዊዒሎም ።
እቶም ግዳያት መን'ዮም?
በቶም ጉጅለ ድሕነት ኣብቲ ናይ መውዓሊ ህጻናት ማእከል ዝተወስዱ ስእልታት ብሮይተርስ ዝተዘርግሑ ፡ ናይ ህጻናት ሬሳ ብ ኮቦርታ ተጠቕሊሎም ክውሰዱ ኣርእዮም ።
ሓላፊ ሃገራዊ ፖሊስ ዳምሮንግሳክ ኪቲፕራፕ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብቶም ዝተቐትሉ 37 ሰባት እቶም 23 ህጻናት ምዃኖም ሓቢሩ ።
ካብቶም ምዉታት ድማ ፡ ሰበይቱ ናይቲ ቀታልን ውሉዱን ካልኦት 12 ሰባት ድማ ቆሲሎም ።

ሓንቲ ነፍሰ-ጾር ዝነበረት መምህር ኣብ መንጎ እቶም ግዳያት ከምዝነበረት ተፈሊጡ ኣሎ ።
ፖሊስ ዝርዝር ሓበሬታ እኳ እንተ ዘይሃበ: ካብቲ ጃምላዊ ቅትለት ሒደት ቈልዑ ብህይወት ከም ዝተረፉ ግን ሓበሩ ።
ብኸመይ ተፈጺሙ?
ኣቶ ዳምርሮንግሳክ ከምዝሓበሮ ፡ እቲ ዝተጠቐምሉ ሽጉጥ ብሕጋዊ መገዲ ተዓዲጉ ፡ ናይ ብሕቱ መሳርሒ እምበር ንብረት ፖሊስ ኣይነበረን ።
ታይላንድ ጽኑዕ መጠን ዋንነት ጠበንጃ እኳ እንተለዋ ፡ ጃምላዊ ተዅሲ ግን ሳሕቲ እዩ ዘጋጥም ።
ብመሰረት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፡ ኣብ ኣገልግሎት ብዝርከቡ ወተሃደራት ፡ ዝፍጽሙ ቅትለት እንተ ወሓደ ክልተ ሳዕ ነይሮም እዮም ።

ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ፡ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ንኽልተ መሳርሕቱ ኣብ ርእሰ ከተማ ባንኮክ ዝርከብ መደበር ወተሃደራዊ ስልጠና ቀተሎም ።
ብ2020 ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ፡ ኣብታ መንግስቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ፡ ሓደ ወተሃደር ን17 ሰዓት ኣብ ዝወስድ ማሕረዲ ብጠበንጃ ን29 ሰባት ቀተለ ፣ ብኮማንዶ ኸይተቐትለ ከሎ ድማ ፡ ሓያሎ ሰባት ቀተለ ።
እቲ ቀታሊ መን'ዩ?
ፖሊስ ፡ ነቲ ብዓል ሽጉጥ ፡ ፓንያ ካምሮብ ዝስሙ ኣባል ፖሊስ ታይላንድ ዝነበረ ከምዝኾነ ሓበረ ።
እቲ ወዲ 34 ዓመት ፡ ኣብ ቀረባ እዋን እዩ ካብ ስራሕ ተሰጒጉ ።
ኣብ ወርሒ ጥሪ ስርሑ ደው ከምዘበልን ኣብ ሰነ ድማ ብምኽንያት ምጥቃም ሓሽሽ ከምዝተሰጎን ሚስተር ዳምሮንግሳክ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ ።
"ጽባሕ ምስ ሓሽሽ ብዚተሓሓዝ ክሲ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ከም ዝግብኦ እፈልጥ እየ" ድማ በለ ።
ምስክር ወዲ 31 ዓመት ዝዀነ ፓዊና ፐሪቻን ፡ እቲ ዕጡቕ ኣብቲ ከባቢ ወልፊ ሓሽሽ ከም ዝነበሮ እዩ ዝገልጽ ።
ንምንታይ ጌርዎ?
እቲ ሓለቓ ፖሊስ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ወልፊ ሓሽሽ ዝነበሮ ምዃኑ ዝፍለጥ እንተኾነ ኣብቲ መጥቃዕቲ እተፈጸመሉ እዋን ሓሽሽ ወሲዱ እንተ ነይሩ ግና ኣይፍለጥን እዩ ነይሩ ።
"እቲ ሎሚ ዘጋጠመ ነገር ፡ ኣብ መጻኢ ነዚ ነገር እዚ እንደገና ንኸየጋጥም ትምህርቲ ክኸውን እዩ" በለ ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ ፕራዩት ቻን-ኦ-ቻ ፡ ንሓለቓ ሃገራዊ ፖሊስ ፡ "መርመራ ብቕልጡፍ ክካየድ" ኣዚዙ ኣሎ ።
"እዚ ክኸውን ኣይነበሮን" ። ንጋዜጠኛታት ከኣ ፡ "እዚ ነገር እዚ ፡ ፈጺምካ ክፍጸም የብሉን" በሎም ።
"ንእተጐድኡን ሰቦም ዝሞትዎምን (ነቶም ዘፍቅርዎም) ኣዝየ እየ ዝድንግጸሎም ።"
መልሰ ግብሪ መራሕቲ ዓለም How are world leaders responding?
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዝ ብትዊተር ኣብዘሕለፎ መልእኽቲ ሓዘን፡ "ነዚ ዘስካሕክሕ ዜና እዚ ንምሕሳቡ ዘይከኣል እዩ" በለ ።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ፔኒ ዎንግ ፡ "ልብና ንስድራ ቤትን ንማሕበረሰብን ይሓዝን" ክትብል ከላ ፡ መራሒ ፌደራል ተቓዋሚ ፒተር ዱተን ድማ ፡ " ኢሰብኣዊ ጃምላዊ ቅትለት" ምዃኑ ገሊጹ ።
"ሎሚ ንግሆ ኣብ ታይላንድ ብዛዕባ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ምስ ሰማዕኩ ፡ ኣዝየ እየ ሰንቢደ ። ኵሎም እቶም በዚ ጉዳይ እዚ እተጠቕዑን ሓሳበይ ምስቶም ናይ መጀመርታ ምላሽ ዝረኸቡን ሰባት ኣሎ " ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሊዝ ትሩስ ።
ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስን ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣንቶንዮ ጉተረስ ክልቲኦም በቲ መጥቃዕቲ ኣዝዮም ከም ዝሰምበዱ ንስድራቤት እቶም ግዳያት ድማ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ሰዲዶምሎም ።
ሕጂ እንታይ ይኸውን ኣሎ?
ንጉስ ታይላንድ ማሃ ቫጂራሎንግኮርን ቀዳማይ ሚኒስተር ፕራዩትን ጸኒሖም ነቶም ካብቲ መጥቃዕቲ ዝደሓኑበጺሖሞም እዮም ።
ብሓደ ለይቲ ሬሳ እቶም ግዳያት ዝሓዘ ሳንዱቕ ሬሳ ኣብታ ኡዶን ታኒ እትበሃል ኣብ ገጠር እትርከብ ጥቓኣ እትርከብ ከተማ ሞርጋሽ በጽሐ ። ኣብ ወጻኢ እቲ መውዓሊ ህጻናት ፡ ኣብ ሓደ ከባብያዊ ምምሕዳር ዝርከብ ብሎካት እተሰርሐ ንእሽቶ ህንጻ ፡ ብዙሓት ሰባት ዓርቢ ዓርቢ ተኣኪቦም ሓዘኖምን ኣኽብሮቶምን ክህቡ ኣምስዮም ።
ባንዴራ እታ ሃገር ኣብ መንግስታዊ ህንጻታት ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ ኣብ ታሪኽ ታይላንድ ካብ ዘጋጠመ ፍጻመታት ፡ ንሓንቲ ናይ ሓዘን መዓልቲ ተባሂላ ኣብ ፍርቂ ተንበልብል ኣላ።

