Explainer

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣውስትራሊያ ንካርዲናል ጆርጅ ፐል ካብ ዝተኸሰሰሉ ዓመጽ ግብረ-ስጋ ቖልዑ ነጻ ኢሉ ፈቲሕዎ።

ነቲ ብኽሲ ስጋዊ ግብረ ዓመጻ ኣብ ቆልዑ ገበነኛ ተባሂሉ ተፈሪዱ ዝጸንሐ ናይ ኣውስትራሊያ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ዝለዓለን ኣብ ቫቲካን ድማ ሳልሳይ ብስልጣን፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብምሉእ ድምጺ ነጻ ኢሉ ካብ ማእሰርቱ ፈቲሕዎ። ኣብዚ ንምብጻሕ ዝተኸደ ነዊሕ ጉዕዞ ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

Cardinal George Pell leaves the County Court in Melbourne on 11 December 2018.

Cardinal George Pell leaves the County Court in Melbourne on 11 December 2018. Source: AAP

ሎሚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንጆርጅ ፐል ብምሉእ ድምጺ ካብ ዝተኸሰሉ ገበን ነጻ ምዃኑ ፈሪዱ።  በዚ ድማ ፐል ተዓዊቱ፡ ካብቲ ንሓደ ዓመት ተኣሲርዎ ዝጸንሐ ተፈቲሑ።

እቲ ኣብ መልበርን ተፈሪዱ ዝነበረ ብይግባይ እቲ ጉዳይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክሓልፍ ክልተ ደያኑ ድጋፍ ምሃቦምን ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ድማ 7 ደያኑ ብምሉእ ድምጺ ነጻ ክብልዎ ንብዙሓት ጋን ኮይንዎም ኣሎ። 

እቲ ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ነቲ ናይ ስርዓተ ፍትሒ ኣብ ልዕሊ ዝተዓመጹ ቆልዑ ዘለዎ ኣረኣእያ ዘቋናጽብ ምዃኑ ንብዙሓት ኣብ ጥርጣረ ከውድቖም ይኽእልዩ። እዚ ጉዳይ ካልእ ሕቶታት ከኸትል ይኽእልዩ ዝብሉውን ኣይተሳእኑን።

ጂርጅ ፐል ግና ብኸመይ እዩ ነቲ ዝተፈርደ ገበን ብይግባይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓሊፉ ክዕወተሉ ኪኢሉ?
George Pell arrives at the County Court in Melbourne during earlier hearings.
George Pell serbest kaldı. Source: AAP

ዉሳነ ሽማግለ ደያኑ

ኣብ 2018, ሽማግለ ድያኑ ብሓደ ድምጺ ጆርጅ ፐል ገበነኛ ኮይኑ ረኺቢዎ። “ብዘይ ገለ ጥርጥር” ን ሓሙሽተ ቆልዑ ዓሚጹ፡ ድማ ኢልዎ። እዚ መዐቀኒ መረጋገጺ ልዑልን ምሉእ መረጋገጺ ዘይሓትትን እዩ። ብምባል እቲ ሽማግለ ደያኑ ነቶም ከሰስቲ ብምእማን ጆርጅ ፐል ነቲ ገበን ዘይምእማኑ ከይተቐበለ ፐል ክእሰር ተፈርደ። ብድሕርዚ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንምኻድ ላዕሊ ታሕቲ ተጀመረ።

ቤት ፍርዲ ቭክቶሪያ ኣብ ውሳነ ይግባይ

ፐል ሞገቱኡ ብምቕጻል እቲ ፍርዲ ብምሉእ መርትዖ ዘይድገፍ እዩ ኢሉ። እቲ ነቲ ቤት ፍርዲ ሕቶ ዝኾኖ ፐል ገበነኛ ምዃኑ ምርግጋጽ ዘይኮነስ እቲ ክሱስ ገበነኛ ዘግብሮ ዘየጠራጥር መርትዖ ክቐርብሞ ንሽማግለ ደያኑ ክፉት ኮይኑ ከይጸንሕ እዩ።
ነቲ "ብዘይ ዝኾነ ጥርጥር" ዝብል መዐቀኒ ንምምላ፡ እቲ መርትዖታት ብምሉእነት ኩሉ ተመርሚሩ፡ነፍሲ ወከፍ መርትዖ ብገዛእ ርእሱ ነቲ ብቕዓት ኣየማልአን። ገለ ሸነኻት እቲ መርትዖታት "ዘይምሉኣት" ኮይኖም ንፍርዲ ክፉታት ኮይኖም።

ብድሕሪ ብዙሕ ክርክር፡ ካብቶም ሰለስተ ሽማግለ ደያኑ ንሽማግለ ፍርዲ (ጁሪ) ክፉት እዩ ክብልይ ከለዉ ሓደ ዳኛ ጥራይ ኣይተቐበሎን።
A court sketch of Cardinal George Pell at the Supreme Court of Victoria in Melbourne in August last year.
Source: AAP

እቲ ጉዳይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓሊፉ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ "ፍሉይ ናይ ይግባይ ፍቓድ" ኣፍቂዱ። እዚ ልሙድ ዘይኮነ ነገርዩ ኔሩ፡ ምኽንያቱ  ፍሉይ ናይ ይግባይ ፍቓድ ኣሰራርሓ ንከም ጉዳይ ዓመጽ ቆል ዑ ዝበለ ዘይምኽንያታዊ ፍርዲታት ብዙሕ እዋን ስለዝነጽግ ኢሉ ስለዝካታዕ እዩ።

ጆርጅ ፐል ኣብቲ ቤት ፍርዲ ይግባይ፡ ንሕጋዊ መስርሓት ብዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ሕጊ ተጣሒሱኒ እዩ ኢሉውን ሞጒቱ።

ነቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቶ ዝኾኖ እምበኣር፡ ፍሉይ ፍቓድ ይግባይ ብዛዕባ ገበነኛ ምግባር ፐል ወይስ እቲ ሽማግለ ደያኑ ዝወሰዶ ፍርዲ ቅኑዕ ኔሩ ዝብል እዩ።
Supporters of George Pell pray outside the High Court of Australia in Canberra, Wednesday, March 11, 2020.
Supporters of George Pell pray outside the High Court of Australia in Canberra, Wednesday, March 11, 2020. Source: AAP

ፐል ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እንታይ ኢሉዩ ሞጒቱ?

ዝበዝዝሁ ደያኑ ቪክቶሪያ  ኣተገባብራ"ንሽማግለ ደያኑ ክፉት" ዝወሰድዎ መዐቀኒ ጌጋ እዩ፡ ኢሉዩ ፐል ሞጒቱ።

ንሱ ብተወሳኺ እቲ ገበን ንኽፍጸም ዘነበረ ተኽእሎ ዘጠራጥር እዩ ክብል ሞጒቱ።
Supporters of abuse victims outside the Victoria Supreme Court building in August. Today’s decision was handed down in a near-empty High Court building.
Supporters of abuse victims outside the Victoria Supreme Court building in August. Today’s decision was handed down in a near-empty High Court building. Source: AAP

ብሕጋዊ መስርሕ ሎሚ ጆርጅ ፐል ተዓዊቱ

ብመሰረት እቲ ምኽንያታት መደምደምታኦም፡ እቲ ናይ ይግባይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፥ እቲ ዝበዝሕ ዝተወስደ ፍርዲ ጆርጅ ፐል ገበነኛ ዘግብሮ እኹል ርትዓዊ ጥርጣረ ኣይረኸበን።

ብተወሳኺ እቲ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ዝበጽሖ ነገር፥ ኩነታት ከሰስቲ  ተኣማንነትን ቅብሉነትን ብዘየገድስ እቲ ሽማግለ ፍርዲ ዝጠለቦ ናይ መሰኻኽር መርትዖ  ክንዮ ጥርጣረ ዝኸይድ ን ፐል ገበነኛ ዘቑጽር ኣይኮነን ኢሉ።
George Pell leaves HM Prison Barwon in Geelong, Tuesday, 7 April, 2020.
George Pell leaves HM Prison Barwon in Geelong, Tuesday, 7 April, 2020. Source: AAP
ኣብ  2018, እቲ ሽማግለ ደያኑ (jury) ካርዲናል ፐል ክንዮ ርትዓዊ ጥርጥር ኣብ 5 ገበናት ገበነኛ ኢሉ ኔሩ።

ሎሚ ካርዲናል ጆርጅ ፐል ብቴክኒካዊ ሕጋዊ ተዓዊቱ ኣሎ፡ ካብቲ ንሓደ ዓመት ተኣሲርሉ ዝነበረ ድማ ወጺኡ ኣሎ። እንተኾነ ብብዙሕ ሕጋዊ መስርሕ ካብ ምሕታት ኣይክዓርፍን እዩ። ሎሚ ካርዲናል ጆርጅ ፐል ኣብዘውጽኦ መግለጺ፡ "ክሳብ ሎሚ ንጹህ ምዃነይ ከምዝኣምን ክገልጽ ጸኒሐ። እዚ ናይ ሎሚ ፍርዲ ድማ ንንጽህናይ ኣረጋጊጹለይ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ኸሰስተይ ዝኾነ ይኹን ሕማቕ ስምዒት የብለይን። ንነዊሕ እዋን ዝሓለፍናዮ ጭንቀት ይኣኽለና።"

 


Share

Published

Updated

By Ben Mathews, Mark Nicholas Bernard Thomas
Source: The Conversation

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣውስትራሊያ ንካርዲናል ጆርጅ ፐል ካብ ዝተኸሰሰሉ ዓመጽ ግብረ-ስጋ ቖልዑ ነጻ ኢሉ ፈቲሕዎ። | SBS Tigrinya