SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ትግራይ 5 ጋዜጠኛታት ብዘይክሲ ንክልተ ሰሙን ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ተገሊጹ።

Homeland News
Source: Getty Images

1 min read

Published


Skip to article content

 

 ጋዜጠኛታት ቴሌቭዥን ትግራይ ዝኾኑ ምስግና ስዩም፣ ተሾመ ጦማለው፣ ሓበን ሓለፎም፣ ዳዊት መኮነንን ሃይለሚካኤል ገሰሰን ብጸጥታ ናይ’ቲ ክልል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘለዉ ድምጺ ኣሜሪካ ጸብጺቡ።

 

ጠንቂ መእሰሪኦም  “ምስ ጸላኢ ተሓባቢሮም” ዝብል ከም ዝኾነ ዓቃቢ ሕጊ ይኸስስ።

 

ስድራቤቶምን ጠበቐኦምን ግን እቲ ዝተዋህበ ምኽንያት ምስቲ ክውንነት ዘይከይድን ሽፋንን ምዃኑ ይምጉቱ።

 

ኣስዒቦም ድማ፣ እቲ ተኣሲሮምሉ ዘለዉ ቦታ ንጥዕና ዝጎድእ  ከም ዝኾነን ሞያ ጋዜጠኝነት ንምጉዳእ ዝተወስደ ስጉምቲ ኢሎም።

 

እቶም ጋዜጠኛታት ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ብዘይክሲ ምእሳሮም ዘይሕጋዊ ተግባር ምዃኑ ውን ገሊጾም።

 

ዓቃቢ ሕጊ ከተማ መቐለ ብወገኑ ፤ መእሰሪ ምኽንያት ምስ ጋዜጠኝነት ዝዛመድ ዘይኮነስ ምስ ስሩዕ ገበን ዝተሓሓዝ ዩ ብምባል ጉዳዮም ይጻረ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

 

ካብቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታት መንግስቲ ፌደራል ንክልል ትግራይ ተቖጻጺሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ውን ተኣሲሮም ዝነበሩ ከም ዝርከቡዎም ስድራቤቶም ገሊጾም ኣለዉ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now