ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንምስሕሓብ ፕረሲደንት ኬንያ ክውስን ይሸባሸብ፡ ግጭት ከይፍጠር ይስጋእ
ነቲ ኣሰሓሓቢ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ኬንያ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምስቀረበ፡ ቤት ፍርዲ ዝውስኖ ዉሳነ ሲዒቡ ኣብ ኬንያ ምቅትታል ከይፍጠር ፖሊስ ድልው ኮይኑ ክጸንሕ ተኣዚዙ። ኣመሪካ ብወገና ኣብቲ ሰኑይ ዉሳነ ቤት ፍርዲ ክንገረሉ ተባሂሉሉ ዘሎ መዓልቲ ኣብቲ ንተነሓናሒ ራይላ ኦዲንጋ ዕዱ ዝኾነ ምዕራባዊ ኬንያ ዕግርግር ክፍጠር ስለዝኽእል ዜጋታታ ክጥንቀቑ ኣተሓሳሲባ ክብል ጋሮወ ኦንላይን ጸብጺቡ ኣሎ።
ብዓርቢ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ እቲ ዊሊያም ሩቶ ፕረሲደንት ኾይኑ ብምምራጹ ዘይተቐበሎ ራይላ ኦዲንጋ ናብቲ ቤት ፍርዲ ዘቕረቦ ጥርዓን ሰሚዑ ወዲኡ ዉሳኔኡ ሰኑይ ከፍልጥ እዩ። ኣብ 2017 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ብተመሳሳሊ መገዲ ራይላ ኦዲንጋ፡ ፕረሲደንት ኡሁሩ ኬንያታ ምምራጹ ብምቅዋም ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣቕሪቡኳ እንተነበረ እቲ ቤት ፍርዲ ዉዱቕ ጌርዎ ኔሩ። ሕጂኸ ነዚ ቀሪቡ ዘሎ ጥርዓን ዉዱቕ ጌሩ ሩቶ መንበሩ ይሕዝ ይኸውን? እንተዘይኮይኑ እታ ሃገር ድሕሪ 60 መዓልታት ናብ ዳግማይ ምርጫ ክትከይድ እያ።
ወተሃደራዊ ግጭት ኣብ ትግራይ ኣብዝቕጽለሉ ዘሎ፡ እቲ ዉግእ ደው ክብል ጻዊዒት ይቐርብ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ የምርሕ:
ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ፌዴራል ኢትዮጵያንን ሓይልታት ትግራይን ወተሃደራዊ ተጻብኦታት ንሰሙን መመላእታ ኣብዝካየደሉ ዘሎ: ግጭት ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ንኸይምዕብልን ብቕልጡፍ እቲ ተጻብኦ ደው ክብልን ማሕበር መምህራን ኢትዮጵያ ጸዊዑ ። ክብል ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብዘውጽ ኦ ጽሑፍ ቀሪቡ ኣሎ። እቲ ማሕበር ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ግጭት ፡ ብዘይካ ንድኽነትን ንናይ ወለዶ ምርሕሓቕን ታሪኻዊ ተሓታትነትን እንተዘይኮይኑ ፍረ ዘርኢ ከም ዘይብሉ ብምጉላሕ ፣ ብቕጽበት ወተሃደራዊ ግጭት ደው ክብል ጸዊዒ።።
ብተመሳሳሊ: ናይ ኢትዮጵያ ሲቪካዊ ማሕበራት ጥምረት ናብ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ: እቲ ናይ ዘይምቅዳው ተጻብኦ "ኣዝዩ ዘተሓሳስቦ" ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ ። እቲ ስሙር ግንባር ከም ዝገለጾ ፡ እቲ ወተሃደራዊ ግጭት ከም ብሓድሽ ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ መሳኪን ክፋል ህዝቢ ፡ ማለት ቈልዑ ፡ ስንኩላን ፡ ኣረጋውያን ፡ ከምኡውን ኣብቲ ጕድኣት ዝወረዶ ከባቢ ንዚነብሩ ደቂ ኣንስትዮ ዓብዪ ሳዕቤን ኣለዎ ኢሉ።
ብተወሳኺ እቲ ማሕበር ይኹን እቲ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምኡውን ነቶም ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሲቪል ማሕበረሰብ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ምምላስ ከምኡውን ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይምቁራጽ ንኽቕጽል ተማሕጺኖም። ምብል ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ሓቢሩ ኣሎ።
ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝግበር ዘሎ ወተሃደራዊ ግጭት ፡ ድሕሪ እቲ ብኽልቲኡ ወገን ንሽዱሽተ ወርሒ ዝቐጸለ ሰብኣዊ ስምምዓት ፡ ብ24 ነሓሰ ዳግማይ ተላዒሉ ። መንቀሊ እቲ ሓድሽ ግጭት ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም ይወቓቐሱ ኣለዉ ።
እዚ ዳግም ተወሊዑ ዘሎ ወተሃደራዊ ተጻብኦታት ፡ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (EHRC) ፡ ሓያሎ ሃገራትን ትካላትን መራሕተንን ፡ እንተላይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፡ ቱርኪ ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ፡ ከምኡ" ውን ኣቦ-መንበር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሙሳ ፋቂ ፡ ብዛዕባ "ቲ ኵነታት ስክፍታታት ከምዝፈጠረሎምን ዝርርብ ሰላም ከም ብሓድሽ ክጅምርን ጸዊዖም እዮም ። ናይ ኣመሪካ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒ ብሊንከን ትማሊ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ "መንግስቲ ኢትዮጵያን ውድብ ህወሓትን ወተሃደራዊ ስርሒታት ብቕልጡፍ ደው ከብሉ ከምኡውን ነቲ ግጭት ንሓዋሩ ደው ንምባል ዝገብርዎ ጻዕርታት ብዝለዓለ ናህሪ ክቕጽል" ጸዊዑ ኣሎ ።
ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሪን ዣን-ፒየር ብ 02 መስከረም ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ "ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ብዝምልከት ካብዚ ቀዳመ-ሰንበት ጀሚሩ ናብ ኢትዮጵያ ክኸይድ እዩ ። ፍሉይ ል ኡኽ ሃመር ፡ ኵሎም ወገናት ወተሃደራዊ ዕንደራ ደው ከብሉን ኣብ ዝርርብ ሰላም ኽካፈሉን ከም ዘለዎም ክጽውዕ እዩ "በለት ።
ብተወሳኺ "ኤርትራ ናብቲ ግጭት ዳግም ምእታዋ " ብምኹናን ፡ ኣመሪካ ፡" ህወሓት ካብ ትግራይ ወጻኢ መጥቃዕቲ ምቕጻሉን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ "እውን ኮኒና እያ ። ኢላ።
"ነቲ ግጭት ዝኸውን ወተሃደራዊ ፍታሕ የለን ። ቅድሚ እቲ ሓድሽ ተጻብኦታት ፡ በቲ ንሓሙሽተ ወርሒ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ስምምዓት ተተባቢዕና ኢና ፣ ሕጂ ድማ ወተሃደራዊ ዕጽዋ ኮይኑ ሰብኣዊ ሓገዝ ምንፋጉ ኣዝዩ የተሓሳስበና እዩ "በለት ።
,ኢትዮጵያ ፡ ኤርትራ ኣብ 'ቲ ሓድሽ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ኲናት ወተሃደራዊ ምእታዋ ትነጽጎ ። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ ዶ/ር ሰልሺ በቀለ ብ 02 መስከረም ን CNN ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ፈጺሙ ናይ ኤርትራ ምትእትታው የለን" ድሕሪ ምባል ቀጺሉ "ብዛዕባ እዚ ሓበሬታ የብልናን ፣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንሰምዕ ኢና ወዘተ" ክብል ድሕሪ ምግላጽ እቲ ኣምባሳደር ንህ.ወሓት "ንኤርትራ ናብቲ ግጭት ንምእታው ናይ ምስሓብ ድሌት ኣለዎ.." ክብል ወቒሱ ።
ድሕሪ 26 ዓመታት ቀዳማይ ናይ ሕ.መ.ኣ. ኣምባሳደር ኣብ ሱዳን ወረቐት ስርሑ ኣቕሪቡ።
ጆን ጎፍረይ ድሕሪ 26 ዓመታት ቀዳማይ ናይ ሕ.መ.ኣ. ኣምባሳደር ኣብ ሱዳን ኮይኑ ብሓሙስ ፡ ንሓላፊ እቲ ብወታሃደራዊ መሪሕነት ዝምራሕ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ፡ ወረቐት ስርሑ ከምዘቕረበ ሱዳን ትሪቡት ጸብጺቡ።
ጎፍረይ ድሕሪ እቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "ምስ ሱዳናውያን ዘሎ ርክብ ሕ.መ.ኣ. ከደልድል እየ ዝደሊ: ነቲ ሃገሮም ኣብ ትሕቲ ሲቪላዊ መሪሕነት እትመሓደረሉ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ድሌቶም ድማ ክድግፎ እየ" ኢሉ ።
እቲ ጽቡቕ ቋንቋ ኣረብኛ ዝዛረብ ሓድሽ ኣምባሳደር ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ን ሱዳናውያን ብቪድዮ መልእኽቲ ድሕሪ ምዝርግሑ ፡ "ናብ ካርቱም ምምጽኡ ፡ ምምሕዳር ኣመሪካ ነቲ ኣብ መንጎ ሱዳናውያንን ህዝቢ ኣመሪካን ዘሎ ርክብ ንምዕማቝ ዘለዎ ተወፋይነት ዘንጸባርቕ እዩ" ኢሉ ።
ብ25 ጥቅምቲ 2021 ድሕሪ ወተሃደራዊ ዕልዋ ጀነራል ኣል-ቡርሃን ምግባሩ ፡ ምዕራባውያን ሃገራትን ኣህጉራውያን ፊናንስያውያን ትካላትን ፡ ነቲ ሱዳን ብ ቁጠባ ወዲቓቶ ዘላ ንምሕዋይ ፡ ክወሃብ ዝተሓሰብ ቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ናይ ረድኤትን ልቓሕን ሓገዛት ደው ኣቢለን እየን።
ካብ ሽዑ ንነጀው ፡ እታ ሃገር ኣብ ሓደገኛ ቅዋማዊ ባዶሽን ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላውን እያ ዘላ ።
ይኹን እምበር ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ፡ እቶም ነቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ዝፈጸሙ መራሕቲ ካብ መሰጋገሪ መንግስቲ ከም ዝስሕቡ ቃል ኣትዮም ፡ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኣብ ቅዋማዊ ኣዋጅን መሰጋገሪ መንግስትን ክሰማምዑ ተማሕጺኖም ነይሮም ።
ኣል-ሸባብ ኣብ ሶማል ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ: ብውሑዱ 19 ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም።
ኣል-ሸባብ ኣብ ሶማል ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ: ብውሑዱ 19 ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም። ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ዝጸብጸቦ እዩ።
ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ኣብ ማእከላይ ዞባ ሶማል ኣብ ሓደ ለይቲ ብዘካየድዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 19 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉን ምግቢ ረድኤት ጽዒነን ዝነበራ ዓበይቲ ማካይን ከም ዘዕነዋን ንነበርትን ብማዕከናት ዜና እታ ሃገርን ገሊጾም ።
ካብ እስላማውያን ተዋጋእቲ ኣል-ሻባብ ኣብቲ ኣብ ማእከላይ ሶማል ዝተኻየደ ናይ ለይቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 19 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ መራሕቲ ቀቢላን ናይቲ ከባቢ ሰበ-ስልጣን ገሊጾም ።
እቲ እስላማዊ ጉጅለ ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ከባቢ ሂራን ኣብ ማእከላይ ሶማል ኣብ እትርከብ ርእሰ ምምሕዳር ዝዀነት ግዝኣት ሂርሻበል እዩ ጀሚርዎ ።
እተን ዓበይቲ ማካይን ፡ ካብ ከተማ ባላድወይን ናብ ከተማ ማሃስ ምግቢ የብጽሓ ከም ዝነበራ ፡ ተቐማጦ እታ ከተማ ገሊጾም እዮም ።
ሶና ዝበሃል መንግስታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር: ኣል-ሸባብ ንመሃስ ረድኤት ዘምጽኣ ዝነበራ ናይ ጽዕነት መኻይን ከም ዘሕረረን "ንመብዛሕትኦም ኣብታ ማኪና ዝነበሩ ሰባት ከም ዝቐተሎምን" ሓቢራ ።
እቲ መጥቃዕቲ ክልተ ሰሙን ድሕሪ እቲ ኣል-ሻባብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሶማልያ ነዊሕ ጸጥታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቃዲሾ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ን30 ሰዓት ብምኽባብ 21 ሰባት ምቕታሉን ፡ 117 ምቚሳሎምን ዝመጽእ ዘሎ እዩ ።
"እቶም ኣሸበርቲ ነቶም ናብ ትማሊ ለይቲ ዝጉዓዙ ዝነበሩ ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ብጃምላ ቀቲሎምዎም ። ቍጽሪ እቶም ግዳያት ብልክዕ ክንደይ ምዃኑ ኣይንፈልጦን ኢና: 19 ሬሳታት ግን ተኣኪቡ እዩ "ክብል መራሒ ሓደ ቀቢላ ዝኾነ ዓብዱላሂ ሃረድ ን AFP ገሊጹ ።
ኣል-ሻባብ ኣብ መግለጺኡ: ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ንሓይልታት መንግስቲ ካብ ዝሕግዝ ከባቢ ሓደ ንኡስ ዞባ ንዝመጹ ተዋጋእቲ ዕላማ ብምግባር 20 "ሚሊሻታትን ነቶም ንዕኦም ዝኸውን ንዋት ዜጐዓዕዙ ዝነበሩን" ከምተቐትሉን: ትሽዓተ ካብ ማካይንኦም ድማ ከምዘዓነዋ ኣፍሊጡ ።
ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ፡ "ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዘሎ ዘስካሕክሕ ቅትለት ብትሪ ዀኒንዎ እዩ" ብምባል ፡ ብትዊተር ገሊጹ ።
"እቲ ፕረዚደንት ፡ መንግስቱ ኣብቲ ኣብ ሶማልያን ኣብቲ ዞባን ኣንጻር ግብረ ሽበራ ዝግበር ቃልሲ ፡ ዘይፍንቅሎ እምኒ ከምዘይህሉ ኣስሚርሉ እዩ ።"