ኣብ'ዚ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ዝተኻየደ መስርሕ ቆጸራ ህዝቢ ካብ'ቲ ቅድሚኡ ኣብ 2016 ዝተኻየደ እቶም ጎሊሖም ዝተራእዩ ለውጥታትን ምቅይያራትን እንታይ ኔሮም፧ ኣብ ጠርዚ ለበዳ ኮሮቫረስ ዝተኻየዱ ብምዃኖም ብዛዕባ ኣብ'ቲ ግዜ ዝነበረ መዕጸውቲን ድሩት መገሻታትን እንታይ ሓበሬታ ይህበና፧ ስዒቦም እምበኣር እቶም ጎሊሖም ዝተራእዩ ለውጥታት ቀሪቦም ኣለዉ።
- ህዝቢ ኣውስትራልያ ቅርጹን ዓይነቱን ይቕየር ኣሎ። እቶም ካብ ግዜ ምውዳእ ካልኣይ ኲናት ዓለም ክሳብ መፋርቕ ስሳታት ዝተወልዱ (በይቢ ቡመርስ ተባሂሎም ዝግለጹ) ወለዶን እቶም ካብ ፈለማ ሰማንያታት ክሳብ መፋርቕ ቴስዓታት ዝተወልዱ (ሚለንያልስ ተባሂሎም ዝግለጹ) ወለዶታት ቁጽሮም ተቐራራቢ ኮይኑ ክልቲኦም እቶም ዝዓበዩ ወይ ዝበዝሑ ጉጅለታት ዕድመ ኣብ ኣውስትራልያ ኮይኖም ኣለዉ።
- ብሓደ ወላዲ/ት ዝእለዩ ስድራቤታት (ንጽል ወላዲ/ት ስድራቤት) ቁጽሮም ወሰኽ ኣርእዩ። እዚ ናይ 2021 ቆጸራ ህዝቢ ንፈለማ ግዜ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን [1,068,268] ዝኾኑ ከም'ዚ'ኦም ዓይነት ስድራቤታት መዝጊቡ፣ ካብ'ዚኦም ካብ ነብሲ ወከፍ ሓሙሽተ ወለዲ እተን ኣርባዕተ ደቀንስትዮ እየን።
- ኣውስትራልያ ካብ'ቲ ዝነበረቶ ንላዕሊ ብዝሐ-ባህልታት ዘለዉዋ እናኾነት ትኸይድ ኣላ። እዛ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሓደስቲ ካብ ስግር ባሕሪ/ደገ ዝመጹ ነበርቲ ተቐቢላ፣ ብምኽንያት'ቲ ኣብ ፈለማ 2020 ዝተኸስተ ለበዳ ኮቪድ-19 እቶም ኣዝዮም ዝበዝሑ ካብ'ዚኣቶም ዶባት ቅድሚ ምዕጻዎም ዝመጹ'ዮም።
- ቆጸራ ህዝቢ 2021 ዳርጋ ፍርቂ (48.2 ካብ ሚእቲ) ኣውስትራልያውያን ኣብ ደገ ዝተወልደ ወላዲ ከምዘለዎምን ህዝቢ ኣውስትራልያ ካብ መላእ ከባቢታት ዓለም ምምጽኡ ከምዝቐጸለን ኣመልኪቱ፣ 27.6 ካብ ሚእቲ ኣብ ደገ ወይ ካብ ኣውስትራልያ ወጻኢ ተወሊድና ኢሎም መልሲ ሂቦም።
- እቲ ዝዓበየ ወሰኸ ኣብ ትውልዲ ዓዲ፣ ካብ ኣውስትራልያ ወጻኢ ማለት'ዩ፣ ህንዲ ኔሩ፣ ህንዲ ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ብሓፈሽኡ እታ ሳልሰይቲ ብብዝሒ ትውልዲ ዓድና ኢሎም ዘመዝገብዋ ሃገር ኮይና'ላ፣ ድሕሪ ኣውስትራልያን እንግሊዝን ማለት'ዩ፣ ድሕሪ ህንዲ ኸኣ ቻይናን ኒው ዚላንድን ይኽተላ።
- ማንዳሪን ድሕሪ እንግሊዝ እቲ ብዝሰፍሐ ኣብ ገዛ ዝዝረብ ቋንቋ ምዃኑ ቀጺሉ'ሎ፣ እንተኾነ ግን ፑ/ፐንጃቢ ካብ 2016 ንንየው እቲ ዝዓበየ ወሰኽ ዘርኣየ ኮይኑ።
- ቅርጽን ዝርጋሐን ሃይማኖትን እምነትን'ውን ኣብ ኣውስትራልያ ይቕየር ኣሎ። ቁጽሪ ናይ'ቶም ሃይማኖት የብልናን ኢሎም ዝመለሱ ሰባት ካብ 30 ሚእታዊት ቁሩብ ልዕል ኢሉ ዝነበረ ሕጂ ናብ ጥቓ 39 ካብ ሚእቲ ወሲኹ ወይ ደይቡ'ሎ።
- ኣብ'ቶም ሃይማኖት ኣለና ኢሎም መልሲ ዝሃቡ ክርስትና ሕጂ'ውን እቲ ቀንዲ/ዝዓበየ ሃይማኖት'ዩ፣ እንተኾነ ግን ኣብ ዝሓለፈ ዕቑድ (10 ዓመት) ምንካይ ቁጽሪ ኣርእዩ'ሎ፣ እቲ ቁጽሪ ኣብ 2016 52 ሚእታዊት (ካብ'ቶም ወሃብቲ መልሲ) ዝነበረ ኣብ 2021 ናብ ቁሩብ ትሕቲ 44 ሚእታዊት ወሪዱ'ሎ።
- ቆጸራ ህዝቢ 2021 ብተወሳኺ ንፈለማ ግዜ ብሓኪም ተመርሚሮም ዝተረኽቡ ወይ ዝተገልጹ ጸገማት ጥዕና እንተሃልዮም ዝተሓተትሉ ኔሩ። ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ፣ ሪሕ (ኣርትራይተስ)ን ኣዝማ (ኣስማ)ን እቶም ሰለስተ ብዝለዓለ ቁጽሪ ዝተሓበሩ ኔሮም።
- እንተኾነ ግን ካልኦት ተወሰኽቲ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ብውሑዱ ሓደ ካልእ ሕዱር ጸገም ጥዕና ኣለና ኢሎም ዘመልከቱ ኔሮም፣ ግን ነቲ ሕማሞም ወይ ጸገም ጥዕንኦም ኣብ'ቲ ቅጥዒ ክረኽብዎ ዘይከኣሉ።
- ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብ ቆጸራ ህዝቢ (ሰንሰስ) 2021 ጽልዋታት ኮቪድ ኣብ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓሳት ክንምልከት ንኽእል። ኣብ'ቲ ቆጸራ ህዝቢ ካብ ዝኣተወ ኣብ ቁጽሪ'ቶም ካብ ደገ ክበጽሑ ዝመጹ ሰባት ናይ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ምቕናስ ተራእዩ፣ ኣብ 2016 315,531 ዝነበረ ኣብ 2021 ናብ 61,860 ወሪዱ።