ሎሚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንጆርጅ ፐል ብምሉእ ድምጺ ካብ ዝተኸሰሉ ገበን ነጻ ምዃኑ ፈሪዱ። በዚ ድማ ፐል ተዓዊቱ፡ ካብቲ ንሓደ ዓመት ተኣሲርዎ ዝጸንሐ ተፈቲሑ።
እቲ ኣብ መልበርን ተፈሪዱ ዝነበረ ብይግባይ እቲ ጉዳይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክሓልፍ ክልተ ደያኑ ድጋፍ ምሃቦምን ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ድማ 7 ደያኑ ብምሉእ ድምጺ ነጻ ክብልዎ ንብዙሓት ጋን ኮይንዎም ኣሎ።
እቲ ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ነቲ ናይ ስርዓተ ፍትሒ ኣብ ልዕሊ ዝተዓመጹ ቆልዑ ዘለዎ ኣረኣእያ ዘቋናጽብ ምዃኑ ንብዙሓት ኣብ ጥርጣረ ከውድቖም ይኽእልዩ። እዚ ጉዳይ ካልእ ሕቶታት ከኸትል ይኽእልዩ ዝብሉውን ኣይተሳእኑን።
ጂርጅ ፐል ግና ብኸመይ እዩ ነቲ ዝተፈርደ ገበን ብይግባይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓሊፉ ክዕወተሉ ኪኢሉ?

George Pell serbest kaldı. Source: AAP
ዉሳነ ሽማግለ ደያኑ
ኣብ 2018, ሽማግለ ድያኑ ብሓደ ድምጺ ጆርጅ ፐል ገበነኛ ኮይኑ ረኺቢዎ። “ብዘይ ገለ ጥርጥር” ን ሓሙሽተ ቆልዑ ዓሚጹ፡ ድማ ኢልዎ። እዚ መዐቀኒ መረጋገጺ ልዑልን ምሉእ መረጋገጺ ዘይሓትትን እዩ። ብምባል እቲ ሽማግለ ደያኑ ነቶም ከሰስቲ ብምእማን ጆርጅ ፐል ነቲ ገበን ዘይምእማኑ ከይተቐበለ ፐል ክእሰር ተፈርደ። ብድሕርዚ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንምኻድ ላዕሊ ታሕቲ ተጀመረ።
ቤት ፍርዲ ቭክቶሪያ ኣብ ውሳነ ይግባይ
ፐል ሞገቱኡ ብምቕጻል እቲ ፍርዲ ብምሉእ መርትዖ ዘይድገፍ እዩ ኢሉ። እቲ ነቲ ቤት ፍርዲ ሕቶ ዝኾኖ ፐል ገበነኛ ምዃኑ ምርግጋጽ ዘይኮነስ እቲ ክሱስ ገበነኛ ዘግብሮ ዘየጠራጥር መርትዖ ክቐርብሞ ንሽማግለ ደያኑ ክፉት ኮይኑ ከይጸንሕ እዩ።
ነቲ "ብዘይ ዝኾነ ጥርጥር" ዝብል መዐቀኒ ንምምላ፡ እቲ መርትዖታት ብምሉእነት ኩሉ ተመርሚሩ፡ነፍሲ ወከፍ መርትዖ ብገዛእ ርእሱ ነቲ ብቕዓት ኣየማልአን። ገለ ሸነኻት እቲ መርትዖታት "ዘይምሉኣት" ኮይኖም ንፍርዲ ክፉታት ኮይኖም።
ብድሕሪ ብዙሕ ክርክር፡ ካብቶም ሰለስተ ሽማግለ ደያኑ ንሽማግለ ፍርዲ (ጁሪ) ክፉት እዩ ክብልይ ከለዉ ሓደ ዳኛ ጥራይ ኣይተቐበሎን።

Source: AAP
እቲ ጉዳይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓሊፉ
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ "ፍሉይ ናይ ይግባይ ፍቓድ" ኣፍቂዱ። እዚ ልሙድ ዘይኮነ ነገርዩ ኔሩ፡ ምኽንያቱ ፍሉይ ናይ ይግባይ ፍቓድ ኣሰራርሓ ንከም ጉዳይ ዓመጽ ቆል ዑ ዝበለ ዘይምኽንያታዊ ፍርዲታት ብዙሕ እዋን ስለዝነጽግ ኢሉ ስለዝካታዕ እዩ።
ጆርጅ ፐል ኣብቲ ቤት ፍርዲ ይግባይ፡ ንሕጋዊ መስርሓት ብዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ሕጊ ተጣሒሱኒ እዩ ኢሉውን ሞጒቱ።
ነቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቶ ዝኾኖ እምበኣር፡ ፍሉይ ፍቓድ ይግባይ ብዛዕባ ገበነኛ ምግባር ፐል ወይስ እቲ ሽማግለ ደያኑ ዝወሰዶ ፍርዲ ቅኑዕ ኔሩ ዝብል እዩ።

Supporters of George Pell pray outside the High Court of Australia in Canberra, Wednesday, March 11, 2020. Source: AAP
ፐል ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እንታይ ኢሉዩ ሞጒቱ?
ዝበዝዝሁ ደያኑ ቪክቶሪያ ኣተገባብራ"ንሽማግለ ደያኑ ክፉት" ዝወሰድዎ መዐቀኒ ጌጋ እዩ፡ ኢሉዩ ፐል ሞጒቱ።
ንሱ ብተወሳኺ እቲ ገበን ንኽፍጸም ዘነበረ ተኽእሎ ዘጠራጥር እዩ ክብል ሞጒቱ።

Supporters of abuse victims outside the Victoria Supreme Court building in August. Today’s decision was handed down in a near-empty High Court building. Source: AAP
ብሕጋዊ መስርሕ ሎሚ ጆርጅ ፐል ተዓዊቱ
ብመሰረት እቲ ምኽንያታት መደምደምታኦም፡ እቲ ናይ ይግባይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፥ እቲ ዝበዝሕ ዝተወስደ ፍርዲ ጆርጅ ፐል ገበነኛ ዘግብሮ እኹል ርትዓዊ ጥርጣረ ኣይረኸበን።
ብተወሳኺ እቲ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ዝበጽሖ ነገር፥ ኩነታት ከሰስቲ ተኣማንነትን ቅብሉነትን ብዘየገድስ እቲ ሽማግለ ፍርዲ ዝጠለቦ ናይ መሰኻኽር መርትዖ ክንዮ ጥርጣረ ዝኸይድ ን ፐል ገበነኛ ዘቑጽር ኣይኮነን ኢሉ።
ኣብ 2018, እቲ ሽማግለ ደያኑ (jury) ካርዲናል ፐል ክንዮ ርትዓዊ ጥርጥር ኣብ 5 ገበናት ገበነኛ ኢሉ ኔሩ።

George Pell leaves HM Prison Barwon in Geelong, Tuesday, 7 April, 2020. Source: AAP
ሎሚ ካርዲናል ጆርጅ ፐል ብቴክኒካዊ ሕጋዊ ተዓዊቱ ኣሎ፡ ካብቲ ንሓደ ዓመት ተኣሲርሉ ዝነበረ ድማ ወጺኡ ኣሎ። እንተኾነ ብብዙሕ ሕጋዊ መስርሕ ካብ ምሕታት ኣይክዓርፍን እዩ። ሎሚ ካርዲናል ጆርጅ ፐል ኣብዘውጽኦ መግለጺ፡ "ክሳብ ሎሚ ንጹህ ምዃነይ ከምዝኣምን ክገልጽ ጸኒሐ። እዚ ናይ ሎሚ ፍርዲ ድማ ንንጽህናይ ኣረጋጊጹለይ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ኸሰስተይ ዝኾነ ይኹን ሕማቕ ስምዒት የብለይን። ንነዊሕ እዋን ዝሓለፍናዮ ጭንቀት ይኣኽለና።"