ካብ ዝመጽእ ክልተ ሓምለ፡ እዞም ሕጂ ዝስራሓሎም ክፍሊት መእለዪ ህጻናት (Child Care Benefit)ን ተመላሲ ክፍሊት መእለዪ ህጻናትን (Child Care Rebate) ክስረዙ’ዮም፡ በዚ ሓድሽ 'ድጎማ ንመእለዪ/መውዓሊ ህጻናት (Child Care Subsidy)' ዝተሰምየ ከኣ ክትክኡ’ዮም። እዚ ክፍሊት ብቐጥታ ናብ ኣገልግሎታት ክንክን ህጻናት ክኽፈል’ዩ። ፈደራል ሚኒስተር ትምህርትን ስልጠናን ሳይሞን በርሚንግሃም እዚ ሓድሽ ኣሰራርሓ ንወለዲ ዝያዳ ቀሊል ክኾነሎም’ዩ ክብል ይገልጽ።
"ንሕና እዚ ኣሰራርሓ/ስርዓት ክንክን/መውዓሊ ህጻናት ንሰባት ክርድእዎ ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእል ንርዳእ ኢና፡ ብፍላይ ከኣ ምናልባት ነቶም ካብ እንግሊዝኛ ዝተፈልየ ድሕረባይታ ቋንቋ ዘለዎም፡ ነዚ’ዩ ኸኣ ናብ ሓደ ንጽል ሓድሽ ድጎማ ክንክን ህጻናት ከነቃልሎ ንሰርሕ ዘሎና። ዝያዳ ኣገዳሲ ግን ሰባት ንዕኦም ኣብ ዝጥዕሞም ሰዓታት ስራሕ ወይ ከኣ ኣብ ዝጥዕሞም መዓልታት ክሰርሑ ክንሕግዞም ክንክእል ንደሊ ዘሎና።"
ዝበዝሑ ወለዲ ሓንሳብ እዚ ሓድሽ ድጎማ Child Care ምስ ተጀመረ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ክህልው/ክቕመጡ’ዮም። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ስድራቤታት Child Care Rebate ንሓደ ህጻን $7500 ኣብ ዓመት ገደብ ይወሃቦም። ካብ ወርሒ ሓምለ ግን ኣብ መጠን’ቲ ዝበዝሑ ስድራቤታት ዝረኽብዎ Child Care Subsidy ገደብ/ጠርዚ ኣይክህልዎን’ዩ። ስነተር በርሚንግሃም መንግስቲ ዋጋ መውዓሊ ህጻናት ንወለዲ ካብ ምስራሕ ክኽልክሎም ከምዘይብሉ ምርግጋጽ ድሌቱ’ዩ ኢሉ።
"ኣዝዮም ብዙሓት ስድራቤታት፡ ኣነ ከምዝሰማዕክዎ፡ ወይ እቲ ጠርዚ ናይ $7500 በጺሖሞን ኣብ ፍርቂ ዓመት ምስ በጽሑ ክፍሊታት መውዓሊ ህጻናት ክሽፍኑ ካብ’ቲ መስርሕ ሃዲሞምን ብሓቂ ይጽገሙ ኣለውን ወይ ከኣ ብሰንኩ ውሑዳት ሰዓታት ጥራይ ይሰርሑ ኣለው። ስለ’ዚ እዚ ሓድሽ ኣሰራርሓ ነዚኦም ሕርኽራኻት ከወግዶም’ዩ፡ ውልቀሰባትን ስድራቤታትን በቲ ንዕኦም ዝምችኦም ሰዓታት፡ ኣብ’ቲ ዝጥዕሞም መዓልታት፡ ክሰርሑ ክተባብዑ ክሕግዞም’ዩ፡ እቲ ደገፍ Child Care ከኣ ንዕኦም ተቐሪብሎም ከምዝጸንሕ ክፈልጡ’ዮም።"
ሰማንታ ፐይጅ (Samantha Page) ዋና ኣካያዲት Early Childhood Australia’ያ። ንሳ እቶም ክልቲኦም ወለዲ ዝሰርሑ ዘለውዎም ስድራቤታት’ዮም ካብ’ዚ ሓድሽ መደብ መውዓሊ ህጻናት ዝያዳ ዝረብሑ ትብል።
"ንዝበዝሑ ስሩዕ ስራሕ ዘለዎም ወለዲ፡ ክልቲኦም ወለዲ ዝሰርሑን ስርሖም ብመጠኑ ዝተረጋግአ ዝኾነን፡ ድሕሪ’ዚ ምናልባት ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ክህልው’ዮም፡ ንብዙሕ ምኽንያታት ዝሓሹ ክኾኑ’ዮም። ቀዳማይ- እቲ ድጎማ ቁሩብ ብዝሕ ዝብል’ዩ፡ ካልኣይ- ንChild Care Rebate ዝምልከት ናይ $7500 ገደብ ኣብ ዓመት ንብዙሓት ስድራቤታት ክለዓለሎም’ዩ፡ ከም’ቲ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ዝነበረ እቲ ድጎማ ኣይክውደኦምን’ዩ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ንብዙሓት ክልቲኦም ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ ወለዲ ወይ ዝሓሸ ክኾነሎም’ዩ ወይ ከኣ ከም'ቲ ዘለውዎ ክህልው’ዮም።"
ሓንቲ ስድራቤት ብመንጽር ሓደ ህጻን ዝወሃባ መጠን ኣብ ዓይነታት ኣገልግሎት መውዓሊ ህጻናት፡ ድምር እቶት’ታ ስድራቤትን ደረጃ ንጥፈት ወለዲን ዝምርኮስ ክኸውን’ዩ። እቲ ዝለዓለ መጠን ድጎማ ንምርካብ ክልቲኦም ወለዲ ገለ መዓልታት ኣብ ሰሙን ዝሰርሑ ክኾኑ ኣለዎም ወይ ከኣ ካልእ ብወግዒ ዝተፈቕደሎም ንጥፈታት ዘካይዱ ክኾኑ’ለዎም። ሰነተር በርሚንግሃም እቲ ዝካየደሎም መጻረዪ ፈተና ንጥፈታት (activity test) ኣብ ትምህርቲ ምህላው፡ ወለንታዊ ስራሕ ምክያድ፡ ስራሕ ምድላይን ኣብ ዕረፍቲ ወሊድ ምህላውን ዘካትት’ዩ ይብል።
"ስለ’ዚ እቲ መዐቀኒ ፈተና ንጥፈት (activity test)ሰፊሕ’ዩ። ወለንታዊ ስራሕ ምክያድ፡ ከም ኣብ ደቅኻ ዝመሃርሉ ቤት ትምህርቲ ብወለንታ ምስራሕ ወይ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ መውዓሊ ህጻናት ወይ ማእከል ጀመርቲ ትምህርቲ/ኣዚሎ ወይ ኣብ ዝኾነ ካልእ ብዙሕ ንጥፈታት ብወለንታ ምስራሕ ይሕሰብ’ዩ፡ ሞያዊ ስልጠናን ትምህርትን ከኣ ካልኦት ዝሕሰቡ’ዮም። ስለ’ዚ ብዛዕባ ስራሕ ጥራይ ኣይኮነን፡ ብሓፈሽኡ ንሕና ድጎማታት/ሓገዛት መውዓሊ ህጻናት ዓሊምና ነተኩረሎም ዘሎና ናብ’ቶም ኣብ ሕብረተሰብና ንጡፋት ክኾኑ ንደልዮም ሰባት ኣብ'ቲ ንደልዮ ዓይነታት ንጥፈታት ክጽመዱ መታን ክኽእሉ ብሓቂ ድፍኢት ዘድልዮም ሰባት’ዩ።"
ዝተረጋግአ ስራሕ ዘለዎም ወለዲ ዝሓሹ ክኾኑ እንከለው፡ ሰማንታ ፐይጅ ከምትብሎ ሓደ ካብ’ቶም ወለዲ ምሉእ ሰዓታት ስራሕ ዘይብሉ ዘለዎም ስድራቤታት ግን ኣብ’ቲ ዝወሃቦም ድጎማ ንመውዓሊ ህጻናት ክጎድሎም’ዩ።
"ሓደ ወይ ክልቲኦም ወለዲ ኣብ ግዝያዊ ስራሕ ወይ ኮንትራት ወይ ተቐያያሪ ኣታዊ፡ ንኣብነት ንገለ ሰሙናት ክሰርሑ ዘለዎም፡ ድሕሪኡ ንገለ ሰሙናት ዋላ ሓንቲ ዘይሰርሑ፡ ከም'ዚኦም ወለዲ በቲ መፈተኒ/መዐቀኒ ንጥፈታት ከም ተኽእሎ ብኣሉታ ክጽለው’ዮም፡ ከመይ ከምዝጸልዎም ብግቡእ ክርድእዎ ከኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ።"
እቲ ዝለዓለ ወይ ልዑል መጠን Child Care Subsidy ንምርካብ፡ ሰማንታ ፐይጅ ወለዲ ብኣጋ ወይ ኣቐዲሞም ክዳለው ኣለዎም ትብል።
"እቲ ክገብርዎ ዝኽእሉ፡ ምናልባት ኣብ ገለ ዓይነት ትምህርቲ ክምዝገቡ፡ ወይ ኣብ ወለንታዊ ዕዮ ክምዝገቡ፡ ወይ እቲ ኣታዊኦም ማእከላይ ገምጋም ክግበረሉ ምሕታት፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ግዝያዊ ስራሕ ዝተዋፈሩ ኣታዊኦም ኣብ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ መደብ ግዜ ማእከላይ ገምጋም ክግበረሉ ክሓቱ ኣለዎም፡ ሓገዝ/ድጎማ ምርካብ ብቐጻሊ መታን ክኽእሉን ደቆም ኣብ ጀማሪ ቤት ትምህርቲ ምውዓል ክቕጽሉን።"
እዞም ለውጥታት ንስድራቤትኩም ከመይ ይትንክፍዎም ኢልኩም ትሓስቡ እንተሃሊኹም፡ ሰነተር በርሚንግሃም መንግስቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብቐጥታ ገምጋም ኣታዊ ዝህብ online estimator ቀሪቡ’ሎ ክብል ይገልጽ።
"ኣነ ሰባት ኦንላይን ከይዶም education.gov.au/ChildCarePackage ክበጽሑ ይመኽሮም፡ እዚ ሓድሽ መምርሒ ንዕኦም እንታይ ማለት ምዃኑ ሓበሬታ ዝረኽብሉ ጽቡቕ ቦታ’ዩ። ኣብ መርበብ ብቐጥታ ገምጋም ኣታዊ ዝህብ online estimator ሰባት ክርእይዎን ክጥቀምሉን ኣብ’ኡ ዘርጊሕናዮ’ለና፡ ንኩነታት ስድራቤቶም ብፍሉይ ከመይ ከምዝጸለዎም ክምልከቱ ይኽእሉ፡ ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት ከኣ ክንደይ ተወሳኺ ደገፍ ስድራቤቶም ክረኽቡ’ዮም ኣፍልጦ ይህቦም።"
ንሱ ስድራቤታት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክቕበሉ’ዮም ይብል።
"ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትሕቲ ስርዓተ ክንክን ህጻናት childcare system ህሉዋት እንተኾይኖም ኣብ’ዞም ዝመጹ ሰሙናት ተወሳኺ ሓበሬታ ክቕበሉ’ዮም። ናብ’ዚ ሓድሽ Child Care Subsidy ጽፉፍን ገልጠምጠም ዘይብሉ ምስግጋርን መታን ክህሉ፡ ቅድሚ ዕለት ክልተ ሓምለ ኩሉ ዝርዝራቶምን ሓበሬታቶምን ከምዝተሓደሰ ንምርግጋጽ ክወስድዎም ብዛዕባ ዘለዎም ስጉምቲታት ካብ መንግስቲ ሓበሬታ ክረኽቡ’ዮም።"
እዞም ምቅይያራት ንስድራኹም ከመይ ይትንክፍዎም ንምላጥን ኣብ መርበብ ብቐጥታ ገምጋም ኣታዊ ዝህብ online estimator ንምጥቃምን ናብ education.gov.au/ChildCarePackage ብጽሑ።