ኣብ ትግራይ 5 ጋዜጠኛታት ብዘይክሲ ንክልተ ሰሙን ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ተገሊጹ።

Homeland News

Source: Getty Images

 

 ጋዜጠኛታት ቴሌቭዥን ትግራይ ዝኾኑ ምስግና ስዩም፣ ተሾመ ጦማለው፣ ሓበን ሓለፎም፣ ዳዊት መኮነንን ሃይለሚካኤል ገሰሰን ብጸጥታ ናይ’ቲ ክልል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘለዉ ድምጺ ኣሜሪካ ጸብጺቡ።

 

ጠንቂ መእሰሪኦም  “ምስ ጸላኢ ተሓባቢሮም” ዝብል ከም ዝኾነ ዓቃቢ ሕጊ ይኸስስ።

 

ስድራቤቶምን ጠበቐኦምን ግን እቲ ዝተዋህበ ምኽንያት ምስቲ ክውንነት ዘይከይድን ሽፋንን ምዃኑ ይምጉቱ።

 

ኣስዒቦም ድማ፣ እቲ ተኣሲሮምሉ ዘለዉ ቦታ ንጥዕና ዝጎድእ  ከም ዝኾነን ሞያ ጋዜጠኝነት ንምጉዳእ ዝተወስደ ስጉምቲ ኢሎም።

 

እቶም ጋዜጠኛታት ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ብዘይክሲ ምእሳሮም ዘይሕጋዊ ተግባር ምዃኑ ውን ገሊጾም።

 

ዓቃቢ ሕጊ ከተማ መቐለ ብወገኑ ፤ መእሰሪ ምኽንያት ምስ ጋዜጠኝነት ዝዛመድ ዘይኮነስ ምስ ስሩዕ ገበን ዝተሓሓዝ ዩ ብምባል ጉዳዮም ይጻረ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

 

ካብቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታት መንግስቲ ፌደራል ንክልል ትግራይ ተቖጻጺሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ውን ተኣሲሮም ዝነበሩ ከም ዝርከቡዎም ስድራቤቶም ገሊጾም ኣለዉ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኣብ ትግራይ 5 ጋዜጠኛታት ብዘይክሲ ንክልተ ሰሙን ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ተገሊጹ። | SBS Tigrinya