ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈጸመ ናይ ኣማኢት ሰላማዊያን ቅትለት፡ ንሰብ መዚ ትግራይ ብ“ገበን ኲናት” ከኽስሶም ከምዝኽእል ተገሊጹ።

ሰበስልጣን ትግራይ፡ ኣብቲ ግፍዓዊ ቅትለት ኢድ ከምዘይብሎም ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጎሞ።

SBS Tigrinya

Source: SBS Tigrinya

 

ኣብ ምዕራብ ትግራይ “ማይ ካድራ” እተባህለ ከባቢ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ከምተቐትሉ መረጋገጺ ከምዝረኸበ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ።

ናይ ትካል መመርመሪ ላቦራቶሪ ነቲ መረዳእታ መርሚሩ፡ ስእሊታትን ቪድዮታትን ድማ ሬሳታት ኣብታ ከተም ክድርበዩ ዝገልጽ ኣኪቡ። ኣብ ማይ ካድራ እዚ ግፍዒታት ከምዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

 “ናይ ብዙሕ ቁጽሪ ቅትለት ሲቪላዊያን ሰባት ከምዝተፈጸመ ኣረጋጊጽና ኣለና። ኣብ ትግራይ መራኸቢ ተዓጽዩ ስለዘሎ፡ ናይዚ ዘሰክሕ ፍጻመ፡ ኩነታት ዝርዝር ሓቂ ጸኒሑ ክግለጽ እዩ”  ክብል ናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዳይረክተር ምብራቕን ደቡባዊ ኣፍሪቃን ደፕሮስ ሙቸና ገሊጹ።

እቲ ኣብ ትግራይ እተፈጸመ ቅትለት ብ “ገበን ኲናት” ከኽስስ ከምዝኽእል’ውን ተገሊጹ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ እቲ ቅትለት ሓይልታት ብ ህወሓት’ዩ ተፈጺሙ ክብል እንተገለጸኳ ሰብ መዚ መንግስቲ ትግራይ ግና ኣሉታ ሂቦሙሉ።

ነዚ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ሓላፊት ክምርመር ሰብኣዊ መሰላት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዓ ኣላ።

ሰበስልጣን ትግራይ፡ ኣብቲ ግፍዓዊ ቅትለት ኢድ ከምዘይብሎም ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጎሞ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service