ኣብ ኢትዮጵያ ብዝፍጸም ዘሎ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ፖለቲካዊ ወጥሪ ፈጢሩ።

ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ዞባ ወለጋ 23 ደቂተባዕትዮ 9 ደቂኣንስትዮ ብድምር 32 ሰባት ብዘስካሕክሕ ግፍዒ ከም ዝተቐትሉ ፖሊስ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

Homeland Report

Source: EBC

ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ዞባ ወለጋ 23 ደቂተባዕትዮ 9 ደቂኣንስትዮ ብድምር 32 ሰባት ብዘስካሕክሕ ግፍዒ ከም ዝተቐትሉ ፖሊስ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ካልኦት 10 ሰባት ቆሲሎም ኣብ ሕክምና ከም ዘለዉ እውን ኣረዲኡ።

መንግስቲ ክልል ኦሮምያን መንግስቲ ኢትዮጵያን በቲ ቅትለት ንኦነግ ሸኔን ህወሓትን ይኸስሱ ኣለዉ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፌደራል ምስ መንግስቲ 'ኢሳያስ' ኮይኑ ኣብ ትግራይ ሓይላዊ ስጉምቲ ክወስድ ይሸባሸብ ከም ዘሎ ብምግላጽ ደፊኡ ንዝመጽእ ንምስዓር ኩሉ ምድላዋት ከም ዝወደአ ኣፍሊጡ።

በዚ ከኣ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌዴራልን መንግስቲ ክልል ትግራይን ዝጸንሐ ወጥሪ ናብ ዝኸፍአ ጫፍ ከም ዝበጸሐ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

"ፀላእቲ ኢትዮጵያ፤ “ወይ ንሕና ክንገዝእ ኢና፤ ወይ ሃገር ኣይትነብርን” ኢሎም ተላዒሎም ኢዮም።  ናይ ጥፍኣት ዓቕሞም ኩሉ ይጥቀሙ ኣለዉ።ኣይዐንቅፈናን፣ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ሓይሊና ኣተኣኻኺብና ንክንለዓል ዝገብረና እንበር።" ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ (PHD)

  “ኢሳያስን አብይን ተሓባቢሮም፣ ኣይትለምዑን፤ ኣይትሰርሑን፣ ናብ ዕግርግር ክነእትወኩም ኢና፤ ይብሉና ኣለው። ንሕና ግደፉ፤ ኲናት ኣይንደልን፤ ንብሎም ኣለና። ደፊኦም ናብታ ኲናት እንተእትዮምና ግን ክንስዕሮም ኢና። ነዚ ተዳሊና ኢና። ምልሻና፣ ፍሉይ ሓይልና ኣዳሊናዮ ኢና" ኣቦ መንበር ወድብ ህወሓት  ደብረፅዮን ገብረሚካኤል (PHD)

 "ሽፍታ ኦነግ ሸኔ ምስ ህወሓት ብምሽራኽ ኣብ ክልል ኦሮሚያን ኣብ ሃገርን ሰላምን ምርግጋዕን ንከይህሉ ክሰርሑ ፂኒሖም እዮም።"

መግለጺ መንግስቲ ኦሮምያ

ብካልእ ዜና ፖለቲከኛታት ኣምሓራን ኦሮምያን ካብ ዝኸፈቱዎ መድረኽ ምይይጥ ኦነግን ኦፌክን ካብቲ መድረኽ ከም ዝወጹ ኣፍሊጦም።

ፖለቲከኛ ፕሮፈሰር መረራ ጉዲና እቲ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረስን ዘሎ ወጥሪ ብዝርርብ ፖለቲከኛታት ክልቲአን ክልላት ዘይኮነስ ንዑኡ ዝምጥን ሃገራዊ መድረኽ ስለዘድሊ ከም ዝሓደጉዎ ተዛሪቦም።

ኦነግ ወረቐት ዕድመ ኣይበጸሐንን ብዝብል ከም ዘይሕወስ ኣቦ መንበሩ አቶ ዳውድ ኢብሳ ሓቢሮም።

ኦነግ ንክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነጺጉዎ። ኦነግ ሸኔ ዝብሃል ዕጡቕ የብለይን ኢሉ እቲ ኦነግ ሸኔን ወያነን ዝብል ክሲ ከም ዘይምልከቶ ኣፍሊጡ። ፈጻሚ ገበን ተጻርዩ ንህዝብን ዓለምን ክንገር ስድራ ግዳያት ክከሓሱ ሓቲቱ።

ሃይማኖታዊ ጉባኤ ክተካይድ ዝቐነየት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብወገና ዕርቀ ሰላም ዘውርዱ ጳጳሳት ከም ዝሰየመት ኣፍሊጣ ኣላ።

እታ ቤተክርስቲያን ን7 መዓልቲ ዝቕጽል ጸሎተ ምህልላ ውን ኣዊጃ።።

ዳይረክተር ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ላቲሽያ ባደር ብወገነን ኣብቲ እቶም ግዳያት ዝተጨፍጨፉሉ ቦታ ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክወጽእ ምግባሩ ኣዘራራቢ ከም ዝኾነ ገሊን።

መንግስቲ ህይወት ዜጋታት ክሕሉን ነቲ ገበን ብህጹጽ ከጻሪን ሓቲተን።‘ኩሎም ወገናት ኢትዮጵያን ጎረባብትን’ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ከህድኡ ሕብረት ኣውሮጳ ጸዊዑ

 


Share

Published

Updated


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service