ሓንቲ ኤርትራዊት፡ ኣብ ፐርዝ ኣውስትራሊያ ዝርከብ ኣፍ ደገ ገዝኣ ብመኪናኣ ተረጊጻ ሞይታ።

Eritrean Woman

Eritrean Woman who died in Perth Source: AAP

ሓንቲ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዋ ሰበይቲ ኣብ ፐርዝ ኣብ ዝርከብ መእተዊ ገዝኣ ብመኪናኣ ተረጊጻ ሞይታ

ናይ ወስት ኣውስትራሊያ ወሃብ ቃል ፖሊስ ከምዝሓበሮ እታ ጓል  41-ዓመት ኣደ ሓንቲ ቆልዓ፣ ብሓሙስ ሰዓት 5:15 ናይ ሚሸት ሓመኹሽታይ ሕብሪ ዘለዋ Hyundai i30 hatchback, መኪና ኣብ ኣፍ ገዝኣ ደው ተብል፣ እታ ሰበይቲ ካብ መኪናኣ ወጺኣ ጋራጃ ክትከፍት ምስ ወረደት መኪናኣ ንድሕሪት ክትንቀሳቐስ ጀመረት፣ ነታ መኪና ናብ ጽርጊያ ከይትወርድ ደው ከተብላ እንተፈተነት'ኳ ወዲቓ ኣብ ትሕቲ እታ ብዘይዘዋሪ ንድሕሪት  ትምለስ ዝነበረት ኣትያ ተቐርቂራ ሞይታ።

ብድሕር'ዚ እታ መኪና ናብቲ ድሕሪኣ ዝነበረ መንደቕ ተጋጭያ ደው ኢላ።

ሓንቲ ገነት ዝተባህለት መሓዛ መዋቲት ነቲ ኩነታት “ዘሕዝን ፍጻመ” ኢላ ትገልጾ።

ንሳ ንABC ከምዝገለጸቶ፣ እታ ሰበይቲ ምስ ሓንቲ ጓላ ቅድሚ 5 ዓመት’ያ ካብ ኤርትራ ናብ ፐርዝ፡ ኣውስትራልያ፡ ብስደት መጺኣ። አብ ግዜ'ዚ ጸብጻብ 8 ዝኾኑ ኣዝማድ መዋቲት ኣብ ፐርዝ አብ ሓዘን ይርከቡ ነይሮም።


1 min read

Published

Updated

Source: ABC Australia



Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now