“ናይ ፈለማ ስታፍ ምስ ስታፍ ዝተገብረ ዘተ”፡ ዝኣርእስቱ ኣብ ናይ ሕቡራት ኣመሪካ ሓይሊ ባሕሪ ኤውሮጳን አፍሪቃን ናይ ትዊተር ገጽ ትማሊ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ከምዝገልጾ፡ ሓዲሽ አዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኮይኑ ተመዚዙ ዘሎ ብርጋዴር ጀነራል ክንዱ ገዙ ምስ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ አድሚራል ጀነራል ጂ ፎጎ ሳልሳይ ናይ ፈለማ ዘተ ኣካይዶም።
ኣብቲ ዘተ፡ እዚ ስርሑ ከም ሓዲሽ ዝጅምር ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምስ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብዝገብርዎ ጉዕዞ ምምዕባል ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከበድቲ ብድሆታት ኣብ ቅድሚኦም እንተለዉ እኳ ኣዚዩ ዘሀንጢ ዕማም ከምዝኾነ ከምዝገለጹ ተፈሊጡ፡፤
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ስልጣን ካብዝድይብ ንደሓር ከም ዋዛ በብቕሩብ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከምዘማዕብል ዘረባታት ክዛረብ ምስጀመረ፡ “ኢትዮጵያ ባሕሪ ዘይብላ ከመይ ኢላ እያ ሓይሊ ባሕሪ ክትገብር” ዝብል ሕቶ ብዙሓት ኮይኑ ድሕሪ ምሽናሕ ነቲ ስራሕ ብግብሪ ንምጅማር፡ ድሮ፡ ብዙሓት ካብ ኣባልት ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ኮይኖም ክስልጥኑ ናብ ፈረንሳ ከምተላእኩ ክግለጽ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ፡ ኣብዚ ቕነ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንብርጋዴር ጀነራል ክንዱ ገዙ ናይቲ ዝምዕብል ሓዲሽ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ አዛዚ ክኸውን መዚዝዎ ዘሎ። ኣብዚ ሓለፈ ቅሩብ ኣዋርሕውን ንፕረሲደንት ክልል ኦሮሚያን የማናይ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝኾነ ለማ መገርሳ፡ “ኢትዮጵያ ባሕሪ ዘይብላ ክነሳ ከመይ ኢላ ሓይሊ ባሕሪ ክትገብር ትሓስብ ኣላ?” ተባሂሉ ምስተሓተ፡ “እንታይ ይፍለጥ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ኢትዮጵያ ባሕሪ ክትውንን ትኽእል ትኸውን።” ዝብል መልሲ ሂቡ ኔሩ።
ብርጋዴር ጀነራል ክንዱ ገዙ፡ ምስቲ መላፍንቲ ህወሓት ዝኾነ ብ ኢድን ኣባል ዝነበረን ኣብ ኮሌጅ መሰልጠኒ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ መምህር ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐን፡ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ተመኩሮን ትምህርትን ዘይጸንሖ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

