ብኸመይ'ዩ ኣብ ኣመሪካ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ቀልጢፉ ልዕሊ 100,000 በጺሑ፡ 15 ሚእታዊ ናይ ዓለም ሒዙ?

ኣመሪካ ልዕሊ 100,000 ህዝባ ብኮቪድ-19 ብምልካፉ ካብ ሃገራት ዓለም ትመርሕ ኣላ? ንምንታይዩ እዚ መጠን ኣዚዩ ሕማቕ ዝገብሮ?

Street scene of Boston

The United States has surpassed 100 thousand cases of coronavirus Source: Getty Images

ኣብዚ እዋን ልዕሊ 100,000 ሰባት ብኮረና ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ሎሚ ንግሆ ቁጽሪ ልኹፋት 104,000 ዝሓለፈ ኮይኑ 1,700 በዚ ቫይረስ ህይወቶም ሲኢኖም ኣለዉ ኣብ ኣመሪካ።

ዛጊት ኣብ ኣመሪካ እታ ብሕሱም በዚ ሕማም ተወቒዓ ዘላ ኒው ዮርክ ኮይና እቲ ልዕሊ ፍርቂ ብዝሒ ኣብዛ ክፍለግዝ ኣት ብምዃኑ ሆስፒታላት ዓቕለን ጸቢብወን ኣሎ።

ኣመሪካ ካብተን በዚ ሕማም ብሕሱም ዝተወቕዓ ሃገራት ኣብ ካል ኣይ ትርከብ ጣልያን ብልዕሊ15,000 ካብ ቻይና ድማ ብልዕሊ 20,000 ብዝያዳ ሰባት ዝተለኽፍዋ ሃገር ብምዃን ኣብ ቀዳማይ ተርታ ተሰሪዓ ኣላ።
ኣብ ኣመሪካ ካብቶም ዝተለኽፉ መጠን ሞት ኣስታት 1.5 ሚእታዊ ክኸውንከሎ ምስቲ ኣብ ጥልያን ዝተራእየ ናይ10.5 ሚእታዊ መጠን ናይ ሰማይን ምድርን ግልልይ እዩ።

ብመጠን ብዝሒ ዝምርመሩ ቁጽሪ ልኹፋት ክበዝሕን መጠን ሞት ኣብ ኣመሪካ ክውሕድ እዩ እቲ ትጽቢት።

ብዙሓት ከተማታት ኣመሪካ ከምቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዘጋጠመ ኩነታት እንተተፈጢሩ ማለት ኣብታ ከተማ ልዕሊ 500 ሰባት ምማቶምን መደቀሲ ዓራትን መከላኸሊታትን ሕጽረት ዘጋጠመ ዝያዳ ጸገም ከጋጥም ከምዝኽእልዩ ዝግመት።
Boston coronavirus
A cleaner in Boston Source: Getty Images
"ቁጽሪ ዝተለኽፉ ኣናወሰኸ ኣብ ሆስፒታል ዝዕቆቡ ኣናበዝሑ እዚ ኩነታት ንብዙሕ ናይ መሳርሒታት ሕጽረታት ከጋጥም ተራእዩ ኣሎ። "  ቶማስ ታይ ካብ ሃርቫርድ ን AFP.ሓቢሩ።

"እቲ መጠን ሞት ብኡ መጠን ክ ዓቢ እዩ።" ኢሉ።

ኣመሪካ ግና ብኸመይ እያ ኣብዚ በጺሓ? ኣብ ቀጻሊኸ እንታይ እዩ ክኸውን?

መርመራ፡ መርመራ፡ መርመራ

ብኮቪድ-19 ናይ ዝልከፍ ህዝቢ ዝለዓለ ቁጽሪ ኣብ ኣመሪካ ገና ዘይተበጽሐን እቲ ሕማም ኣብታ ሃገር ገና ከስፋሕፍሕ ምዃኑን ምኽንያት ናይዚ እንታይ ምኳኑ ኪኢላታት ህዝባዊ ጥዕና ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጹ።

ኣብቲ ፈለማ ንምኽሪ ሰብ ሞያ ዕሽሽ ብምባል ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ሕሰም ናይዚ ሕማም ከዋድቖ እዩ ተራእዩ።

እቲ ሕማም ሱር እናሰደደ ፈለማ ኣብ ዋሺንግቶን ዳሓር ናብ ካሊፎርኒያ ብቐስታ ክልሕም ምስጀመረ ንብኣልማማ ክግበር ብዛዕባ ዝግባእ መርመራ ክውሰን ኣይተኻእለን።
Coronavirus Drive Thru Testing in Pennsylvania
A certified registered nurse talks to a patient in their car at Penn State Health St. Joseph where they are conducting drive through coronavirus testing Source: Getty Images
መንግስቲ እተን ክፍለግዝኣታት ብመሰረት መምርሒ ዉድብ ጥዕና ዓለም፥ናይ ገዛእ ርእሰን መመርመሪ መሳርሒ ንኸማዕብላ ነቲ ኣሳሪ ሕጊ ክፈትሖ ኣይተራእየን። ድሒሩ ምስተፈቕደ እቲ መመርመሪ ንኽፍተን ናብ ኣትላንታ ምስተላእከ ጸገም ኣጋጢምዎ እዚ ንርእሱ ምድንጓያት ፈጢሩ።

ክሳብ 29 ለካቲ ማለት ናይ ፈለማ ሞት ኣብ ኣመሪካን ሓደ ወርሒ ድሕሪ ኣብ ኣመሪካ እቲ ሕማም ምኽሳቱን እዩ ነቲ ኣሳሪ ሕጊ መንግስቲ ፍትሕ ክብል ተጌሩ። ብድሕርዚ ናይ ውልቂ ትካላት ነቲ ጉዳይ ናብ ኢደን ኣእትየናኦ።

ሰብ መዚ ኣመሪካ ነዚ ምድንጓያት ነቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ከም ብሉጽ ስራሕ ተቖጺሩ ናይ ሓሶት እወታ ዝፈጠረ ኢሎም ከም ምኽንያታት እናሃቡ ከዋድቕዎ ፈቲኖም።

ካለን ግና ነዚ ምኽንያት ኣይቅበሎን

"ንነበርተይ ዝምህሮም ሓደ ነገር እንተልዩ፡ ገለ ነገር ምግባር ካብ ፈጺምካ ዘይምግባር ይበልጽ። ቀልጢፍካ ዝውሰድ ስጉምቲ ካብ ደንጉኻ ዝግበር ይምረጽ፡ ዉርጹጽ ነገር ምስራሕ ጸላኢ ናይ ጽቡቕ እዩ።"

ሃገራዊ ግብረ መልሲ ዘይምህላው

እታ ጻዕቂ ህዝቢ  ዘለዋ ኒው ዮርክ ናይ ኣመሪካ ሕምብርቲ መልከፍቲ ኮቪድ-19 እያ ኮይና፡ ክሳብ ዓርቢ ኣስታት 45,000 ዝተለኽፉን 500 ምዉታትን ርእያ ኣላ።

ጎረቤት ኒው ጀርሲ፥ ብድሕርዚ ካሊፎርኒያን ዋሽንግቶን፡ ሚችጋን፡ ኢሊኖይስን እተን ቆላሕታ ጠሊበን ዘለዋ ግዝ ኣታት እየን።
Social distancing in New York City
A handful of people walking in New York City Source: Getty Images
ክፍለ ግዝ ኣታት ኣመሪካ ገና ብዙሕ መልከፍቲ ክር አ ትጽቢት ከምዝሎን፡ 50 መንግስታት ነናይ ገዛእ ርእሰን ዉሳነ ይህባ ከምዘለዋን ሃገራዊ ዉሁድ ስራሕ ከምዘድሊ ፕሮፌሶር ቶማስ ታይ ይመክር።

ካብ ዓርቢ ኣትሒዙ 61 ሚእታዊ ካብ 330 ሚሊዮን ህዝቢ ኣመሪካ ክዕጾ ተኣዚዙ ኣሎ፡ እዚ ማለት ገና 39 ሚእታዊ ፍኑው እዩ ዘሎ።

እንታይዩ ሞ ዝግበሮ ሕጂ?

ኣብ ኣመሪካ ካብዝተለኽፉ መጠን እቶም ዝሞቱ  ብምንጽጻር ትሑትዩ ዘሎ፡ ናይ ኣመሪካ መጠን ሞት ካብ ዝተለኽፉ 1.5 ሚእታዊ, እዚ ምስ ናይ ስጳኛ  7.7 ናይ ጥልያን 10 ሚእታዊ ክነጻጸር ትሑት እዩ።

እዚ ኩነታት ብኸምዚ ዘለዎ ከምዝቕጽል ዝፍለጥ ኣይኮነን ኪኢላታትውን ዝተፈላለየ ትንበያ እዮም ዝህቡ።

"ትሑት መጠን ሞት ንመጻኢ መረጋገጺ ኣይኮነን," ይብል ዴቪድ ፊስማን ካብ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ ን AFP ኣብዝሃቦ ቃል.
US President Donald Trump speaks during the daily briefing on the novel coronavirus, COVID-19, in the Brady Briefing Room at the White House on March 27, 2020, in Washington, DC
US President Donald Trump speaks during the daily briefing on the novel coronavirus, COVID-19, in the Brady Briefing Room at the White House Source: AFP
"እዚ ቁጸጽሪ ክዓቢዩ ምኽንያቱ ሰባት ክሞቱ ግዜ ይወስደሎም እዩ። ናተይ ግምት ኣመሪካ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ናይ ጥፍኣት እያ ዘላ።" ኢሉ።

ስጉምቲ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ብህጹጽ እንተተግቢሩ እቲ መጠን ምልባዕ ክጎድል ምዃኑ ኪኢላታት ይሰማምዑ።

ብተወሳኺ እዚ ዝመጽእ ዘሎ ወቕቲ ሙቐትን ራህዲን ነቲ ምልባዕ ከምዘዝሕሎ ኪኢላታት ይእምቱ።
እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ለበዳ ኣብ ኣመሪካ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዚያ ከምዝር አ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግቶን ኪኢላታት ገሚቶም ኣለዉ።

ቁጽሪ በዚ ሕማም ዝሞቱ ኣብ ኣመሪካ እናወሰኸ ከይዱ ኣብ ወርሒ ሓምለ ልዕሊ80,000 ክበጽሕ እዩ።

እቲ ናቶም ሞዴል ከምዝ እምቶ እቲ ዝተሓት ብዝሒ ሞት 38,000  እቲ ዝለዓለ ድማ 162,000 ክኸውን እዩ።

ንምንጽጻር ኣብ 2018-2019 ኣብ ወቕቲ ሰዓል ብኢንፍሉወንዛ 34,000 ሰባት ሞይቶም።

 

 

Australians must stay at least 1.5 metres away from other people. Indoors, there must be a density of no more than one person per four square metres of floor space.

If you believe you may have contracted the virus, call your doctor (don’t visit) or contact the national Coronavirus Health Information Hotline on 1800 020 080.

If you are struggling to breathe or experiencing a medical emergency, call 000. SBS is committed to informing Australia’s diverse communities about the latest COVID-19 developments.

News and information is available in 63 languages at sbs.com.au/coronavirus


Share

Published

Source: AFP, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service