መንግስቲ ሱዳን ዋጋ ሓደ ባኒ ካብ ሓደ ፓውንድ ናብ ሰለስተ ፓውንድ ክብ ከብሎ ምውሳኑን ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው መፍትሒ ስለዘይተረኽቦን ብረቡዕ ዝጀመረ ህዝባዊ ተቓዉሞ ኣብ መላእ ከተማታት ሱዳን ከምዝለሓመ ካብታ ሃገር ዝወጹ ዘለዉ ዜናታት ሓቢሮም። ኣብዚ ዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ተቓዉሞ ዛጊት 10 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ ተቓዉሞ ካብ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ትርከብ ከተማ ኣትባራ ጀሚሩ ናብ ገዳርፍ ድሕሪ ምልሓም ናብ ካርቱምን ከባቢታት ኡንዱርማን ኣባጺሑ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣልጀዚራ ካብቲ ቦታ ከምዝጸብጸቦ፡ ኣብ ገዳሪፍ ድሕሪ ሰልፈኛታትን ኣኽበርቲ ጸጥታን ዝተገብረ ግጭት 6 ሰባት ሞይቶም ናይ ህጹጽ ኩነታት ኣዋጅ ድማ ተኣዊጁ ኣሎ።
ኩነታት ቁጠባ ንምምሕያሽን ዋጋ ባኒ ንምጉዳልን መንግስቲ ዝከኣሎ ከምዝገብር ብቐዳም ሚኒስተር ሓበሬታ ሱዳን ሓቢሩ ኣሎ። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሱዳን ብ ዓርቢ ከምዝገለጾ ድማ ኣብተን ቀዳሞት ክልተ መዓልታት ዝተገብሩ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊታት ብዘይዝኾነ ጸቕጢ ብም ዕቡል ኣገባብ ከምዝግትኡ ተጌሮም ይብል። እቲ ወሃብ ቃል ወሲኹ "ሰላማዊ ተቓዉሞ ብሰለዂቲ ተጫውዩ ኣብ ህዝባዊ ትካላትን ንብረትን ዓሊሙ ዕንወት ተፈጺሙ፡ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ዓኒዩን ተቓጺሉን።” ክብል ከምዝገለጸ ወኪል ዜና ሱዳን ሱና ሓቢሩ።
ኣብ 2011 ደቡብ ሱዳን ካብ ሱዳን ምስተፈልየት ናይታ ሃገር ቀንዲ ምንጪ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዝነበረ ሰለስተ ርብዒ ጸጋታት ነዳዲ ናብ ደቡብ ሱዳን ብምኻዱ እታ ሃገር ብቑጠባዊ ቅልውላው ክትሕመስያ ጸኒሓ።
ኣብፈለማ ናይዚ ዓመት መንግስቲ ካብ ወጻኢ ዓዲጉ ብሕሱር ዝሸጦ ዝነበረ ሓርጭ ፊኖ ደው ምስ ኣበሎ ዋጋ ባኒ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ። ብዘይካዚ መጠን ሸርፊ ፓውንድ ሱዳን ብመንጽር ዶላር ኣመሪካ ኣብዚ ዓመት ብ 85 ሚእታዊ ሓሲሩ። ከምሳዕቤኑ ሱዳን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ መጠን ሸርፊ ፓውንድ ብምጉዳል ሓደ ዶላር 29 ፓውንድ ዝሽረፍ ዝነበረ ናብ 47.5 ፓውንድ ዋግኡ ከምዝወርድ ተጌሩ። እቲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋን ብወግዒ ዝሽረፍ ባጤራ ግና ፍልልዩ አናገፍሐ አዩ ከይዱ።
እቲ ካብ 1989 ኣትሒዙ ንልዕሊ 30 ዓመት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሺር፡ ቅልውላው ቁጠባ ሱዳን ኣብ ስልጣኑ ንኽጸንሕ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ኮይንዎ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ። ነዚ ንምፍዋስ ኣብዚ ቅሩብ ኣዋርሕ ገለ ገለ ስጉምትታት ክወስድ ተራእዩ እዩ። ሓዲሽ ኣመሓዳሪ ማእከላይ ባንክ ሸይሙን ገለ ገለ ናይ ፖሊሲ ምምሕያሽ ክገብር አንተፈተነኳ ንቅልውላው ቁጠባ እታ ሃገር ከመሓይሾ ስለዘይከኣለ ማዕበል ተቓዉሞ ህዝቢ መሊሱ ክደግስ ተራእዩ ኣሎ።

