SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈጸመ ናይ ኣማኢት ሰላማዊያን ቅትለት፡ ንሰብ መዚ ትግራይ ብ“ገበን ኲናት” ከኽስሶም ከምዝኽእል ተገሊጹ።

ሰበስልጣን ትግራይ፡ ኣብቲ ግፍዓዊ ቅትለት ኢድ ከምዘይብሎም ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጎሞ።

SBS Tigrinya
Source: SBS Tigrinya

1 min read

Published


Skip to article content

 

ኣብ ምዕራብ ትግራይ “ማይ ካድራ” እተባህለ ከባቢ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ከምተቐትሉ መረጋገጺ ከምዝረኸበ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ።

ናይ ትካል መመርመሪ ላቦራቶሪ ነቲ መረዳእታ መርሚሩ፡ ስእሊታትን ቪድዮታትን ድማ ሬሳታት ኣብታ ከተም ክድርበዩ ዝገልጽ ኣኪቡ። ኣብ ማይ ካድራ እዚ ግፍዒታት ከምዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

 “ናይ ብዙሕ ቁጽሪ ቅትለት ሲቪላዊያን ሰባት ከምዝተፈጸመ ኣረጋጊጽና ኣለና። ኣብ ትግራይ መራኸቢ ተዓጽዩ ስለዘሎ፡ ናይዚ ዘሰክሕ ፍጻመ፡ ኩነታት ዝርዝር ሓቂ ጸኒሑ ክግለጽ እዩ”  ክብል ናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዳይረክተር ምብራቕን ደቡባዊ ኣፍሪቃን ደፕሮስ ሙቸና ገሊጹ።

እቲ ኣብ ትግራይ እተፈጸመ ቅትለት ብ “ገበን ኲናት” ከኽስስ ከምዝኽእል’ውን ተገሊጹ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ እቲ ቅትለት ሓይልታት ብ ህወሓት’ዩ ተፈጺሙ ክብል እንተገለጸኳ ሰብ መዚ መንግስቲ ትግራይ ግና ኣሉታ ሂቦሙሉ።

ነዚ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ሓላፊት ክምርመር ሰብኣዊ መሰላት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዓ ኣላ።

ሰበስልጣን ትግራይ፡ ኣብቲ ግፍዓዊ ቅትለት ኢድ ከምዘይብሎም ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጎሞ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now