ሆስተል ኣብ ሩዋንዳ ንሓተትቲ ዑቕባ ስደተኛታት ቆልዑ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ንምቕባል ይዳሎ።

ኣብ ሩዋንዳ ዝርከብ ሆስተል ፡ ንሓተትቲ ዑቕባ ህጻናት ንምቕባል ምድላዋት ይገብር ከም ዘሎ ይገልጽ ።

News

Under an agreement struck in April, Britain will send tens of thousands of migrants who arrive on its shores to places like the Hope Hostel accommodation in Kig Source: AAP

እቲ ኣብ ርዋንዳ ዝርከብ ኣአንጋዲ ሆስቴል፡ ብሪጣንያ ነቶም ኣብ ትሕቲ ኣካታዒ ዝኾነ ናይ ምጥራዝ ፖሊሲኣ ንዝመጹ ሓተትቲ ዑቕባ ንምቕባል መደብ ከም ዘለዎ ፡ ኣካያዲ ናይቲ ሆስቴል ኣፍሊጡ። እቶም ቆልዑ ስደተኛታት ምስ ወለዶም ናብቲ ቦታ ኽውሰደ ከም ዝደልዩ ሓቢሩ ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብዝተገብረ ስምምዕ ፡ ብሪጣንያ ነቶም ልዕሊ 6,4000 ኪ.ሜ. ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ገማግም ባሕሪኣ ዝበጽሑ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ናብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትልእኮም መዲባ እያ ።

እቲ ሆስቴል ነቶም ሓተትቲ ዕቑባ ምስመጹ ንኣስታት ትሽዓተ ኣዋርሕ ዝጸንሑ ኮይኖም ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ንእሽቶ ናይ ኩዕሶ እግሪን ናይ ኩዕሶ ሰኪዔት ሜዳ ይሃንጽ ኣሎ ።

ናይቲ ሆስቴል ኣካያዲ ስራሕ ኤሊሰ ካሊያንጎ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ናይ ስፖርት ሜዳታት ዝህነጽ ዘሎ ህጻናት ኣብቲ ማእከል ክቕመጡ ስለዝኽእሉ እዩ ኢላ ። ኣብኡ ብመንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ እተገብረሉ ምብጻሕ ፡ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ሳዕሪ ንምልባስ ፡ ኣብ ግዳም መጻወቲታት ክዕድጉ ከም ዝኽእሉ ሓበረ ።

ሚስተር ካልያንጎ ፡ ኣብ ዋዕላ ሓባራዊ ኃብቲ ናብ ሩዋንዳ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ናብ ሩዋንዳ እናተጓዕዙ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ "ንዅሉ ዕድመ ክንቅበል ድሉዋት ኢና" ኢሉ ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ንገለ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንምልኣኽ ዘውጽኦ ውጥን ፡ በቶም ኢሰብኣዊ እዩ ዝብሉ ተቓወምቲ ፡ ግብረሰናያትን መራሕቲ ሃይማኖትን ተነቒፉ እዩ ። እቲ መንግስቲ ግና ነቲ ናይ ንግዲ ሰባት ኮንትሮባንድ መርበባት ምሕምሻሽ ኣድላዪ እዩ ኢሉ ይማጎት ።

ብሪጣንያ ኣቐድም ኣቢላ ፡ ኣላዪ ዘይብሎም ህጻናት ናብ ሩዋንዳ ከም ዘይትስጐጉ እኳ እንተገለጸት ፡ ኣፈኛ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብቲ ምብጻሕ ፡ ቈልዑ ምስ ወለዶም ናብቲ ህንጻ ኽሰድድ ከም ዘይግድድ ገሊጹ ነይሩ እዩ ።


2 min read

Published



Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now