ኣብ ሆስፒታል ናይ ጋዛ ኣማኢት ፍልስጢኤማዊያን ብደብዳብ ተቐቲሎም፡ እስራኤል "ኣይወዓልክዎን" ትብል

ሰበ-ስልጣን ጥዕና ሓማስ-፡ ኣብ ሆስፒታል ኣል-ኣህሊ ዓረብ ብደብዳብ ነፋሪት ፡ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐትሉ ፡ ነዚ ገበን እስራኤል ከም ዝፈጸመቶ ገሊጾም ። እስራኤል ፡ እቲ ሆስፒታል ብፍሹል ተወንጫፊ ፍልስጤማውያን ከም እተወቕዐ ብምግላጽ ፡ ሓላፍነት ኣይወሰደትን ።

ኣንስቲን ቈልዑን ድሕሪ እቲ ሞት ዘስዓበ ደብዳብ ፡ ይበኽዩ

ኣብ ከተማ ጋዛ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣል-ኣህሊ ዓረብ ባፕቲስት ድሕሪ ዘጋጠመ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ዝቘሰሉ ፍልስጤማውያን ሰለማውያን ሰባት ናብ ሆስፒታል ኣል-ሽፋ ተወሲዶም ። Source: Getty / Anadolu Agency

ሰበ-ስልጣን ጋዛ ብሰሉስ ኣብ እስራኤል ኣብ ናይ ፍልስጤማውያን ሆስፒታል ደብዳብ ነፈርቲ ተኻይዱ ፡ ኣስታት 500 ሰባት ከም ዝሞቱ እኳ እንተገለጹ ፡ እስራኤል ግን ነቲ መጥቃዕቲ ብፍሹል መጥቃዕቲ ሓማስ ከም ዘጋጠመ ኣፍሊጦም ።
ዛጊት ካብ ዘጋጠመ ሞት ኣብ ሓደ እዋን ካብ ዘጋጠመ እቲ ዝበዝሐ ኮይኑ ኣሎ ፡ እዚ ኣብቲ ተጎቢጡ ዘሎ ዌስት ባንክ ፡ ኢስታንቡልን ኣማን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣለዓዒሉ ኣሎ ።
ሚኒስተር ጥዕና ምምሕዳር ፍልስጤም ፡ ማዪ ኣልኬላ ፡ እስራኤል ኣብ ሆስፒታል ኣል-ኣህሊ ዓረብ "ጃምላዊ ቅትለት" ከም ዝፈጸመት ኸሲሳ ።
ኣብቲ እስራኤላውያን ን11 መዓልቲ ኣብ ጋዛ ዝገበረቶ ጽዑቕ ደብዳብ ፡ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ተአቲሎም እዮም ።

እስራኤል ነቲ ደብዳብ ዕጡቓት ፍልስጢኤም እዮም ትብል

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ "ባርባራውያን ኣሸበርቲ" ኣብ ጋዛ ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሆስፒታል መጥቃዕቲ ከም ዝፈነዉ ፡ እዚ ከኣ ኣብ ሰራዊት እስራኤል ዘይኰነስ ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ልዕሊ እቲ ሆስፒታል መጥቃዕቲ ከም ዝፈነወ ገሊጹ ።

ኣቐድም ኣቢሉ ሓደ ናይ ጋዛ ሲቪላዊ ምክልኻል ሓላፊ 300 ሰባት ከም እተቐትሉ ክገልጽከሎ ሓደ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጥዕና ድማ 500 ከም እተቐትሉ ተዛሪቡ።
ሓማስ እቲ መጥቓዕቲ መብዛሕቲኦም ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ሰባት ከምዝቐተለ ገሊጹ ።
    ናይ እስራኤል ወተሃደራዊ ወሃቢ-ቃል ሬር ኣድሚራል ዳንኤል ሃጋሪ ኣብ 'ቲ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጂሃድ በቲ ሆስፒታል ዝተተኮሱ ሮኬታት ይሓልፍ ከም ዝነበረ ንጋዜጠኛታት መግለፂ ሂቡ ።
    A map showing Al-Ahli al-Arabi hospital, Gaza and Israel
    Source: SBS


    ባይደን ናብ ዮርዳኖስ ክገብሮ ሓሲቡ ዝነበረ ምብጻሕ ይስርዝ, ፕረሲደንት ፍልስጢኤል ምስቲ ፕረሲደንት ክገብሮ ዝተመደበ ዝርርብ ይስርዝ

    ባይደን ብምኽንያት እቲ ኣብ ሆስፒታል እተገብረ መጥቃዕቲ ናብ እስራኤል ድሕሪ ምኻዱ ፡ ነቲ ኣብ ዮርዳኖስ ዝነበረ ዝነበረ ምብጻሕ ሰሪዝዎ ።
    ፕረዚደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ፡ ነቲ ምስ ባይደን ክግበር ተሓሲቡ ዝነበረ ኣኼባ ብቕልጡፍ ሰረዞ ፣ ድሕሪኡ ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ዓብደላ ፡ ነቲ ባይደን ምስ መራሕቲ ግብጽን ፍልስጤምን ከራኽብ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ዋዕላ ሰረዞ ።
    ኣብቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ጕዕዞ ኣብ ተልኣቪቭን ዮርዳኖስን ክበጽሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ባይደን ፡ ሕጂ ናብ እስራኤል ጥራይ ክበጽሕ እዩ ፣ እቲ መደብ ከም እተሰረዘ እቲ ፕረዚደንት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ክብገስ ከሎ ከም ተነግሮ ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ ።
    A group of people standing in the rubble of a destroyed building.
    Palestinians evacuate the area following an Israeli airstrike on the Sousi mosque in Gaza City on 9 October. Source: Getty / Mahmud Hams/AFP

    T


    Share

    Published

    Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
    Source: Reuters

    Share this with family and friends


    Follow SBS Tigrinya

    Download our apps
    SBS Audio
    SBS On Demand

    Listen to our podcasts
    Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
    Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
    Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

    Watch on SBS
    SBS World News

    SBS World News

    Take a global view with Australia's most comprehensive world news service