ሰራሕቲ ታሪኽ: ንጣሊባን በዲሀን ኣብ ፓሪስ መዳሊያ ዘቋምታ ዘለዋ ኣሓት ተወዳደርቲ ብሽክለታ፡

ፋሪባን ዩልዱዝ ሓሺሚን ኣብ ኣዝዩ ዓቃባዊ ከባቢ ስለ ዝዓበያ ፡ ብለይቲ ኺስልጥና ተገዶደን ። ድሕሪኡ ፡ ካብ ሃገረን ሃዲመን ። ይኹን እምበር ፡ እተን ተወዳደርቲ ብሽክለታ ኣሓት ነቲ ብድሆ ሰጊረን ፡ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ታሪኽ ክሰርሓ ተዳልየን ኣለዋ ።

Two women in green cycling kit on bicycles

Fariba and Yulduz Hashimi will represent Afghanistan in the Paris Olympics cycling road race. Source: Getty / Dario Belingheri/Getty Images

ኣፍጋኒስታን ኣብ ትሕቲ ጣሊባን ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስፖርት ከይወዳደራ ይኽልከላ እየን ።
እቲ ጨካን ስርዓት ኣብ 2021 ድሕሪ ምውዳቕ ካቡል ኣብ ዝተቖጻጸረሉ እዋን ፡ ዩልዱዝን ፋሪባ ሓሺሚን ይትረፍዶ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ክወዳደራስ ብሽክለታ ምዝዋር ክቕጽላ ከምዝኽእላ ኣይፈለጣን ።
ካብ ሃገረን ናብ ኢጣል ሃዲመን ድሕሪ ምውጻእ፡ ብሓገዝ ፈታዊአን ፡ ነቲ ምልምማድ ክቕጽላ ከኣላ ። ሕጂ ኣብ ስዊዘርላንድ እየን ዝነብራ ዘለዋ ።
እተን ኣሓት ንኣፍጋኒስታንን ኦሎምፒክስን ወኪለን ዝሳተፉ ዘለዋ ቀዳሞት ተቐዳደምቲ ብሽክለታ እየን ። ሰንበት (10pm AEST) ኣብ ዝግበር ቅድድም ብሽክለታ ክወዳደራ ከለዋ ፡ ጻዕርታተን ነተን ካብ ኣፍጋኒስታን ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓለም ካልእ ሸነኽ ከም ዘርእየን ተስፋ ይገብራ ።

ዩልዱዝ ንማዕከናት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ፡ "ነተን መሰረታዊ መሰላት ዘይብለን 20 ሚልዮን ኣፍጋኒስታናውያን ደቀንስትዮ ክውክል እደሊ" ኢላ ።
"ድምጸን ክኸውን ተስፋ እገብር ፡ ኩነታት ደቂ-ኣነስትዮ ዓለም ከርእይ ፡ እቲ ዘለወን ብድሆታት' ብዘየገድስ ፡ ዓበይቲ ዓወታት ክገብራ ይኽእላ እየን" ።
ጓል 21 ዓመት ዩልዱዝን ፋሪባን ኣብታ ምስ ቱርክመኒስታን እትዳወብ ሰሜናዊት ኣውራጃ ፋሬባብ እያ ዓብያ ።
እተን ኣሓት ቆልዑ ኣብ ዝነበራሉ እዋን ፡ ብሽክለታ ብኸመይ ከም እትዝውር ስለ ዘይፈልጣ ፡ ንኺመሃራ ኢለን ተለቂሐን ናብቲ ኣብ ከባቢአን ዝግበር ውድድር ብሽክለታ ኺኣትዋ ወሰና ።
" ኣብ ፋርያብ ኣንስቲ ብሽክሌታ ተወጢሐን ክኸዳ ዝሓስብ ሰብ የለን" ክትብል ፋሪባ ንሮይተርስ ተዛሪባ ።
ስድራ በተን ደገፍተን እኳ እንተ ነበሩ ፡ ኣብቲ ብሽክለታ ኺዛወራ ምርኣይ ዘይልሙድ ዝዀነ ከባቢ ክዝውራ ስለ ዘይክእላ ፡ ምሸት ምሸት ክለማመዳ የውጽእወን ነበሩ ።
ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጐድኒ ሰብኡት ኰይነን ብሽክለታ ክዝውራ ከም ዘለወን ዘይሓስቡ ሰባት ፡ ኣእማን ይድርብዩለን ከም ዝነበሩ ይዝክራ።

እታ ሽዱሽተ ኣትሌታት ናብ ፓሪስ ዝለኣኸት ጋንታ ኣፍጋኒስታን ፡ ኣብ መንጎ እቲ ኣህጉራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ፡ ኣብ ስደት ካብ ዝነብሩ ኣባላት ሃገራዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኣፍጋኒስታን ድማ ላዕለዎት ሓለፍቲ ድሕሪ ዝገበርዎ ዝርርብ ክሳተፋ ክኢለን እየን ።
ኣብ ትሕቲ ጣሊባን ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት ፡ ከምኡ እውን ኣብ ትምህርትን ኣብ ናይ ስራሕን ከይሳተፋ ተኣጊደን እየን ። ስልጣን ካብ ዝሕዝ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ጣሊባን ን SBS ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡"ደቂ ኣንስትዮ ስፖርት ምጽዋት ማለት ንገጽንን ኣካላተንን ዘቃልዕ ፡ ኣንጻር እስላማዊ መትከላት ድማ ዝኸይድ እዩ ።" ኢሉ ነይሩ።

With additional reporting by Reuters.

Share

Published

By Madeleine Wedesweiler
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service