መንግስቲ ትግራይ ንመንግስቲ ኤርትራ: ምስ መንግስቲ ፌዴራልን መንግስቲ ክልል ኣምሓራን ወጊኑ ኣብቲ ውግእ ይሳተፍ ኣሎ ክብል ከሲሱ።
መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቲ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ።
ዝርዝሩ ይቕጽል።
"ውልቀ መላኺ አብይ ኣህመድ ህዝቢ ትግራይ ንምጭፍላቕ ዝጀመሮ ኲናት ዓብይ ኪሳራ ስለዘጋጠሞ፤ ከምዝሰዓር እውን ስለዝፈለጠ ንኢሳያስ ብፅሐለይ ኢልዎ ኣሎ፡፡ ነዚ ስዒቡ ንሕና ምስ ፀላኢ ፊት ንፊት እንትንገጥም ኢሳያስ ብድሕሪት ኮይኑ ንፀላኢ ከድሕን ይወግአና ኣሎ፡፡ " ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል
ህዝቢ ትግራይ ንምጭፍላቕ ተሃንዲዶም ዝመፁ ወረርቲ ሓይልታት ክሳብ ሕዚ ከቢድ ኪሳራ በፂሕዎም ኣሎ፡ ስዕረት እውን ይበፅሖም ኣሎ፡፡ ነዚ ስዒቡ ኢሳያስ ትማሊ ከበድቲ ብረታት ናብ ከተማታት ምዕራብ ተኲሱ ኣሎ፡፡ ንሕና ምስ ፀላኢ ፊት ንፊት እንትንገጥም ኢሳያስ ብድሕሪት ኮይኑ ንፀላኢ ከድሕን ይወግአና ኣሎ፡፡ ዝበሉ ፕረዚደንት ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን
"ስለዚ በቲ ሓደ ወገን ውልቀ መላኺ አብይ ኣህመድን ሓይልታት ትምክሕቲ ኣምሓራን፣ በቲ ካልእ ገፅ ድማ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኲናት ከፊቶምልና ኣለዉ፡፡ ኢሳያስ ብባድመ እውን ጀሚሩ ኣሎ፡፡" ዝብል ሓሳብ ወሲኾም ተዛሪቦም።
ውልቀ መላኺ አብይ ኣህመድ ዝጀመሮ ኲናት ዓብይ ኪሳራ ስለዘጋጠሞ፤ ከምዝስዓር እውን ስለዝፈለጠ ናይ ንኢሳያስ ብፅሐለይ ኢልዎ ኣሎ፡፡ ኤርትራውያን እዚ ከይኸውን ክሳብ ሕዚ ብዙሕ ደኺምኩም ኣለኹም፡፡ የቕንየልና፡፡ ግን ኣይሰመረን፡፡
ንሕና ፊት ንፊት ፀላኢ እንትንምክት ኢሳያስ ብድሕሪት ኮይኑ ወጊኡና ኣሎ፡፡ እዚ ክሕደት እዩ፡፡ ተገዲድና ናብቲ ኲናት ክንኣቱ ኢና፡፡ በዚ ድማ ኣዚና ንሓዝን፡፡ ህዝቢ ትግራይ ዓብይ ክሕደት ተፈፂምዎ ኣሎ፡፡ ብቕድሚ እናተዋጋእና ኢሳያስ ብድሕሪት ወጊኡና፡፡
ሕዚ ህዝቢ ትግራይ ካብ ሰለስተ ፀላእቲ ኲናት ተኸፊትሉ ኣሎ፡፡ ካብ ውልቀ መለኺ አብይ፣ ካብ ሓይልታት ትምክሕቲ ኣምሓራ፣ ካብ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡፡"
ብምባል
ውግእ ምስ ኤርትራ እውን ከም ዘይተርፍ ከምዚ ዝብል ሓበሬታ ሂቦም
"እዚ ካብ ኮነ ንሕና እውን እቲ ዝጀመርናዮ መኸተ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክነሰጋግሮ ኢና፡፡ እቲ ግጥም ከቢድ እዩ፡፡ ኩሉ ዓቕምታትና ድማ ክንጥቀም ኢና፡፡ ከምኡ ገይርና ድማ ምዕዋትና ዘይተርፍ እዩ፡፡
እዚ ኲናት ህዝባዊ ኲናት እዩ፡፡ ፍትሓዊ ኲናት እዩ፡፡ ኩላትና ንኽተት፡፡ እዚ ወራር ንኣና የሻል ንምባል ዝተኸፈተ ወራር እዩ፡፡ መስዋእቲ ዝሓትት፡፡ ግን ድማ ግድን ክንስዕር ኢና!"
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ "እዚ ውሽጣዊ ጎንጺ እዩ። ንሕና ኣካል ናይቲ ጎንጺ ኣይኮናን'" ክብሉ ንሮይተርስ ብቴለፎን ተዛሪቦም።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ
"ካብ ሸራሮ ክሳብ ዛላምበሳ ዘለዉ ክፍሊታት ሓሊታት እዚ ሰሜን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፅቡቕ ቁመና ምድላው ይርከቡ" ክብሉ- ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ ተዛሪቦም።
ካብ ሸራሮ ክሳብ ዛላምበሳ ዘለዉ ሓሊታት ክፍሊ እዚ ሰሜን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፅቡቕ ቁመና ምድላው ከምዝርከቡ ዝገለጹ ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ
ኩሎም ካብ ሸራሮ ክሳብ ዛላምበሳ ዘለዉ ሓይሊታት ክፍሊ እዘዚ ሰሜን ኣብ ፅቡቕ ቁመና ምድላው ከምዝርከቡ ኣፍሊጦም።
ምክትል ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሌተናል ጀነራል ኣበባው ታደሰ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ነቲ ሰራዊት እናመርሑዎ ከምዝርከቡ እውን ሓቢሮም
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጸሓፎ ድማ “እዚ ጁንታ ጸሓይ እናዓረበቶ ትኸይድ ኣላ። እቲ ጁንታ ብደዉ ተረዲእዎ ኣሎ። ሕጂ ዝሕዞን ዝጭብጦን ጠፊእዎ ኣብ ናይ ጻዕሪ መንፈስ ኮይኑ ኣብዝተፈላለዩ ከባቢታት ናይ መጨረሻ ናይ ጥፍ ኣት ድግስ ይድግስ ይኸውን። ስለዚ ህዝቢ ብዝተወደበ መገዲ ከባቢኡ ክሕሉ ሓደራ እብል።
(ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ)