ሆስተል ኣብ ሩዋንዳ ንሓተትቲ ዑቕባ ስደተኛታት ቆልዑ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ንምቕባል ይዳሎ።

ኣብ ሩዋንዳ ዝርከብ ሆስተል ፡ ንሓተትቲ ዑቕባ ህጻናት ንምቕባል ምድላዋት ይገብር ከም ዘሎ ይገልጽ ።

News

Under an agreement struck in April, Britain will send tens of thousands of migrants who arrive on its shores to places like the Hope Hostel accommodation in Kig Source: AAP

እቲ ኣብ ርዋንዳ ዝርከብ ኣአንጋዲ ሆስቴል፡ ብሪጣንያ ነቶም ኣብ ትሕቲ ኣካታዒ ዝኾነ ናይ ምጥራዝ ፖሊሲኣ ንዝመጹ ሓተትቲ ዑቕባ ንምቕባል መደብ ከም ዘለዎ ፡ ኣካያዲ ናይቲ ሆስቴል ኣፍሊጡ። እቶም ቆልዑ ስደተኛታት ምስ ወለዶም ናብቲ ቦታ ኽውሰደ ከም ዝደልዩ ሓቢሩ ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብዝተገብረ ስምምዕ ፡ ብሪጣንያ ነቶም ልዕሊ 6,4000 ኪ.ሜ. ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ገማግም ባሕሪኣ ዝበጽሑ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ናብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትልእኮም መዲባ እያ ።

እቲ ሆስቴል ነቶም ሓተትቲ ዕቑባ ምስመጹ ንኣስታት ትሽዓተ ኣዋርሕ ዝጸንሑ ኮይኖም ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ንእሽቶ ናይ ኩዕሶ እግሪን ናይ ኩዕሶ ሰኪዔት ሜዳ ይሃንጽ ኣሎ ።

ናይቲ ሆስቴል ኣካያዲ ስራሕ ኤሊሰ ካሊያንጎ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ናይ ስፖርት ሜዳታት ዝህነጽ ዘሎ ህጻናት ኣብቲ ማእከል ክቕመጡ ስለዝኽእሉ እዩ ኢላ ። ኣብኡ ብመንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ እተገብረሉ ምብጻሕ ፡ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ሳዕሪ ንምልባስ ፡ ኣብ ግዳም መጻወቲታት ክዕድጉ ከም ዝኽእሉ ሓበረ ።

ሚስተር ካልያንጎ ፡ ኣብ ዋዕላ ሓባራዊ ኃብቲ ናብ ሩዋንዳ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ናብ ሩዋንዳ እናተጓዕዙ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ "ንዅሉ ዕድመ ክንቅበል ድሉዋት ኢና" ኢሉ ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ንገለ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንምልኣኽ ዘውጽኦ ውጥን ፡ በቶም ኢሰብኣዊ እዩ ዝብሉ ተቓወምቲ ፡ ግብረሰናያትን መራሕቲ ሃይማኖትን ተነቒፉ እዩ ። እቲ መንግስቲ ግና ነቲ ናይ ንግዲ ሰባት ኮንትሮባንድ መርበባት ምሕምሻሽ ኣድላዪ እዩ ኢሉ ይማጎት ።

ብሪጣንያ ኣቐድም ኣቢላ ፡ ኣላዪ ዘይብሎም ህጻናት ናብ ሩዋንዳ ከም ዘይትስጐጉ እኳ እንተገለጸት ፡ ኣፈኛ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብቲ ምብጻሕ ፡ ቈልዑ ምስ ወለዶም ናብቲ ህንጻ ኽሰድድ ከም ዘይግድድ ገሊጹ ነይሩ እዩ ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ሆስተል ኣብ ሩዋንዳ ንሓተትቲ ዑቕባ ስደተኛታት ቆልዑ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ንምቕባል ይዳሎ። | SBS Tigrinya