SKIP TO MAIN CONTENT

ሓሙሽተ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዝነበሩ ንሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ ዝድግፍ ወግዓዊ መግለጺ ኣውጺኦም።

እቶም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዝነበሩ ሎሚ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኮይኖም ደገፎም ንኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ብወግዒ ዝገለጹ እዞም ዝስዕቡ እዮም። 1) ኣድሓኖም ገብረማርያን፡ ናይ ቀደም ኣምባሳደር ኣብ ናይጀርያ, 2) ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ናይ ቀደም ኣምባሳደር ኣብ በልጂዩምን ሕብረት ኣውሮጳን 3) መስፍን ሕጎስ፡ ናይ ዞባ ደቡብ ኣመሓዳሪ ነበር, 4) መሓመድ ብርሃን ብላታ፥ ናይ ቀደም ኣማሓዳሪ ደቀምሓረ 5) ሙሕየዲን ሸንገብ ናይ ቀደም ኣቦ ወምበር ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ እዮም።

News
Source: Awate.com

2 min read

Published

Updated

Skip to article content

ሚኒስተር ፋይናን ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ኮይኑ “ኤርትራ ሃገረይ” ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዛ ክልተ መጻሕፍቲ ተሓቲመን ኣብዚ ቅሩብ እዋን ኣብ ኣመሪካ ከምዝተመረቓን፡ ንህዝቢ ኤርትራን ንፕረሲደንት ኢሳይስን ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ብድምጺ ኣብ ማሕበራዊ መዲያታት ተዘርጊሑ ቀኒዩን ኣሎ። ፕረሲደንት ኢሳያስ ካብ ስልጣን ክወርድ ሚኒስተር ብርሃነ ብቕሉዕ ዝሓተተ ኮይኑ፡ እቶም ኣብ ስደት ዝነብሩ ዘለዉ ኣባላት ባይቶ ኤርትራ፡ ሚኒስተር ብርሃነ “ፕረሲደንት ኢርትራ ካብ ስልጣኑ ከልግስ ዝገበሮ ጻዊዒት ንድግፍ” ድሕሪ ምባል ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝንበሩ ብጾቶም ንብርሃነ ኣብርሀ ደገፎም ክገልጹ ጸዊዖም።

ኣብቲ ናይ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሃ ናይ ድምጺ መልእኽቲ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነቲ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝበኾረ ሃገራዊ ባይቶ ክእክብ ጸዊዑ ኣሎ።  ብተወሳኺ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ መልእኽቱ፡ “ኣብቲ ዝግበር ናይ ሃገራዊ ባይቶ ኣኼባ፡ ስልጣንካ ከተረክብ ክትሕተት ኢኻ ዝትክኣካ ሰብ ድማ እቲ ባይቶ ክመርጽ እዩ።” ብምባል፡ ምስ ኢሳያስ ገጽ ንገጽ ተራኺቡ ክብድሆ ከምዝደሊ’ውን ሓቲቱ ኣሎ።

ካብ ሕሉፍ ተመኩሮ፡ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ኮይኑ ዝተፈልየ ርእይቶ ዘቕረበ ወይ ንፕረሲደንት ኢሳያስ ሕቶ ምውራድ ዘቕረበሉ ኣብ ማእሰርቲ ክሓቅቕ ስለዝግበር፡ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ዕጫ ከምቶም ዝሓለፉ ከይበጽሖ ብዙሓት ይሻቐሉ ኣለዉ።

እቶም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዝነበሩ ሎሚ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኮይኖም ደገፎም ንኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ብወግዒ ዝገለጹ እዞም ዝስዕቡ እዮም። 1) ኣድሓኖም ገብረማርያን፡ ናይ ቀደም ኣምባሳደር ኣብ ናይጀርያ, 2) ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ናይ ቀደም ኣምባሳደር ኣብ በልጂዩምን ሕብረት ኣውሮጳን 3) መስፍን ሕጎስ፡ ናይ ዞባ ደቡብ ኣመሓዳሪ ነበር, 4) መሓመድ ብርሃን ብላታ፥ ናይ ቀደም ኣማሓዳሪ ደቀምሓረ 5) ሙሕየዲን ሸንገብ ናይ ቀደም ኣቦ ወምበር ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ እዮም።

ብዘይካ እዞም ንኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ደገፎም ብወግዒ ገሊጾም ደብዳበ ዝጸሓፉ ብተወሳኺ ክልተ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ብስደት ይነብሩ ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፡ ሃይለ መንቆሬዎስ፡ ናይ ቀደም ኣምባሳደር ኣብ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ከም ኡውን ሂወት ዘሚካኤል እዮም።

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now