ብሔራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ባይቶ ፌደረሽን ኢትዮጵያ ንቀዳም ኣብ ዝጸውዖ ህጹጽ ኣኼባ ኣብ ጉዳይ መረጻ ትግራይ ተደሪኹ ዝውስኖ ውሳኔ ሓደገኛ ሳዕቤን ከየውርድ ኣጠንቂቑ።
" 6ይ ክልላውን ከባብያውን መረፃ 2012 ዓ/ም ብሕገ መንግስቲ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ.ን ብ/ክ/መ/ትግራይን መሰረት ዝካየድ ዘሎ ብምኻኑ ብዝኾነ ይኹን ኢድ ኣእታውነትን ፀቕጥን ንሰከንድ እውን ደው ክብል ከምዘይኽእል ደጊምና ነረጋግፅ" ዝበለ መንግስቲ ትግራይ
"ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን መረፃ ትግራይ ደው ንምባል ይኹን ዝኾነ ዓይነት ዕንቅፋት ዝፈጥር ውሳነ እንተሕልፍ ናይ ኹናት ኣዋጅ ምእዋጅ ምዃኑ ፈሊጡ ካብ ከምዚ ዝበለ ታሪኻዊ ጥፍኣት ንባዕሉ ክቑጠብ ኣጥቢቕና ነተሓሳስብ።" ኢሉ።
ቀጺሉ
"ንውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ስዒቡ ዝመፅእ ግብረ መልስን ጉድኣትን ቤት ምኽሪ ፌደሬሽንን ቀ/ሚኒስትር ሃገርን ተሓተትቲ ከምዝኾኑ ንኹሉ ፈታውን ፀላእን ግልፂ ክንገብር ንፈቱ" ክብል ኣጠንቂቑ።
እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ህዝብታትን ማሕበረሰብ ዓለምን ከሰምዐሉ ከም ዝደሊ እውን ኣብሪሁ።
ብኻልእ ወገን ባይቶ ትግራይ ነቲ ጽባሕ ቀዳም ዝካየድ ኣኼባ ባይቶ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ቀዲሙ ክእከብ ከም ዝወጠነ ሓበሬታታት ይወጹ ኣለዉ።

