ኣባላት ሓይሊ ኣየር ሱዳን ኣብ'ቲ ብቐጻሊ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓል ኣንጻር መንግስቲ ዑመር ኣልበሽር ክንጽንበር ኢና ኢሎም። ምስ'ዚ ሓድሽ ብስራትን ጨና ዓወትን ጎደናታት ሱዳን መንግስቲ ሱዳን ክወርድ ብዝጠልቡ ሰልፈኛታት ብቐጻሊ ተታሒዞም ኣለው። ሱዳናውያን ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሰራዊት ሱዳን ተኣኪቦም ኣብ ጎደና ኮፍ ኢሎም ተቓውሞኦም ከስምዑ ቀንዮም። ኣብ'ዘን ሒደት መዓልታት ፍሉይ ነገር ዝተፈጥረ ኣብ ጎደናታት ኻርቱን ደቀንስዮ ዝዓብለልኦ ሰልፍታት ዝተኻየዱ ኮይኖም ሱዳናውያን ደቀንስትዮ ስነጥበባዊ ክእለተን ተበላሓትነትን ዘጉልሓሉ ኮይኑ'ሎ። ጓል 22 ዓመት መንእሰይ ዓላ ሳላሕ ዝተባህለት ሓንቲ ጓለንስተይቲ አብ ልዕሊ መኪና ተሰቒላ ህዝቢ ክትጉስጉስን ከተነቓቕሕን እንከላ ዘርኢ ስእሊ ኣብ መላእ ዓለም ብማሕበራዊ መድረኻት ተዘርጊሑ ገጹ ናይ'ቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ክትከውን ገይርዋ'ሎ። ዓላ ኢዳ ናብ ሰማይ እናመልከተት ብፎቶግራፈር/ሰኣሊት ላና ሃሩን ኣብ ዝተላዕለት ስእሊ ብዙሓት ካልኦት ሰባት እናሰምዑዋን ብተንቀሳቓሲ ቴሌፎኖም/ሞባይሎም እናሰዓልዋን ትረአ። ሱዳናውያን ድሮ 'ኑባዊት ንግስቲ' ብምባል ይጽውዕዋ ኣለው። ንሳ ተመሃሪት ምህንድስና/ኢንጂኒሪንግን ኣርኪተክቸርን ከምዝኾነት ዝተረጋገጸ ኮይኑ እታ ስእሊ ብዙሓት ታሪኻዊት'ያ ክብሉ የወድስዋ ኣለው። እታ ምስሊ ኸኣ ምስሊ ናይ'ቲ ሰውራ ክትከውን'ያ። ደቀንስትዮ ሱዳን ኣብ'ዚ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝዓበየን ቀጻልን ተቓውሞ መሪሕነት ሒዘን ከምዘለዋ ዘመልክት'ዩ ይብሉ ተንተንቲ።
ዓላ ሳላሕ ብመንገዲ ትዊተር አብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ እታ ስእላን ቪድዮኣን ኣብ መላእ ዓለም ብቕልጡፍ ምስ ተዘርግሐ ናይ ክንቀትለኪ ኢና ዝብሉ ምፍርራሓት ይመጸኒ'ሎ፡ ኣነ ግን ሰጋእ ኣይክብልን'የ። ድምጸይ ክዕፈን ኣይክእልን'ዩ። ዝኾነ ነገር እንተጋጢሙኒ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ተሓታቲ ክኸውን'ዩ ኢላ። እቲ ናይ ደገፍ መልእኽታት ግን ገና ይቕጽል ኣሎ።
ብመሰረት ጸብጻብ ጋዜጣ ዋሺንተን ፖስት እዚ ተቓውሞታት 100 መዓልታት ኣብ ዝመልኣሉ ዘሎ እዋን ሓይልታት ጸጥታን ሰራዊትን ሱዳን ክልተ ወሰንቲ ምርጫታት ኣጋጢመንኦም ኣለዋ። ንመንግስቲ ተኣማኒ ኮንካ ምቕጻል ዶ ወይስ ምስ ህዝቢ ተጸንቢርካ ኣንጻር መንግስቲ ምቅዋም። እዚ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ስዳን ዝወሰድዎ ስጉምቲ ኸኣ እቲ ማዕበል ናበይ ገጹ ይሕንበብ ከምዘሎ ዘመላኽት'ዩ ይብሉ ብዙሓት ተዓዘብቲ።

