ካብ ልብያ ዝተበገሰት ጀልባ ጥሒላ፡ ኣሳፊራቶም ካብ ዝነበሩ ስደተኛታት 79 ሰባት ሞይቶም ብ ኣማኢት ዝቑጸሩ ጠፊኦም፣

እታ ናብ ኢጣልያ እተምርሕ ዝነበረት ጃልባ ፡ ካብቲ ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ ዝርከብ ቶብሩክ ዝበሃል ቦታ ከም ዝተበገሰት እዩ ዝእመን ።

Occupants of the battered fishing boat were offered help on Tuesday but refused, hours before it sank, killing at least 79. Source: AAP / Hellenic Coast Guard

Credit: Beyene Weldegiorgis

እንተ ወሓደ 79 ሰባት ሞይቶም ፡ ክሳዕ ሕጂ ልዕሊ 100 ሰባት እኳ እንተ ደሓኑ ፡ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ግና ደሃዮም ጠፊኡ ኣሎ ።

እታ ናብ ኢጣልያ እተምርሕ ዝነበረት ጃልባ ፡ ካብቲ ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ ዝርከብ ቶብሩክ ዝበሃል ቦታ ከም ዝተበገሰት እዩ ዝእመን ።
ኣብቲ ከባቢ ፡ ሰፊሕ ናይ ምድላይን ምድሓንን መስርሕ ተጀሚሩ ኣሎ ።

ኣፈኛ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ስቴፋን ዱጃሪክ ኣብቲ ኩነታት ዝሳተፋ ሃገራት ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ጻዊዒት ኣቕሪቡ።

[["ውሑስ መገዲ ክንረክብ እንኽእለሉ እንኮ መገዲ ፡ ሰባት ናብዚ ሓደገኛ ጕዕዞ ምእንቲ ኸይከዱ መፍትሒ ንረኽበሉ መገዲ፡ ናይ ገበን ዓዋሉ ካብዚ ኩነታት እነርሕቐሉ ፡ እንኮ መገዲ፡ እተን እዞም ግዳያት ዝብገሱለን ሃገራት፡ መሰጋገሪ ዝዀና ሃገራትን ናብተን ዝጓዓዙለን ሀገራት  ብሓባር እንተ ዓዪየን ጥራይ እዩ ።]]



Share

Published

Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service