ሰራሕቲ ታሪኽ: ንጣሊባን በዲሀን ኣብ ፓሪስ መዳሊያ ዘቋምታ ዘለዋ ኣሓት ተወዳደርቲ ብሽክለታ፡

ፋሪባን ዩልዱዝ ሓሺሚን ኣብ ኣዝዩ ዓቃባዊ ከባቢ ስለ ዝዓበያ ፡ ብለይቲ ኺስልጥና ተገዶደን ። ድሕሪኡ ፡ ካብ ሃገረን ሃዲመን ። ይኹን እምበር ፡ እተን ተወዳደርቲ ብሽክለታ ኣሓት ነቲ ብድሆ ሰጊረን ፡ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ታሪኽ ክሰርሓ ተዳልየን ኣለዋ ።

Two women in green cycling kit on bicycles

Fariba and Yulduz Hashimi will represent Afghanistan in the Paris Olympics cycling road race. Source: Getty / Dario Belingheri/Getty Images

ኣፍጋኒስታን ኣብ ትሕቲ ጣሊባን ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስፖርት ከይወዳደራ ይኽልከላ እየን ።

እቲ ጨካን ስርዓት ኣብ 2021 ድሕሪ ምውዳቕ ካቡል ኣብ ዝተቖጻጸረሉ እዋን ፡ ዩልዱዝን ፋሪባ ሓሺሚን ይትረፍዶ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ክወዳደራስ ብሽክለታ ምዝዋር ክቕጽላ ከምዝኽእላ ኣይፈለጣን ።

ካብ ሃገረን ናብ ኢጣል ሃዲመን ድሕሪ ምውጻእ፡ ብሓገዝ ፈታዊአን ፡ ነቲ ምልምማድ ክቕጽላ ከኣላ ። ሕጂ ኣብ ስዊዘርላንድ እየን ዝነብራ ዘለዋ ።

እተን ኣሓት ንኣፍጋኒስታንን ኦሎምፒክስን ወኪለን ዝሳተፉ ዘለዋ ቀዳሞት ተቐዳደምቲ ብሽክለታ እየን ። ሰንበት (10pm AEST) ኣብ ዝግበር ቅድድም ብሽክለታ ክወዳደራ ከለዋ ፡ ጻዕርታተን ነተን ካብ ኣፍጋኒስታን ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓለም ካልእ ሸነኽ ከም ዘርእየን ተስፋ ይገብራ ።

ዩልዱዝ ንማዕከናት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ፡ "ነተን መሰረታዊ መሰላት ዘይብለን 20 ሚልዮን ኣፍጋኒስታናውያን ደቀንስትዮ ክውክል እደሊ" ኢላ ።

"ድምጸን ክኸውን ተስፋ እገብር ፡ ኩነታት ደቂ-ኣነስትዮ ዓለም ከርእይ ፡ እቲ ዘለወን ብድሆታት' ብዘየገድስ ፡ ዓበይቲ ዓወታት ክገብራ ይኽእላ እየን" ።

ጓል 21 ዓመት ዩልዱዝን ፋሪባን ኣብታ ምስ ቱርክመኒስታን እትዳወብ ሰሜናዊት ኣውራጃ ፋሬባብ እያ ዓብያ ።

እተን ኣሓት ቆልዑ ኣብ ዝነበራሉ እዋን ፡ ብሽክለታ ብኸመይ ከም እትዝውር ስለ ዘይፈልጣ ፡ ንኺመሃራ ኢለን ተለቂሐን ናብቲ ኣብ ከባቢአን ዝግበር ውድድር ብሽክለታ ኺኣትዋ ወሰና ።

" ኣብ ፋርያብ ኣንስቲ ብሽክሌታ ተወጢሐን ክኸዳ ዝሓስብ ሰብ የለን" ክትብል ፋሪባ ንሮይተርስ ተዛሪባ ።

ስድራ በተን ደገፍተን እኳ እንተ ነበሩ ፡ ኣብቲ ብሽክለታ ኺዛወራ ምርኣይ ዘይልሙድ ዝዀነ ከባቢ ክዝውራ ስለ ዘይክእላ ፡ ምሸት ምሸት ክለማመዳ የውጽእወን ነበሩ ።

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጐድኒ ሰብኡት ኰይነን ብሽክለታ ክዝውራ ከም ዘለወን ዘይሓስቡ ሰባት ፡ ኣእማን ይድርብዩለን ከም ዝነበሩ ይዝክራ።

እታ ሽዱሽተ ኣትሌታት ናብ ፓሪስ ዝለኣኸት ጋንታ ኣፍጋኒስታን ፡ ኣብ መንጎ እቲ ኣህጉራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ፡ ኣብ ስደት ካብ ዝነብሩ ኣባላት ሃገራዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኣፍጋኒስታን ድማ ላዕለዎት ሓለፍቲ ድሕሪ ዝገበርዎ ዝርርብ ክሳተፋ ክኢለን እየን ።

ኣብ ትሕቲ ጣሊባን ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት ፡ ከምኡ እውን ኣብ ትምህርትን ኣብ ናይ ስራሕን ከይሳተፋ ተኣጊደን እየን ። ስልጣን ካብ ዝሕዝ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ጣሊባን ን SBS ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡"ደቂ ኣንስትዮ ስፖርት ምጽዋት ማለት ንገጽንን ኣካላተንን ዘቃልዕ ፡ ኣንጻር እስላማዊ መትከላት ድማ ዝኸይድ እዩ ።" ኢሉ ነይሩ።

With additional reporting by Reuters.


Share

2 min read

Published

By Madeleine Wedesweiler

Source: SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now