ኣብ ምብራቓዊ ኡጋንዳ ካብ ዝርከብ ናይ ሓደ ሃይማኖት ተኸተልቲ ዝዀኑ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ ዓድታቶም ሃዲሞም ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኸዱ ፖሊስ ኡጋንዳ ብሰንበት ሓቢሩ ።
ብመሰረት እቲ ፖሊስ ዝገበርዎ መርመራ ፡ እቶም ኣባላት እታ እምነት እቲ ጥፍኣት ካብቲ ዝነብሩሉ ከባቢ ከም ዝጅምር ይኣምኑን ካብ ዝመጽእ መዓት ናይ መወዳእታ ዓለም ንምምላጥ ከም ዝሃደሙ ኣፍሊጡ።
ንኣባላት እቲ እምነት ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ ከባቢኦም እንተጸኒሖም ኵሎም እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ከም ዝሞቱን ብመራሕቱ ተነግሮም ። ንብረቶም ሸይጦም ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝሃደሙ እዩ ዝንገር ።
እቲ "ክራይስት ዲሳይፕልስ ቸርች" ዝበሃል ሃይማኖታዊ ጕጅለ ኣብ ምብራቓዊ ኡጋንዳ ኣውራጃ ሰራሬ ኣብ እትርከብ ቊሸት ይነብሩ ። እቲ ምርመራ ዝተጀመረ ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሮም ናብ ኢትዮጵያ ይሰግሩ ከምዘለውን ክሳብ ሎሚ ይቕጽል ከምዘሎን ሓበሬታ ድሕሪ ምርካብ እዩ "ይብል ኣፈኛ ፖሊስ ከባቢ ኦስካር ኦገካ ንኣናዶሉ ።
ንሱ ከምዝበሎ ፡ እቶም ኣብ 'ዚ እዋን' ዚ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ከባቢኦም ሞት ይመጽእ ከምዘሎን ፡ እንኮ መዕቆቢኦም ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝኾነን ብመራሕቶም ተነጊርዎም ። ከይዶም ነቲ ወንጌል ክዝርግሕዎ ከም ዘለዎም እዮም ዝኣምኑ ።
እቶም ከይዶም ዘለው ካብ ሰለስተ ወረዳታት ዝመጹ እዮም- ሰሬ ፡ ኩሚን ንጎራን ።
ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ብሩኖ ኤሰሬ ዝበሃል መራሒ ንናይቲ ከባቢ ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ: እቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝኸዱ ሰባት ብዛዕባ መራሕቲ እታ ቚሸት ከይፈለጡ ንመጐዓዝያ ዝኸውን ገንዘብ ንኼውጽኡ ንብረቶም ከም ዝሸጡ ገለጸ ።
ኣብ ኡጋንዳ ፡ ብሰንኪ ግጉይ ተግባራት ናብ ሞት ዘብጽሕ ሓያሎ ሃይማኖታዊ ጕጅለታትን ባህልታትን ኣሎ ።
ብ17 መጋቢት 2000 ፡ ሓደ ብጆሴፍ ኪብወቴ ማስተር ዝምራሕ ዝነበረ እምነት ፡ ሓደ ዘሕዝን ፍጻመ ገይሩ እዩ ፣ ክብወቴ ንሰዓብቱ ፡ ዓለም ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም እትጠፍእ ብምግላጽ ፡ ኵሉ ንብረቶም ክሸጡ ኣእመኖም ። ነቲ ገንዘብ ተቐቢሉ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ፡ ብሓዊ ድሕሪ ምርኳዕ ልዕሊ 700 ሰባት ሞቱ ።