ዋጋታት ኣባይቲ ክሳብ ክንደይ'ዩ ወሪዱ ዘሎ?
ዋጋ ኣባይቲ ኣብ ዕዳጋታት ኣውስትራሊያ ናብ ታሕቲ ምውራዱ ይቕጽል ኣሎ ፡ ኣብ ሙሉእ ሃገር ናይ ገዛ ዋጋ ብ 3.6 ብምጒዳል፡ ብመሰረት ናይ ኣባይቲ መጽናዕታዊ ትካል ኮታሊቲ ዘውጽኦ ሓድሽ ኣሃዛት ዕዳጋ ፡ ካብ ናይ መጀመርታታት 2026 ዝለዓለ ምጉዳል እዩ ።
ካብቲ ትጽቢት ዓበይቲ ትካላት ፋይናንስ ንላዕሊ ን፡ ካብቲ ኮመን ወልዝ ኣቐዲሙ እተነበዮ ወጻኢ "ብዝቐልጠፈን ብዝሰፍሐን" ዋጋ ገዛውቲ ብምውራዱ ፡ ነቲ ትንበያኦም ከመሓይሹ ደሪኹ ኣሎ ።
ዋጋ ገዛ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጺሑ ካብ መጋቢት ናይዚ ዓመት እዚ ኣዚዩ ከንቆልቁል ጀሚሩ ፡ እዚ ዝኾነ ድማ መንግስቲ ፌደራል ንገለ ኣብ ኣባይቲ ዘውሩ ኢንቨስተራት ዝጸንሐ ሕድገታት ግብሪ ክኣሊ ምዃኑ ምስ ኣፍለጠ ዝሰዓበ እዩ ።
ገለ ካብ ረቛሒታት ናይዚ ምንቁልቋል ዋጋታት፡- ምውሳኽ ወለድ፡ ጸገም ቀረብን ኣብ ዕዳጋ ዘጋጥም ስምዒታትን ይርከብዎም ።
ናይ ቀረባ ግዜ ስታቲስቲካዊ ጸብጻብ ዘቕረበት: ሚኒስተር ኣባይቲ ክሌር ኦኒል ዕዳጋታት ኣባይቲ እዛ ሃገር "ብባህሪኡ ተመላሊሱ ዝዘውር ዕንክሊል " ምዃኑ ገሊጻ ።
ብረቡዕ ንግሆ ንቻነል ሰቨን ኣብዝሃበቶ መብርሂ ፡ "ከቢሩ ዝጸንሐ ዋጋታት ኣብ ዝቕጽል ክጎድል ተራእዩ እዩ ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ዳርጋ ኣርባዕተ ሳዕ እዩ ኣጋጢሙ" በለት ።
ብመሰረት እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ትረዠሪ ዘቕረቦ ትንተና ፡ ድሕሪ 1999 ኣብ ኣውስትራልያ ዋጋ ኣባይቲ ብማእከላይ ገምጋም ብልዕሊ 400 ሚእታዊት ወሲኹ እዩ ። ኦኒል ፡ መቐጸልታ እዚ ንነዊኅ እዋን ዝጸንሐ ምውሳኽ ፡ ነቲ ናይ መጻኢ ወለዶታት ትምኒታት ከም ዘቕሃሞ ገሊጻ ።
ሓደ ክኢላ ስነ-ቁጠባ ፡ እቲ ውድቀት ኣብ ውሽጢ 50 ዓመት ኣዝዩ ኣገዳሲ ክኸውን ከም ዝኽእል ክገልጽ ከሎ ፡ ኣብዚ ጉዳይ ተነበይቲ ሰባት ግና ፡ከም ናይ ወለድ ለውጢ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታው ዋጋታት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝወርድ ኣብዝብል ይፈላለዩ እዮም ።
ነቲ ቝጽርታት ብኸመይ ከም እትትርጕሞ እስከ ንርአ ።
ዋጋ ገዛ ክሳዕ ክንደይ እዩ ድሮ ወሪዱ ዘሎ ?
ዋጋ ኣባይቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ወርሒ ነሓሰ ብ 0.9 ሚኢታዊት ጎዲሉ። ብመሰረት ትካል ኮቲለቴ ናይ ገዛ ዋጋ ኢንደክስ ኣብ ናይ ክረምቲ ርብዒ ብ 3.1 ሚእታዊት ከም ዝወረደ ይሕብር ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት ዋጋ ኣባይቲ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ብምውራድ ብ 3.6 ሚኢታዊ ነክዩ ።
ኣብ ርእሲ እዚውን: 93 ካብ ሚእቲ ኣብ ዝዀና ርእሰ-ኸተማታትን ዞባዊ ከተማታትን ዋጋ ኣባይቲ የንቆልቁል ከም ዘሎ ተፈሊጡ እዩ ።
ብሕጂ ክሳብ ክንደይ ዋጋታት ገዛ ክወርድ'ዩ?
ኣብዚ እዋን እዚ ባንክ ኮመንወልዝ ካብቲ ኣብ ሚያዝያ 2027 ጀሚሩ ዝለዓለ ናይ 2026 ጥርዚ ቅድሚ ምውራዱ ኣብ መላእ ሃገር ብከባቢ 9 ሚእታዊት ዋጋታት ገዛውቲ ክወርድ ትጽቢት ይገብር ።
እቲ ናይ ኣውስትራሊያ ዝዓበየ ባንክ ብተወሳኺ ኣብ ዋና ከተማታት ዓበይቲ ግዝኣታት ዝያዳ ኣገደስቲ ምውራድ ዋጋታት ከምዝህሉ ይንበ እዩ ፡ ኣብ ሲድኒን መልበርንን 13ን 12ን ሚኢታዊ ምንካይ ከምዝረአ ተነብዩ ኣሎ ።
ብዘይካዚ ፡ ዋጋ ኣባይቲ ድሕሪ ሚያዝያ እንደገና ኺውስኽ ከም ዝጅምር ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ ኣመጽእ ዓመት ብ2 ሚእታዊት ከም ዝውስኽ ፡CommBank ተነብዩ ። እዚ ኣሃዝ እዚ ካብቲ ኣብ 2025 ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝነበረ ዕብየት ዋጋ ገዛ 9.2 ሚእታዊት ኣዚዩ ዝተሓተ እዩ ።
AMP ብቕሩብ ካብቲ ንታሕቲ ክወርድ እዩ ዝብል ኮይኑ ፡ ቀንዲ ክኢላ ቁጠባ ሻን ኦሊቨር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዋጋታት ገዛ ብ 10 ሚኢታዊት ክወርድ እዩ ትብል ።
ብሕጂ ክንደይ ግዜ መጠን ወለደ ክውስኽ ክንጽበ ንኽእል?
ዋጋታት ኣባይቲ እናጐደለ ክኸይድ ዝኽእል እኳ እንተ ኰነ ፡ ኣብ ካልእ መዳያት ቊጠባ ግና ዝቕባበ ልዑል ኮይኑ ክቕጽል እዩ ፣ መብዛሕትኦም ባንክታትን ክኢላታት ቊጠባን ፡ ማእከላይ ባንክ ኣብቲ ኣብ 2026 ኣብ ዝተረፈ ሰለስተ ኣኼባታቱ ፡ መጠን ወለድ ገንዘብ ከም ዝውስኽ ይንበዩ እዮም ።
ኮመንወልዝ ኣብ መጀመርታ ናይ ወርሒ ሕዳር ኣኼባ ብ 0.25 ሚኢታዊት ክውስኽ ይንበ ኣሎ ።
ሪሰርቭ ባንክ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ግንቦት ጥራይ ነቲ መጠን ምጒዳል ከም ዝጅምሮ እዩ ዝንበ ።
ኣብ ሕዳር ፡ ኣብ መስከረም እውን ፡ ካልእ ተወሳኺ ወሰኽ ክግበር ትጽቢት ይግበር እዩ ።
ሪሰርቭ ባንክ (RBA) ኣብዚ ዓመት እዚ ሰለስተ ግዜ ክብ ከምዘበለን ኣብዚ እዋን እዚ ድማ 4.35 ሚኢታዊ ኮይኑ ይርከብ ።
ኩሸር ን SBS ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ RBA ፡ እንተ ወሓደ ቅድሚ 12 ወርሒ ነቲ ምጉዳል ወለድ ኣይጅምሮን እዩ ይብል ።
With additional reporting by the Australian Associated Press
For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.
