ኮቪድ-19፣ ኢንፍሉወንዛን ሰዓልን ብኸመይ ትፈልይዎም?

ኮቪድ-19 ልዕሊ 6,600 ሰባት ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ኣውስትራልያ ቀዚፉ'ሎ፣ ኢንፍሉወንዛ (ፍሉ) ቫይረስ ብወገኑ ኣብ 2019 1,080 ሰባት፣ ኣብ 2020 ከኣ 55 ሰባት ቀቲሉ።

Experts believe testing is the best way of diagnosing the disease given identical signs and symptoms of COVID-19, flu and the common cold.

Experts believe testing is the best way of diagnosing the disease given identical signs and symptoms of COVID-19, flu and the common cold. Source: Getty Images/Westend61

ግዝኣታት ንቀይድታት መገሻን መምርሒታት ድሕነት ጥዕናን ወሲኾም ኣብ ዘፍኩስዎም ዘለዉ እዋን፣ ኣውስትራልያ ቅልጡፍ ምምላስ መልከፍታት ፍሉን ኣብ'ዚ ወቕቲ ቁሪ (ዊንተር) ዝላ ኣብ ቁጽሪ ናብ ሆስፒታል ዝኣትዉ ሰባትን ከጋጥማ'ዩ ይብሉ ክኢላታት።

መንግስቲ ኣውስትራልያ ፍሉ ንዝኾነ ሰብ ከጥቅዕ ይኽእል፣ ብፍላይ ግን ኣብ ህጻናትን ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባትን ዝያዳ ዝኸበደ ይኸውን ይብል።

መርመራ

ተርእዮታትን ምልክታት ሕማምን ኮቪድ-19፡ ፍሉን ጉንፋዕን ተመሳሰልቲ ምዃኖም ኣብ ግምት የእቲኻ መንግስቲ ኣውስትራልያን ክኢላታትን እቲ ዝበለጸ መረጋገጺ መንገዲ መርመራ ብምግባር'ዩ ይብሉ።

ነበርቲ ጸረርታ ንፋጥ፣ ምስዓል ወይ ምቑሳል ጎረሮ፣ ረስኒ፣ ሕማም ርእሲ፣ ቅርጥማታት ኣብ ሰብነት፣ ተምላስን ውጽኣትን እንተተራእይዎም መርመራ RT-PCR ወይ ቅልጡፍ መርመራ ኣንቲጀን (ራፒድ ኣንቲጀን ቴስት) ክገብሩ ይንገሮም።
ብኮቪድ-19 ምስ ዝተለኸፉ ሰባት ብቐረባ ዝተራኸቡን ነበርትን ብክኢላታት ጥዕና መርመራ ራት-ፒሲኣር ክገብሩ ይምከሩ። መልከፍቲ ኮቪድ-19 ከምዘለዎም ዝተረጋገጹ ሰባት ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ንሸውዓተ መዓልታት ክውሸቡ የድልዮም።
ካልእ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ነዚኦም የካትቱ፥

  • ሕጽረት ትንፋስን ምዕባስን
  • ድኻም
  • ቃንዛ ጭዋዳታት
  • ግዝያዊ ዝኾነ ምጥፋእ ክእለት ምሽታት ወይ ምቕያር ስምዒት ምጥዓም (ጣዕሚ)
  • ዕግርግር ምባል ወይ ሸውሃት ምጥፋእ
ምልክታት ሕማም ገና እንተሃልዮምኹምን ውጽኢት መርመራ RAT/PCR (ራት/ፒሲኣር) ግን ኣሉታ (ነጋቲቭ) እተኾይኑን ኸ፧

ኣፈኛ ሃገራዊ ማእከል መጽናዕቲ ክታበትን ምክትታልን (National Centre for Immunisation Research and Surveillance) ሓደ ሰብ ከም በዓል ፍሉ ወይ ሰዓል ዝኣመሰሉ ካልኦት ሕማማት ምትንፋስ ክህልውዎ ተኽእሎ ኣሎ ኢሉ።

"ምልክታት ሕማምኩም ክሳብ ዝጠፍኡን ናብ ካልኦት ሰባት ከይመሓላለፍ ንምክልኻልን ሕጂ'ውን እንተኾነ ኣብ ገዛ ክትጸንሑን ከተዕርፉን ኣለኩም። ፈኲስ ፍሉን ሰዓልን ብሓፈሽኡ ባዕሎም ብዘይ ዝኾነ መድሃኒት ይሓውዩ'ዮም፣" ይብል እቲ ኣፈኛ ንኤስቢኤስ ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ መልሲ።

"ሕማም ዕረፍቲ ብምውሳድ፣ ፈሳሲ ብምውሳድ ወይ ብምስታይ (ብፍላይ ማይ)፣ ቃንዛን ረስንን ዘዐግሰልኩም ፓራሲታሞል ብምውሳድን መዕበስቲ ዝኸፍቱልኩም መድሃኒታት ብምጥቃምን ነቶም ምልክታት ከተቃልልዎም ትኽእሉ ኢኹም፣" ክብል እቲ ኣፈኛ ወሲኹ።

መንግስቲ ኣውስትራልያ ነበርቲ ኩሎም ናብ'ቶም ምልክታት ሕማም ብምክትታል ወይ ኣፍንጭኦም ብምድራዝ ወይ ብምሕባስ ፍሉ ከምዘለዎም ከረጋግጹ ናብ ዝኽእሉ ናይ ቤተሰብ ሓካይሞም (GPs) ክኸዱ ኣለዎም ይብል።

መርመራ ደም'ውን ንፍሉ ንምፍላጥ ክሕግዝ ይኽእል'ዩ።
ምልክታት ሕማም ፍሉን መጠን ክብደቶምን

ሓደ ብፍሉ ዝተለኽፈ ሰብ ካብ'ቶም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ተርእዮታትን ምልክታትን ወጻኢ ቁሪ ቁሪ ከብሎ ይኽእል። ተምላስን ውጽኣትን ዝያዳ ኣብ ህጻናት ይረኣዩ።

እቶም ዝለዓለ ሓሚሞም ናብ ሆስፒታል ክኣትዉ ዝኽእሉ፣

  • ዕሸላት ቆልዑ
  • 65ን ልዕሊኡ ዝዕዲሚኦም ሰባት
  • ተወለድቲ ኣቦሪጂናልን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን
  • ጥኑሳት ደቀንስትዮ
  • ሕዱር ጸገም ጥዕና ዘለዎም ሰባት
  • ኣመና ርጉዲ ዘለዎም ሰባት
  • ዘትክኹ ሰባትን
  • ዘይተኸትቡ ሰባት
ፍሉ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይመሓላለፍ'ዩ። እቶም ምልክታቱ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ፈለማ ምስ ተለኸፍኩም ድሕሪ ካብ 1 ክሳብ 3 መዓልታት ይጅምሩ፣ እቲ መጠን ክብደቱ ኸኣ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ።

ፍሉ ነዚኦም ከስዕብ ይኽእል'ዩ፣

  • ብሮንካይቲስ
  • ክሩፕ (ኣብ ህጻናት ዝረአ ድምጺ ዘለዎ ምትንፋስን መንባሕቲ ዝጥዕም ምስዓልን)
  • ኒውሞኒያ (ሕማም ሳንቡእ)
  • ረኽሲታት እዝኒ
  • መጉዳእቲ ልቢን ካልኦት ክፋላት ኣካላትን
  • ነድሪን መጉዳእቲን ኣብ ሓንጎል
  • ሞት
ከቢድ መልከፍቲ ፍሉ ምስ ዝህልወኩም ክመጹ ዝኽእሉ ነዊሕ ዝጸንሑ ወይ ሕዱራት ጸገማት ጥዕና፣

  • ሕማም ልቢ
  • ዳውን ሲንድሮም (ዝሕታለ ኣእምሮ)
  • ሕማም ሳንቡእ
  • ጸገማት ኣብ ስርዓተ መትኒ (ከም በዓል ማልቲፕል ስክለሮሲስ)
  • ሕማም ጸላም ከብዲ
  • ሕማም ኩሊት
  • ሕማም ሽኮር
  • ሕማም ደም
  • ምዝንባላት መስርሓት ሰብነት (ሜታቦሊክ ዲስኦርደርስ)
ለበዳ ወይ ምስፍሕፋሕ

ፍሉ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤታት፣ ቦታታት ስራሕ፣ ማእከላት መውዓሊ ህጻናትን ቤት ትምህርታትን የስፋሕፍሕ።

ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማም (Centers for Disease Control and Prevention) ሓደ ዝተለኽፈ ሰብ ክሳብ ሽዱሽተ ጫማ ርሒቖም ንዘለዉ ሰባት ከሕልፈሎም ይኽእል'ዩ።

እቲ ምትሕልላፍ በዞም መንገድታት ይፍጸም፣

  • ሰባት ካብ'ቶም ኣብ ጥቕኦም ዝርከቡ ዝተለኽፉ ሰባት ስዒሎም ወይ ኣሀንጢሶም ዝዘርግሕዎም ነጠብጣባት ጥፍጣፍ ምስ ዘተንፍሱ
  • ሰባት ቫይረስ ፍሉ ዝተጸየቐ ወይ ዝነጠቦ ቦታ ወይ ነገር ድሕሪ ምትንካፎም ኣፎም፣ ዓይኖምን ኣፍንጭኦምን ምስ ዝትንክፉ  
ምክልኻል

ክታበት እቲ ዝበለጸ መንገዲ ንምክልኻል መልከፍትን ከቢድ ሕማምን እዩ።

ፍሉ ደው ነብለሎም ካልኦት መንገድታት፡

  • ክሳብ ዝሕሸኩም ወይ እትሓውዩ ካብ መውዓሊ ህጻናት፣ ቤት ትምህርቲ፣ ስራሕ ወይ ካልኦት እቲ መልከፍቲ ክላብዓሎም ዝኽእል ቦታታት ርሓቑ
  • ክትስዕሉን ከተሀንጥሱን እንከለኹም ኣፍኩምን ኣፍንጫኹምን ምሽፋን
  • ኣእዳውኩም ብተደጋጋሚ ምሕጻብ
ኣብ'ዚ ጽሑፍ ቀሪቡ ዘሎ ሓበሬታ ብትሕዝቶኡ ሓፈሻዊን ኣብ ናይ'ዚ እዋን ምኽሪ ጥዕና ካብ ክፍሊ ጥዕና ኣውስትራልያን ካልኦት ሰብ መዚ ጥዕናን ምርኩስ ዝገበረ'ዩ። ንዓኹም ዝምልከት ፍሉይ ሓበሬታ እንተደሊኹም ንሓኪም ቤተሰብኩም (GP) ኣዘራርቡ።

ኩሉ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ብቋንቋኹም ከተንብቡ ኣብ'ዚ SBS Coronavirus portal ተመልከቱ ።


Share

Published

By Sahil Makkar

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service