ኣብ ምርጫ ኒው ሳውዝ ወለስ (nsw) 2023 ብኸመይ ድምጽኹም ትህቡ

ኣብ NSW ዝነብሩ ብቑዓት ኣድመጽቲ ፡ ንቐዳም 25 መጋቢት ወከልቶም ኣብ ዝቕጽል ፓርላማ ንምምራጽ ፡ ናብ መድመጺ ነቑጣታት ክኸዱ እዮም ። ድምጺ ምሃብ ንኹሉ ኣብ ናይ ምርጫ ከባቢ ዘሎ ሰብ ናይ ግድን እዩ ።

ELECTION22 REID

More than 5.4 million people are eligible to vote in NSW. Source: AAP / DEAN LEWINS/AAPIMAGE

Key Points
  • ኣብ NSW, እቶም ናይ ድምጺ ምሃብ መሰል ዘለዎም ፡ ኣብ ኩሎም ናይ ፌደራልን ናይ መንግስትን ምርጫታት ፡ ከምኡ 'ውን ኣብ ናይ ከባቢ መንግስቲ ምርጫታት ክምዝገቡን ድምጾም ክህቡ ኣለዎም ።
  • ካብ እንግሊዝኛ ወጻኢ ፡ ናይ NSW ምርጫ ኮምሽን ልዕሊ 20 ቋንቋታት ብዛዕባ ምርጫ ሓበሬታ ይህብ ።
  • እቲ ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ናይ ድምጺ ምሃብ ስርዓት iVote ኣይጥቀመሉን እዩ ።
እቲ ብዶሚኒክ ፐሮታ ዝምራሕ ልፍንታዊ መንግስቲ ፡ ንራብዓይ ተኸታታሊ ግዜ ኣብ ስልጣኑ ክዕወት ይጽዕር ኣሎ ።
ሚስተር ፐሮታይ ነቲ ዝለዓለ ስልጣን ናይቲ ግዝኣት ቀንዲ ተቓዋሚኡ መራሒ ሰልፊ ለበር ክሪስ ሚንንስ እዩ ፣ ንሱ ኣብ ሰነ 2021 ነቲ ሰልፊ ክመርሕ ድሕሪ ምምዛዙ ናይ መጀመርታ ኣብቲ ምርጫ ክወዳደር እዩ ።
ፓርላማ NSW ፡ ብሓጋጊ ባይቶ (ታሕተዋይ ባይቶ) ከምኡ 'ውን ብኣፈጉባኤ ካውንስል (ላዕለዋይ ባይቶ) ዝቖመ 'ናይ ክልተ ባይቶ' ኣገባብ ይጥቀም ።
እቲ ናይቲ መንግስቲ ምርጫ ንኣድመጽቲ ኣብ ሓጋጊ ባይቶ ዝውክሎም ክመርጹ ኣብ 93 ናይ ግዝኣት ናይ ምርጫ ኣውራጃታት ከሳትፎም እዩ ።
እቲ ሓጋጊ ባይቶ 42 ኣባላት ዝሓቖፈ ኮይኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ግዝኣት ምርጫ 21 ኣባላት ንክልተ ናይ ፓርላማ እዋናትት ከገልግሉ ይምረጹ - እዚ ማለት እቲ ዝበዝሐ ክሳብ ሸሞንተ ዓመት ማለት እዩ ።
ሓደ ወሃቢ ድምጺ ኣብ እዋን ምርጫ ብኣካል እንተ ዘይተረኺቡ: ኣብ ናይ ጶስጣ ድምጺ ንኺወሃብ ክሓትት ይኽእል እዩ ።
ናይ ፖስታ ድምጺ ወሃብቲ ብ 20 መጋቢት ክሳብ ሰዓት 5 ድ.ቀ ጀሚሩ ኣብ ናይ NSW ምርጫ ኮምሽን ከቕርቡ ኣለዎም ።
ዝተዛዘመ ናይ ምሃብ ድምጽን ናይ ፖስታ ሰርቲፊኬት ድምጽን ካብ 10 ሚያዝያ ሰዓት 6 ድ.ቐ. ንደሓር ክቐርብ የብሉን ።
NSW LABOR POLICE KEY ELECTION ASKS
ክሪስ ሚንንስ ንሰልፊ ለበር NSW Labor ንኽመርሕ ኣብ ሰነ 2021እዩ ተመሪጹ። Source: AAP / BIANCA DE MARCHI/AAPIMAGE
እቲ ብ ኦንላይን ምሃብ ድምጺ (iVote) ኣብዚ ምርጫ ኣይሰርሕን እዩ።

ኣብ መዓልቲ ምርጫ ድምጺ ምሃብ – መጋቢት 25

ኣብ መላእ NSW ኣብ ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ፡ ማእከላት ማሕበረ-ኮማት ፡ ከምኡ 'ውን ኣብ ካልኦት ቦታታት ልዕሊ 2450 ናይ ድምጺ መውሃቢ ማእከላት ክህልዋ እየን ።

እዘን ማእከላት ኣብ መዓልቲ ካብ ሰዓት 8: 00 ቅ / ቀ ክሳብ ሰዓት 6: 00 ቅ / ቀ ይኽፈታ ።
ኣበይ ድምጺ ከም ትህብ ዝገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ NSW ናይ ምርጫ ኮምሽን ክርከብ ይከኣል እዩ ።

ኣድመጽቲ ናብ መድመጺ ነቑጣ ኣብ ዝኣትዉሉ፡ ሰራሕተኛታት ስሞምን ኣድራሻኦምን ፡ ከምኡ "ውን ኣብቲ ምርጫ ድሮ ድምጺ ሂቦም እንተሃልዮም ይሓቱ ።
ዝርዝር ሓበሬታ ምስ ተረጋገጸ ፡ መድመጺ ወረቐት ክወሃቦም እዩ ።
ሰራሕተኛታት ኣብ ናይ ምርጫ ናይ ድምጺ ዝርዝር ሓበሬታ ክረኽቡ እንተዘይክኢሎም ፡ ነቲ ናይ ዲክለረሽን ድምጺ ክመልእዎ ኣለዎም ።
NSW Premier Dominic Perrottet
ናይ NSW ፕሪሜር ዶሚንክ ፐሮታይ Source: AAP / Bianca De Marchi

ድምጺ ምሃብ ግዴታ እዩ

ኣብ NSW, ብቑዓትን ዝተመዝገቡን ኣድመጽቲ ኣብ ኩሎም ናይ ፈደራል ፣ ግዝኣታዊን ቤት ምኽሪ ምርጫታት ድምጾም ክህቡ ይግደዱ ።
እቶም ከምኡ ዘይገብሩ ፡ መቕጻዕቲ ክቕጽዑ ይኽእሉ ።

ምድማጽ ገዛ እንተዘይብልካ፡ ስንኩል እንተኾይንካ ወይ ኣብ መገሻ እንተለኻ

ቀዋሚ ኣድራሻ ዘይብሎም ኣብ NSW ዝነብሩ ዜጋታት ፡ ኣብ ናይ መንበሪ ቅልውላው ዝርከቡ ወይ ናይ መሰጋገሪ መንበሪ ገዛ ዝነብሩ ፡ ከም ኣድመጽቲ ክምዝገቡ ይኽእሉ እዮም ።
ኣብዚ ኩነታት እዚ ዘለዉ ውልቀ-ሰባት ድምጾም ክህቡ እንተ ዘይክኢሎም ፣ መቕጻዕቲ ኣይረኽቡን እዮም ።
ስንክልና ንዘለዎም ኣድመጽቲ ሓገዝ ዘድልዮም እንተኾይኑ ፣ ድምጾም ክህቡ ንዚሕግዝ ፈታዊኦም ወይ ዘመዶም ወይ ካብ ኣባላት ምርጫ ሓገዝ ምስዝደልዩ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም ።
ብኣካል መጺእካ ድምጺ ምሃብ ኣጸጋሚ እንተኾይኑ ፡ ኣብ መጀመርያ ድምጺ ምሃብ ፡ ብፖስታ ድምጺ ምሃብ ፡ ፡ ወይ ድማ ድምጺ ብቴሌፎን ምሃብ ክመርጹ ይኽእሉ ።
ሓደ ወሃቢ ድምጺ ኣብ ካልእ ግዝኣት እንተልዩ ፡ ኣብ መጀመርያ ናይ ድምጺ ማእከል ወይከኣ ኣብ ፖስታ ድምጺ ክህቡ ይኽእሉ ።
ኣብ እዋን ምርጫ ኣብ NSW ዝተመዝገቡ ግን ከኣ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝነብሩ ብ ፖስታ ድምጺ ክህቡ ከድልዮም እዩ ።

ሓበሬታ ብብዙሕ ቋንቋታት

ኮምሽን ምርጫ NSW ከመይ ጌርኩም ክትምዝገቡን ክትመርጹን ከምዘለኩም እንግሊዝኛ ሓዊስካ ብ25 ቛንቛታት ሓበሬታ ይህብ ።
ብኣካል ብዙሕ ቋንቋታት ዝዛረቡ ሰራሕተኛታት ወይ ወለንተኛታት ኣብቲ መጀመርያ ወይ ኣብ መዓልቲ ምርጫ እንታይ ዓይነት ቋንቋ ኽድግፉ ከም ዝኽእሉ ዝሕብር ባጅ ተኸዲኖም ይጸንሑ ።
እቲ ኮሚሽን ኣብቲ ዝርዝር ንዘይተኻተተ ቛንቛታት ብዘይኽፍሊት ብናጻ ናይ ስልኪ ኣስተርጓማይ ኣገልግሎት ይህብ ።
ኣባላት ምርጫ ኣብ ማእከል ድምጺ ሓፋሽ ተወሳኺ ናይ ቋንቋ ደገፍ እንተደልዮም ምስ ናይ ትርጉምን ኣስተርጓማይ ኣገልግሎት (TIS National) ከራኽቡ ይኽእሉ ።
ኮሚሽን ምርጫ NSW ኣብ ማሕበረሰብ ብዛዕባ ዝዝርጋሕ ምርጫ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንምእላይ ፡ ኣሰራትን ነቲ መስርሕ ምርጫ ግጉይ ሓበሬታታትን ዘህስስን ናይ ሓሶት ወረታት ዘህስስን ሓበሬታ የካይድ ኣሎ ።

ብዛዕባ ከመይ ጌርኩም ድምጺ ከምትህቡ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ elections.nsw.gov.au ብጽሑ ወይ ብ 1300 135 736 ደውሉ።

Share

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service